ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሉቺያኒ ናይ ወንጌል ሓሴት ብዘይ ምውጋይ ዝነበሩ!
“ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ብዘይ ርእሰ ዕቃበ ንኢየሱስ ከመይ ገይሮም ከም ዝስዕቡ ዝፈለጡ ልኡምን ትሑትን ጓሳ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 25 ሺሕ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ንዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ብጹዕ እንክብሉ ዝኣወጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብሓዋርያዊ ስልጣንና ነቶም ክቡር ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣትሒዝና ብጽዕ ተባሂሎም ክጽውዑ ንእውጅ! በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣልቢኖ ሉቺያኒ ናብ ክቡር መሰውዒ - መንበረ ታቦት ክብ ከም ዘበልዎምን ዓመታዊ በዓል ብጽዕናኦም ኣብታ ኣብ 1978 ዓ.ም. መበል 263 ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ኣብ ዝተሓረዩላ ዕለት 26 ነሓሰ ክበዓል ቅዱስነቶም ከም ዝወሰኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብካርዲናላትን ካህናትን ዲያቆናትን ብጠቕላላ ብ500 ካህናት ተዓጂቦም ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ 25 ሺሕ ምእመናን የመላኽት።
ቅዱስ ትሩፋት ዮሓንስ ጳዎሎስ ቀዳማዊ
ኣልቢኖ ሉቺያኒ ከም ጳጳስ መጠን ትሕትና ዝብል ቃል መርሕ ዝገበሩ ሓደ ካብቲ ቅዱስ ትሩፍቶም ኣብ 1956 ዓ.ም. ብኢዶም ዝኸተምዎ ብዛዕባ እቶም ሰለተ መንፈሳዊ ምግባራት፥ እምነት ተስፋ ፍቕሪ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘንበርዎ ኣስተንትኖ ከም ዝቐረበን ዕለት 13ን ዕለት 20 ደሓር እውን ዕለት 27 መስከረም 1978 ዓ.ም. ኣልቢኖ ሉቺያኒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ ኣብቲ መንፈሳዊ ምግባራት ዘማእከለ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅድሴ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረልና ከምኡ እውን ናይ ታይዋን ልኡከ መንግስቲ ከም እተረኽቡ የመላኽት።
እግዚኣብሔር ዝሓረዮም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ር.ሊ.ጳ. ሉቺያኒ “ብዘይ ምውጋይ ናይ ወንጌል ሓሴት” ዘንጸባረቑ ምንባሮም ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ገዛእ ርእስኻ ማእከል ገርካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ምድላይ ዝብል ፈተና” ንምብዳህ ዝድግፍ ከም ዝኾነን፡ “ልኡምን ትሑትን ጓሳ - ናይ ዝኾነ ኢየሱስ ኣብነት ዝሰዓቡን ነዚ ዝነበርዎ ሕይወት እዚ ኣምላኽ ዝሓረዮም” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎምን፡ ነቲ ኢየሱስ “ዋላ ዓበይቲ ነገራት እንተገበርኩም ዘይንጠቕም ኣገልግልቲ ኢና” በሊ እንክብሉ ንዘቕረቦ ናይ ትሕትና ዕድመ ዝምስክር እዩ።
ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ብፍሽኽታኦም ናይ ጐይታ ሰናይነት ዘመሓላለፉ ሕጉስ ርጉእ ፍሽኽታ ዝመልኦ ገጾም ቤተ ክርስቲያን ክህልዋ ዝግባእ ገጽ ይገልጹ። ማዕጾኣ ፈጺማ ዘይትዓጽው ዘይተማርር ቂም በቀል ዘይትዕቅብ ቤተ ክርስትያን! . . .
ኣገባብ ኣግዚኣብሔር
ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል (ዕለት 4 መስከረም 2022 ዓ.ም.) ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 25 – 33 ኣተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፥ ኢየሱስ ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ብዙሕ ሕዝቢ እናሓሰበ ነዚ ሕዝቢ እዚ ካብ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ዘይፈቕር ወደ መዝሙር ክኸውን ከም ዘይክእል የተሓሳብ፡ ክቡር መስቀሉ ዘይስከም ካብ ምድራዊ ንብረት ዘይርሕቕ” ነቲ ህዝቢ ዝመርሕ ካብ ውልቃዊ ረብሓ ክእለይ ኣለዎ። ብፍላይ ንህሞት ውልቃውን ማሕበራውን ቅልውላው ዝተቓልዑ ምስ እንኸውን ብፍታው ይኹን ብዘይ ፍታው ናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ኢና እነቐድም፥ እግዚኣብሔር ድሌታትና ወይ ተቓላዕነትና ዝምዝምዝ ኣይኮነን፥
ኢየሱስ እቲ ክስዕቦ ዝደሊ ንኽስዕቦ ምኽንያት ክገብሮ ዘለዎም ብጥንቃቔ ከስተውዕል እዩ ዝሓትተና!
