ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኲናት ዓለም የጋጥመና ኣሎ - ደው ነብሎ!

እቲ ዝደምይ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ኣይንረስዓዮ፥ እቲ ውግእ ዓለም ለኻዊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ! ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዘመንና ናይ ኲናት ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኩሉ ሰብ ሃናጺ ሰላም ክኽውንን መደባት ዕርቅን ስኒትን ኣብ ዓለም ከስፍሕ መታን ኵሉ ክጽሊ እሓትት፥ ሎሚ ናይ ዓለም ኵናት እዩ ዘጋጥመና ዘሎ እሞ ደው ነብሎ ሓደራዅም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻው ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት እናሓሰቡ፡ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱን ኣብ ዘለዎ ተልእኾ ሓናጺ ሰላም ክኸውንን ሰላም ክሃንጽ ዝተጸውዐ ምዃኑ ክስምዖ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት  መበል 196 መዓልቲ ኣብ ዘቝጽረሉ ዘሎ እዋን፥ “ምድሪ ገና ተንቀጥቅጥ ኣላ ህዝቢ ዩክረይን ድማ ይነብዕ ኣሎ” እንክብሉ ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበለዎ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ህልው ኵነታት እናሓሰቡ፥

እቲ ዝደምይ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ኣይንረስዓዮ፥ እቲ ውግእ ዓለም ለኻዊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ! ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዘመንና ናይ ኲናት ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኩሉ ሰብ ሃናጺ ሰላም ክኽውንን መደባት ዕርቅን ስኒትን ኣብ ዓለም ከስፍሕ መታን ኵሉ ክጽሊ እሓትት፥ ሎሚ ናይ ዓለም ኵናት እዩ ዘጋጥመና ዘሎ እሞ ደው ነብሎ ሓደራዅም!

ነተን ንማርያም ዘወፈይወን ክልተ ሃገራት -  ሩሲያን ዩክረይንን ምእንቲ ናብ ዕርቅን ሰላምን ከብላ በማላድነት ማርያም ጸሎቶም ዘየቋርጽ ከምዝኾነን ኣብዚ ህሞት እዚ ነቶም ኣብ ክቱር ስቓይ ዝርከቡ ንቅድስቲ ድንግል ማርያን ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ግዳያት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኵናት ብፍላይ ከኣ ነቲ ክቡር ህዝቢ ዩክረይን ሕድሪ እብል!

ብዝብላ ቃላት ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

08 Sep 2022, 16:07