ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ምስ ማርያም ሓቢርና ኣብ ጸሎት ምእንቲ እታ ትሳቐ ዘላ ዩክረይን! ፍራንቸስኮ፥ ምስ ማርያም ሓቢርና ኣብ ጸሎት ምእንቲ እታ ትሳቐ ዘላ ዩክረይን! 

ፍራንቸስኮ፥ ምስ ማርያም ሓቢርና ኣብ ጸሎት ምእንቲ እታ ትሳቐ ዘላ ዩክረይን!

ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብታ እትሳቐይ ዘላ ዩክረይን ውህበት ሰላም ምእንቲ ክትረክብ ብጸሎት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንመለስ፡ ማርያም ቀዳመይትን ፍጽምትን ጓል መዝሙር ጐይታ ዝኾነት ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብነት ህይወት ቅድስና ክንስዕብ ትሓግዘና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መስከረም ንኣዋጅ ብጽዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኣብነት ብጹዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳምዊ ክንስዕብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክትሕግዘና በማላድነትና ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናይቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕ ናይ ዝበለቶም ኣልቢኖ ሉቺያኒ ፍሽኽታን ርግኣትን ዝዓሰሎ ገጽ እናሓሰቡ ብጹዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ቤተ ክርስቲያንን ክርስቶስን ዝስዕቡ እዚ ኣገባብ እዚ ክህልዎም ዘዘኻኽሩ ኣብነት ናይ ወንጌል ሓሴት እዮም ቢሎም፥

ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብታ እትሳቐይ ዘላ ዩክረይን ውህበት ሰላም ምእንቲ ክትረክብ ብጸሎት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንመለስ፡ ማርያም ቀዳመይትን ፍጽምትን ጓል መዝሙር ጐይታ ዝኾነት ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብነት  ህይወት ቅድስና ክንስዕብ ትሓግዘና!

ሰላምታ ቅዱስነቶም

ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምቕራቦም ነቶም ኣብቲ ንብጽእና ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበሩ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረልና ንናይ ሞናኮ ርእሰ ምምሕዳር መራሔ መግንስቲን ንዅሎም ነቶም ካብ ቨነዚያን በሉኖን ቮቶሪዮ ቨነቶ ኮታ ካብተን ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዝተወለዱላን ከም ካህን ደሓር እውን ከም ጳጳስን ካርዲናልን ዘገልገሉለን ከተማታት ዝመጹ በሸሓት ንዝቝጸሩ ምእመናን ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

05 Sep 2022, 16:08