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ወንጌል ዝዝንተዉ ሰባት ኢየሱስ መራሒኦም ክኸውንን ካብ ጸላዕቶም ሓራ ከውጽኦምን ተስፋ ገይሮም ይስዕብዎ ከምዝነበሩን ንዅሉ ጸገማቶም ብቐሊሊ ከወግደሎም ዝኽእል ሰብ ገይሮም እውን ይሓስብዎ ነበሩ። እዚ ዓለማዊ ኣተኵሮ እዚ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ድሌታትን ክብርን ደረጃ ስልጣንን ሓለፋ ዝብል እዩ፥ ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ግና ከምኡ ኣይኮነን . . ። ስለዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገባብ እታይን ከመይን ክኸውን ከምዘለዎ ባዕሉ ኢየሱስ ኣነጺርዎ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መስቀልካ ምስካም
ጐይታ ይብሉ ቅዱስነቶም እቶም ክስዕብዎ ዚደልዩ ካብ ዓሚቝ ርእሰ ፍቕርን ዝዓበየ ሃብቶምን ከይተረፈ ኣይፋል ቢሎም ካብዚ ፍቕሪ እዚ ወጻኢ ካልእይ ዓይነት ፍቕሪ ኪመርጹ እዩ ዚደሊ።
ንኢየሱስ ምስዓብ ማለት ኣካል ደያኑን ናይ ዓወት መስርዕ ኣባል ምዃን ማለት ኣይኮነን። ወይ ንምሉእ ዕድመ ዝኸውን ምድራዊ ስርዓተ መድሕን ገርካ ምቕባል ማለት ኣይኮነን ብኣንጻሩ ‘መስቀል ምስካም እዩ’ . . . ኣጽዋርካን ጾር ካልኦትን ኣብራኽካ ዓጺፍካ ምስካም ንህይወትካ ህያብ ምግባር ነቲ ንኣና ዝተዓደለና ለጋስን ምሕረትን ዝመልኦ ፍቕሪ ብምምሳል ገዛእ ርእስካ ምእንቲ ፍቕሪ ምሕላፍ እዩ።
ደረት ኣልቦ ፍቕሪ
ከም ደቀ መዝሙር ናይ ኢየሱስ ምውፋይ ማለት ካብ ገዛእ ርእስና ንላዕሊ ናብ ጐይታ ምጥማት ማለት እዩ፡ ካብቲ ስሌና እተሰቕለ ፍቕሪ ከመይ ገርና ከም እነፍቅር ክንመሃር እዩ ዘሎና፡ “እቲ ክሳብ መወዳእታ ገዛእ ርእሱ ዝህብ ፍቕሪ፡ ደረት ኣልቦን ዝኾነ ፍቕሪ!
ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ከም ዝበልዎ ንሕና ብውገን እግዚኣብሔር ከም መጋበርያ ናይቲ ዘይመውት ፍቕሪ ምዃን እዩ፡ ዘይመውትን ክንየው ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣድማስ ዝኸይድ ብዘይ ምቑራጽ ኣብ ልዕሌና ዝበርህ ጸልማት ለይትታና ከይተፈረ ዘብርህ እዩ!
ናብቲ ዝተሰቕለ ጐይታ ክንጥምት እንኮለና ነቲ ናብ ገዛእ ርእስና ዝዓጸፍ ኣተኩሮና ንስዕሮ ንኣምላኽን ንኽእሎትን ኣብ ኵሉ ቦታን ኵነትን ድማ ነፍቅር፡።
ፍቕሪ መስዋዕቲ ይጠልብ
ፍቕሪ “መስዋዕቲ ስቕታ ርድኢት ካብ ካልኦት ግድን ዘይብል ብሕትውናን ተቓውሞን ስደትን” ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእል ቅዱስ ኣቦና ኣመላኺቶም . . . ብሓቂ ንመስዋዕትነት እነዅ ምባል ማለት እዩ፥
ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ እውን ዝበልዎ፥ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ክትስዕብ እትደሊ እንተድኣ ኴንካ በቲ ከምቲ ኣብ ርእሱ ዝተነብረ ኣክሊል እሾኽ ክትውጋእ ስንድው ምዃን የድሊ። ክሳብ መወዳእታ ዝጸንዕ ፍቕሪ እሾኽን ኵሉን ነገራት እቲ ናብ መስዋዕተ ከብጽሕ ካብ ዝኽእል ጸገማት ምህዳም የልቦን!
ዘይዋገይ ፍቕሪ
ቅዱስ ኣቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ዘኪሮም፥ እዞም ሓድሽ ብጹዕ እዚኦም ከመይ ገርና ናይ ወንጌል ሓሴት ክንነብር ከም ዘሎና ኣብነት እዮም፥
ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ብፍሽኽታኦም ኣቢሎም ሰናይነት ኣምላኽ ከመሓላልፉ ክኢሎም እዮም። ሓጐስን ርግኣትን ፍሽኽታን ዝመልኦ ገጽ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ክንደይ ጽብቕቲ ምዃና የረጋግጹልና። ማዕጾኣ ዘይትዓጽው ልባ ፈጺማ ዘይተትርር ቂምታን ምምራርን ዘይትዕቅብ ዘይትሓርቕ ዓቕላ ዘይተጽብብ ናይ ዓለም ዘይኮነት ብሕሉፉ ናፍቖት ዘይትሳቐ ቤተ ክርስቲያን ይሕብሩና!
ምስ በሉ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ናይ ነፍስ ፍሽኽታ ካብ ጐይታ ንኽንዕደል ከማልዱልና በተን ባዕሎም ክጽልዩ፥ ጐይታ ከም ዘለኽዎ ምስ ጉድለታተይን ግድፈታተይን ናትካ ግበረኒ ግናኸ ከምት እትድለዮ ግበረኒ” ዝበልዎ ናትና ጸሎት ንግበሮን ንንበሮን እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።