ር.ሊ.ጳ. ዓለም ዘድልያን ሃረር እትብሎን ኵሉ ነማላድነት ማርያም ሓደራ ይብሉ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 22 – 25 መስከረም ኣብ ከተማ ማተራ ዝተኻየደ መበል 27 ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኣብ ኢጣሊያ ዝያዳ ውልደትን ዝያዳ ቈልዑ ክህልዉን ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይንን ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ዝፍጸም ዓመጽን ጭውያን ከብቅዕን ኣብ ምያንማር ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ክፍጸም ዘይግብኦን ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት መዓት ክይፍጸም በማላድነት ቅድስቲ ድምግል ማርያም ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ውሑዳት ቆልዑ ዝወለዱላ ኢጣሊያ፥ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምያንማር መዕለቢ ዘይረኸበ ዓመጽን ኵለ መዳያዊ ቅልውላውን ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ህይወት 11 ህጻናት ዘሕለፈን ብሩትዕ ጓሂ ከም ዝፈጠረሎምን ምክልኻል ህጻናት ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑን፡ ኣብ ኡክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት መንግስታት ዓለም ደው ከብልዎን ከምኡ እውን ዕለት 25 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ብምዝኽኻር “ንዅሉ ዝሓቁፍን ሕውነታዊ ዓለም ንምሕናጽ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብርን ኣብ ካመሩን ዝተጨውዩ ካህናትን ደናግልን ገዳማውያን ዓለማውያን ምእመናን ናጻ ክልቀቑ ናይታ ሃገር ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት እሓብር ቢሎም፥ እቲ ንዓለም ዘናውጽ ዘበለ ኵሉ ሁከት ከብቅዕ “ንኣማላድነት ቅዱስ ቁርባናዊት ኣደ ዝኾነት ኣደ ኵላትና ሓደራ እብል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢጣሊያ ዝያዳ ውልደት ክህሉ
ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዙፒ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብሔራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቁርባን ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም ብምፍቃዶምን ንዅሎም ኣብቲ ጒባኤ ንዝሓበሩን ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃለ ምስጋና ቅዱነቶም፥
ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ምእንቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ሽታ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራ ክስማዕ ነማላድነት ቅድስተ ማርያን እኖ ቤተ ክርስትያን ሓደራ እብል!
“ኣብ ኢጣሊያ ዝያዳ ውልደትን ዝያዳ ቈልዑ ክህልዉ ክሓትት እደፍር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከምቲ ኣብ ምያንማር ዝተፈጸመ ዓይነት ጭፍጨፋ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ኣይሃሉ!
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነታ ድሕሪ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ከቢድ ግጭትን ዓመጽን እትርከብ ብዙሓት ግዳያት ዝኾኑላ ዘላ “ክብርቲ” እስያዊት ሃገረ ምያንማር ዘኪሮም፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ማለት ዕለት 16 መስከረም ኣብ ዞባ ሳጋይንግ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም 11 ሕጻናት ብፍልዩ እናሓሰቡ፥
ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ትምህርቲ መጥቓዕቱ ምፍጻም ከም ልሙድ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል፡ ገዓርን ቃንዛን ናይዞም ንጹሓን ይሰማዕ! ከምዚ ዓይነት መዓት ፈጺሙ ክህሉ የብሉን!
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሰላም ኣብ ካመሩን
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ካመሩን ካብ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መንጐ ካብ ካመሩን ክፍለይ ናይ ዝደሊ ዞባ ዕጡቓት ሓይልን መደበይና ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ብዝካየድ ዘሎ ግጭት ምኽንያት እታ ሃገር ትሳቐ ከምዘላን ኣብ ቍሸት ንቻንግ ኣብ እትርከብ ቁምስና ቅድስተ ማርያም ክፍሊ ሃገረ ስብከት ማምፈ ሓሙሽተ ካህናትን ሓንቲ መነኮስ ዝርክብዎም ሰባት ከም እተጨውዩን ብጹዓን ጳጳሳት ካሜሩን እውን እቶም ዝተጨውዩ ናጻ ክልቀቑ ዘቕረብዎ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ብምቅላሕ፥ ኣብ ጻውዒት ብጹዓን ጳጳሳት ካመሩን እሓብር ቢሎም፥
ንህዝብ ኤቅለሳውያንን ዞባ ማመንዳን እሓስብ፡ እግዚኣብሔር ንኣልባባትን ንማሕበራዊ ህይወትን እታ ሃገር ሰላሙ ይሃብ!
ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ የብቅዕ!
ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን “ንምጽንናዕ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም አማልድነት እጽሊ” ነቶም ኣብ ኑው ዮርክ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን መራሕቲ፥
እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ኣድማዒ ተበግስታት ብቝልጡፍ ክርከብ ዝብል ብርቱዕ ድላይ ክህልዎም ጻውዒት አቕርብ
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓቛፍን ሕውነታውን መጻኢ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን
ዕለት 25 መስከረም ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምዝኽካር፥
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ብሰላምን ብኽብርን ዝነብርሉ ቦታ ዝረኽበሉ መጻኢ መታን ክህሉ፡ መጻኢ ብመሰረት መደብ ኣምላኽ ንምህናጽ ቃልናን ጻዕርታትናን ነሐድስ!
ቢሎም ስደተይናታት እቶም ሃገሮምን ቤቶምን ሓዲጐም ንኽስደዱ ዝግደዱ ክእንገዱን ኣብቲ ሓድሽ ህይወት ክስነዩን ክይግለሉን ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ሓገዝ ክቐርበሎም ጻውዒት ዘቕረቡ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ . . . ኵላትና ዝያዳ ንዅሉ ዝሓቁፍን ሕውነታውን መንፈስ ዝዓስሎ መጻኢ ንምህናጽ “ተወፋይነት ይሃልወና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።