ድለ

2022.09.17 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ 2022.09.17 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ  

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ

“ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣይቮርይ ኮስትን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዝተሰምረሉን ገለ መዳያት ማሕበራውን ቁጠባውን ኵነታት እታ ሃገር ኣብ ኵላዊ መስርሕ ዕርቂ ብዘተኮረን ኣገባብ ምይይጥ ምክያዱን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መስከረም ንወገዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብዛዕባ ህልው ክነታትን መስርሕ ዕርቅን ኣብ ኣይቮር ኮስትን ጒዳይ ጸጥታ ዞባ ሳሄልን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኣለሳነ ኦኣታራ ዝተኻየደ ርክብ ኣስታት ዕስራ ደቓይቕ ዝወሰደ ከም ዝነበረን፡ ርእሰ ብሔር ኦኣታራ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ብዛዕባ ዝምድናታት ቅድስቲ መንበር ሃገረ ኣይቮርይ ኮስትን ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ

ኣፍሪቃ ዕርቅን ዞባዊ ጸጥታን

“ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣይቮርይ ኮስትን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዝተሰምረሉን ገለ መዳያት ማሕበራውን ቁጠባውን ኵነታት እታ ሃገር ኣብ ኵላዊ መስርሕ ዕርቂ ብዘተኮረን ኣገባብ ምይይጥ ምክያዱን ከምኡ እውን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ትምህርትን መዳይ ጥዕናን ብምድናቅ ዓቢይ ኣፍልጦ ዝሃበ ርክብ እውን ምንባሩ ኣመላኺቱ፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ኩነታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ዞባ ሳሔልን ከምኡ እውን ንዞባዊ ጸጥታን ብምውካስ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክያዱ የመላኽት።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ

ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት

ከምቲ ልሙዱ ኣብ ምዝዛም እቲ ዝተኻየደ ርክብ ገጸ በርኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተፈጸመን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኣለሳነ ኦኣታራ ናይ 2022 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምን ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነትን ቅዱስነቶም ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. መላእ ዓለም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ኣብ ዝተጠቕዓሉ እዋን ኣብ እዋን ተፈናተትን ኵሉ ካብ ቤቱ ከይወጽእ ዝብል ውሳኔ ተወሸብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ዘዕረግዎ ጸሎት ብስእሊ ዘርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ ስእላዊ መጽሓፍን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ርእሰ ብሔር ኦኣታራ እውን ብወገኖን ንቕዱስነቶም ብዛዕባ ኣይቮሪኮስት ዝገልጽ መጽሓፍን ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ዝምረት ቸኮላታ ከም ዝለገሱሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኦኣታራ
19 Sep 2022, 14:25