ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካዛኪስታን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መስከረም ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ካዛኪስታን በቆጻጽራ ሮማ ንጎሆ ሰዓት 07.36 ደቓይቕ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ተሰንዮም ከም ዝነቐሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብርዎ መበል 38 ሓዋርያዊ ጒዕዞ ናብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን ኑር - ሱልጣን ዘቕንዐ ከም ዝኾነን ኣብኡ እውን ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ሰዓትን ሓሙሽተ ደቓይቕ በረራ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 01.45 ደቓይቕ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር። ቅዱስነቶም ምስ ርእሰ ብሔር ካሲም ጆማርት ቶካየቭ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ናይ ሃይማኖታትን መንግስትን ዓበይቲ ኣካላትን ክራኸቡን ኣብኡ እውን ቀዳማይ መደረ ከምስዑ እዮም።
ናይቲ ምብጻሕ ቀንዲ ዕላማ፥ ዘተ ውስጠ ሃይማኖታት
ቅዱስ ኣቦና ብቐንዱ ኣብ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ንምስታፍ ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያ ዑደት ነቲ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ገላጺ ትርኢት ክብ ዘብል ምኻኑ ናይ ሃይማኖታት ንሰላም ማሕበር ዋና ጸሓፊት ፕሮፈሰር ካራም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትቲ ሓቢረን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ መላእ ዓለም ብርክት ዝበለ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተጸንቢሮም ሰብኣውነት ንምሕዳስ ዝኸውን መገዲ ንምውጣን ዝጽዕሩ ዘለዉ እዮም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመደረታቶም ምዕዳናቶምን ኣብ ተራ ህይወት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንግስታት ደረጃ እውን ኣፈይና ሰላም ምዃኖም እዮም ዝፍለጡ
ቅዱስነቶም ብዝተፈላለየ ዓዋዲ መልእኽትታቶም ኣቢሎም ናይ ሓባር ሃይማኖታዊ ሕውነትን ድሌትን ሰላምን ሓለዋ ከባብን ዘንጸባርቑ እዮም። ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻታት እውን ምስ ዝሳቐዩ ሰባትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቀረባ ምዃን ንዝብል ኩቡር ዋጋ ጭቡጥ መግለጺ እዮም። ዋላ’ኳ ከም ሓደ መራሒ ሃይማኖት እውን እንተዀኑ ንማሕበረሰባት ንምፍዋስን ግጭት ንምክልኻል እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ዘነጽር ግብረ ገባዊ ስልጣን ከም ዘለዎም ዘመላኽት እውን እዩ” ነዚ ዝበላ ፕሮፈሰር ካራም፥ “ስለዚ ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ምስታፎም፥ “ብኸመይ ግርጭታት ምፍታሕን ምውጋድን ዝመርሕ መገዲ ንምሕንጻጽ ዝድግፍ እዩ” ኢለን።
ካቶሊክ ማሕበረሰብ ኣብ እምነት ንምጽናዕ
ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ ምብጻሕ ኵሉ ዘስምዕዎ መደረታት ብቋንቋ ጣልያን ከም ዝኸውንን ትርጒም መደረታቶም እውን ክቐርብ ከም ዝኾነን ቅዱስነቶም ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ካዛኪስታን መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ኣብ እምነት ከጽንዑን ምዃኖም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ካዛኪስታን ውሑድ ግን ውዕውዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 1 ሚእታዊ ዝሽፍን ኮይኑ፡ እቲ ሰብዓ ሚእታዊ ሱናዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና እቲ 26 ሚእታዊ ብቐንዱ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝውክል ከም ዝኾነ የመላኽት።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መስከረን ምስ ናይታ ሃገር ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ካቴድራል ቅድስቲ ድንግል ማርያን ዘለኣለማዊት ረድኤት ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን እዮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ቅዱስነቶም ምሸት በቆጻጽራ ሮማ ከባቢ ሰዓት 08.00 ናብ ሮማ ክነቕሉ ምዃኖም የዘኻኽር።