ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ባሕሬን ክገሹ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ባሕሬን ክገሹ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ባሕሬን ክገሹ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መንግስትን ኤቅለሳውያን ስልጣናት ባሕሬን ንዝገበሩሎም ዕድመ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 6 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ደሴት ወሽመጥ ፋርስ ሃገረ ባሕሬን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ ወርሒ ሕዳር ናብ ባሕሬን ሓዋርያዊ መገሻ ካካይዱ ምዃኖም ዕለት 28 መስከረም ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መንግስትን ኤቅለሳውያን ስልጣናት ባሕሬን ንዝገበሩሎም ዕድመ ተቐቢሎም ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 6 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ደሴት ወሽመጥ ፋርስ ሃገረ ባሕሬን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 28 መስከረም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም “ናይ ባሕሬን ዋዕላ ዘተ፥ ምብራቕን ምዕራብን ንሓባራዊ ህይወት ደቂ ሰባት” ምኽንያት ኣብ ከተማታት ማናማን ኣዋሊን ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም፡ ዝርዝር መደባት ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ብወግዒ ክግለጽ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

2014 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንጉስ ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ

ዕለት 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ባሕሬን ንጒስ  ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ንጉስነቶም ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢቶም ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርካባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ብዝነበሩ ብሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርት ምስ ዝተሰነየ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተራኺቦም፥ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕርን ተወፋይነትን ከምኡ እውን ንሰብኣዊ ምዕባለ ዝሃቀነ ተወፋይነትን ኣብ መንጐ ኵሎም ኣባላት ሕብረተሰብ ኣገዳስነት ዘተን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ኣብ ዝብሉ ቀንዲ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዘዘኻከረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ርክብ እውን ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ዝህቦ እወታዊ ኣበርክቶ ንጉስ ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ዓቢይ ምንድናቕ ኣፍልጦ ብምሃብ ከምዘመስገኑ የዘኻኽር።

29 September 2022, 16:00