ድለ

2022.09.26 Partecipanti al Capitolo Generale delle Sorelle Terziarie Cappuccine della Sacra Famiglia 2022.09.26 Partecipanti al Capitolo Generale delle Sorelle Terziarie Cappuccine della Sacra Famiglia 

ዓው ዓው ምባል የዋርድ! ኣብ ሱቊታ ግን ውህደት ብዙሕነት ኣሎ! ር.ሊ.ጳ ንፍራንቸስካውያን ደናግል

ሳልሳይ ማሕበር ፍራቸስካውያን ደናግል ቅድስት ሥድራ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኤን ኣብ ሮማ ኣካይደን ኣብ ፍጻሜ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸባን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ዓው ዓው ምባል ክብሪ ብጾት ስለዝነክእ ብጸጥታን ጽን ቢልካ ብምስማዕን ውህደት ማሕበረን ከደንፋዓ ሓደራ ቢሎምወን።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ኣኸቲሎም ወትሩ ከምዝገብርዎ ክልተ ጒዳያት እንክብሉ ጽን ቢልካ ብትሕትና ምስማዕን ብመንፈስ ሲንዶስ ኣብ ማሕበር ብሓባር ምጒዓዝን ዝብላ ከም መቀጸልታ ናይቲ ከካይዳኦ ዝቀነያ ጉባኤን ኣስተንትኖን ኣቅሪቦምለን። ኣብ ዝኾነ መንፈሳዊ ማሕበር ገዳማውያንስ ይኹን ገዳማያውያት እዘን ክልተ ጒዳያት እዚኤን ማለት ብትሕትና ጽን ቢልካ ምስማዕን ብመንፈስ ሲኖዶስ ብሓባር ምግስጋስን ዓሚቊ ሡር መሠረት ክህልወን ግዲ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ንካልኦት ሰሚዕካ ንምኽኣል ቅድሚ ዝ ኣገረ ሱቊታ የድሊ ሱቊታ ብሱቊታኡ ከኣ ዓሚቊን ውሳጣውን ክኸውን ኣለም’ ኢሎም፤ እዚ ሱቊታ እዚ ኣብ ግዜ ጸሎት ክነዘውትሮ ንዘሎና ሱቊታ ዝመሳሰል ኮይኑ ናብራና ብዙሕ ግዜ ጭራሕ ምራሕ ዝመልኦ ብምዃኑ ከምቲ ኣብ ጸሎት ሓሳባትና ጠርኒፍና ንጐይታ ንክንሰምዕ ዓሚቊ ሱቊታ ክነጥሪ እንቃለሶ እዩ ጉዳዩ በዚ ከኣ ቅልጡፍ መልሲ ክንረክብ ንኽእል እንተኾነ እንተስ ተረዲኡና እንተስ ብዘይልብና ኣብ ነባራዊ ርክባትና ክንዲ ጽን ቢልካ ብሱቊታ ምስማዕ ዓው ዓው ንብል ንጭድር ንቊጣዕ ኢሎም።

ንብዙሓት እንተስ ብግህዶ እንተስ ብሓሳብ ድምጽኻ ምብራኽ ነቲ ዝጸመመ ዝመስሎ ሰማዒ ፍታሕ ቢሎም ዝኣመኑሉ ወይውን ርእይቶኦም ቅቡል ንክኸውን ድምጾም ወይውን ዝህብዎ ምልክት ልዕሊ ክስማዕን ክረኤን ይቃለሱ፤ እዚ ኣገባብ እዚ ግን ነቲ ጽን ቢሉ ክሰም ዕ ዝተጋበኤ መባረሪ ይኸውን እሞ ኣሉታዊ ሳዕቤን የኸትል። እዚ ዓው ዓው ብማለት ዝግበር ምብራኽ ድምጺ ንሰብ ክብረቱ ይትንክፍ በቶም ሓይልን ዓቅምን ድምጾም ናይ ምስማዕ ዘለዎም እንተስ ብመራኸቢ ብዙሓን እንተስ ከም ድላዮም ብዝጥምዝዝዎ ትምህርትን ኣስተምህሮን ርእይቶ ብዙሓት እዩ ፖሊሲ እዩ መስመር መሪሕነት እዩ እናተባህለ ናብ ባርነት የውድቅ፤ እንተ ኢየሱስ ግን ኣብ ሱቊታን ጸጥታን ውህደት ክነናዲ ይዕድመና ኢሎም።

ናይ ውህደት ቅኒት ኣብ ጽሞና ሃሰስ ምባል!

ቅዱስነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ንዓይ ጥራይ ስምዑ ዝብል ዓውታን ሸበድበድን ዝመልኦ ዓለም ኢየሱስ ዝሕብረና መንገዲ ብኣንጻሩ ካብ ዓለምን ድምጽታቱን ተፈሊና ብጽሞና ክነዳምጽ ይሓተና፤ በዚ ሱቊታ እዚ ገቢርና ብቀዳምነት ንኩሉ ጽን ቢልና ክንሰምዕን ህድእ ቢልና ብምስትውዓል ንነፍስወከፍ ድምጺ ክንፈልን ክነለልን ንኽእል፤ እቲ ማንም ድምጽን ትርጉም ኣልቦ ዓውታን ካበይን በየንን ከምዝመጸ ነስተውዕል እሞ ሽም ንህቦ፤ ነዚ ሱቊታ ጥራይ ክህበና ዝኽእል ውህደት እንተወኒና ማንም ድምጺ ከምልጠና ከምዘይክእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እቲ ዚዓበየ ፈተና ኣብ ኣእምሮና ጽቡቅ ኮይኑ ዝተራእየና ዝኾነ ቅኒት ነጻውድ እሞ ምስዚ ቅኒት እዚ ዘይከይድ ዝኾነ ድምጺ ምንጻግ እዩ። እዚ ግን ቦታ እግዚኣብሔር ሒዝና ንሰባት ምፍራድን ምፍራጅን እዩ፤ ዓቢ ት ዕቢት ስለዝኾነ ብትንቢታዊ ሱቊታና ዝኾነ ትሕትና ክንቃለሶ ዘሎና ጉዳይ እዩ፤ ከምዚ ምስ እንገብር ንኩሉ ክንፈቅርን ትርጉም ፍጥረታት ክንረክብን ንኽእል ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ገዳማዊ ሕይወት ሳልሳይ ማሕበር ካፑቺነ ቅድስት ሥድራ ምልስ ብማለት ናይ ዘመንና ነቢያት ክኾና እንተኾይኑ ትሕትና ዝመለልዪኡ ጽን ቢልካ ምስማዕ ከዘውትራ በዚ ከኣ ነቲ ንኩሉ ብዘይሌላ ጉሌላ ኣፍቅር ንፍጥረት ኩሉ ከም ፍሉይ ጸጋ እግዚኣብሔር ተቀበል ዝብል ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዚሓዘ ድምጺ እግዚኣብሔር ክሰምዓ ከምዝኽእላ ገሊጾምለን። ኣብ ኣ እምሮአን ክሕዝዋ ዘለዋ ቅኒት እዚኣ ኮይና በዛ ቅኒት እዚኣ ትርጉም ስቃይን ጸልማትን ሞትን ኣብ ጸገም ዘሎ ሓው ጸገሙ ንምርዳእን ክኽ እላ ብዝበለጸ ከኣ ካብና ፍሉይ ሓሳብ ንዘለዎ ሓው ወይ ሓውቲ ክንርዳእን ክንቅበልን ንኽእል፤ ምስጋና ነዚ ጽን ቢልካ ን እግዚኣብሔር ምስማዕ ይኹን እቲ ሕንፍሽፍሽን ሸበድበድን ዝዓብለሎ ዓለምና ዝተወሃሃደ ቅኒት ሒዙ ክቀርበናን ክንሰምዖን ክንርድኦን ንኽእል። ብድሕርዚ እታ ካልአይቲ ዝበልናያ ሲኖዶሳውነት ብሓባር ምጒዓዝ ብቀሊሉ ክብጻሕ ይከኣል፤ ብሓደ ልብን ብሓደ መንፈስን ከኣ ንቅድሚት ትግስግስ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃል ማዕዳኦም ከምቲ መሥራቲ ማሕበረን ልዊስ ኣሚጎ ዕለት ዕለት ንሕማማት ጐይታ እናኣስተንተነ ንሕይወት ትሕትናን ተጋድሎን ሃጐፋይ ቢሉ ብምቅባል ከም መንገዲ መንግሥተ ሰማይ ዘዘውትሮ ዝነበረ ንሰን እውን እንኮ መንገደን መንገዲ ኢየሱስ ንሳ ኸኣ ፍኖተ መስቀል መንገዲ ትሕትናን ድኽነትን ኣገልግሎትን ምዃኑ ተግንዚበን ንኩሉ ዘወሃህድ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ማሕበረን ክሰርሕ ከፍቅዳሉ ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትወን።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 Sep 2022, 23:46