ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሲታውያን ገዳማውያን ብናይ ኢየሱስ ‘ሕልሚ’ ዝተደረኸ ህይወት ክነብሩ ይላበዉ! ር.ሊ.ጳ. ንሲታውያን ገዳማውያን ብናይ ኢየሱስ ‘ሕልሚ’ ዝተደረኸ ህይወት ክነብሩ ይላበዉ! 

ር.ሊ.ጳ. ንሲታውያን ገዳማውያን ብናይ ኢየሱስ ‘ሕልሚ’ ዝተደረኸ ህይወት ክነብሩ ይላበዉ!

ቅዱስነቶም ሕብረት - ሓደ ምዃን ዝብል ቃለ - ግብረ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ፡ “ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም” (17, 22-23)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ማሕበር ሲታውያን ንዝጋብኡ ገዳማውያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ እቶም ገዳማውያን ገዛእ ርእሶምን ንማሕበርሰብን ንምሕናጽን ንምምሕያሽን ኣርባዕተ “ሕልምታትን” ክስዕቡ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበር ናይ መንፈስን ራእይን ሕብረት ንምድንፋዕን እዋናዊ ጒዳያት ንምፍታሕን ኣሚቶም ኣብ ከተማ ኣሲዚ ኣብቲ ክሳብ ዕለት 23 መስከረም ኣብ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጒባኤ ንዝሳተፉ ኣበምኔታትን ኣመምኔታትን ገዳመ ሲታውያን ናይ ምትብባዕን ምስጋናን ቃል ከም ዝለገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መላእ ሲታውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኮይኖም ዝተመርጹ ኣበምኔት በርናርዱስ ፒተርስ ነተን 12 ናይቲ ማሕበር ገዳማት ዝርከበሉ ዞባታት ክበጽሑ መደብ ከም ዘለዎም ነቶም ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኸላልዩን ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ክልግሱሎም ፍቓደይና ምዃኖምን ንኸመስግኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹን፥

ኣርባዕተ ሕልሚ

ቅዱስነቶም ነቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ኣርባዕተ ሕልምታት ማለት “ሕልሚ ሕብረት፡ ሕልሚ ተሳትፎ ሕልሚ ተልእኾን ሕንጸትን” ኣብ ዝብል ነኣሽቱ ኣርእስታን ኣንቢሮም፥ ነቶም ገዳማውያን ብውልቅን ንማሕበረሰባትን ዝሓንጽ መገዲ ከበግሱ ድሕሪ ምዕዳሞም ነዚ ኵሉ “ሕልምታት” ብክርስቶስ ምስ ክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን “ክትርጒምዎ” ብወንጌሉ ቅርጺ ከትሕዝዎን ኣብ ኣስተንታኒ ህይወቶም ክነብርዎን ምዒዶም እዚ ዓይነት ምንባር እዚ እውን ንጽቡቕን ሓጐስን ንመንፍሳዊ ድላይን ቦታ ይኸፍ፥ ማለት ነቲ መለኮታውን ሰብኣውን ኣቦ፥ ኣብ ልቢ ሰብ ዘንበሮ “ሕልምታት ኢየሱስ” ወትሩ ንምድላይ ዝድርኽ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕብረት - ሓደ ምዃን

ቅዱስነቶም ሕብረት - ሓደ ምዃን ዝብል ቃለ - ግብረ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ፡ “ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም” (17, 22-23) ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ ሓደ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “እዚ ቃል እዚ ምስ ኢየሱስ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ሕብረት ክንሓልም የኽእለና” ቢሎም ኢየሱስ “ኣብ መንጐ ዓሰረተ ክልተ ዝነበረ ብዙሕነት ኣየፍርሖን ስለዚ ንሕና እውን ብዙሕነት ከፍርሓና የብሉን፡ ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ፍልልያት ምልዕዓልን ካብኡ ስኒት ከሰርሕ ስለ ዝፈቱ” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሱታፌ

ቅዱስነቶም ወንጌል ማተዎስ መሰረት ገይሮም ካልእ ዘስተንተኑሉ ቃል ‘ሱታፌ’ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሕጊ መምሃራንን - ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዘጋጠሞም ክትዕን ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኩሎም ኣሕዋት ምዃኖምን ኣቦ ጥራይ መምህር ምዃኑን ዝሃቦም መዘኻኸሪ ቃል ቅዱስነቶም ዘኪሮም፥ “ኣብዚ ሕልሚ ኢየሱስ ብዛዕባ ሕውነታዊ ማሕበረሰብ ከነስትንትን ንኽእል ኢና፡ ኮሎም ኣብ መሰረት . . . ምስ ኣቦን ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ናይ ሓባር ውሉዳዊ ርክብ” ዘለዎም ይኾኑ፡

ብፍላይ ሓደ ማሐብረሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ መንጎ ሓቀይናታት ሰባት ምስ ድሩትነቶም ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ጸጋ ክርስቶስ ተኣሚኖም ብሓባር ኪነብሩ ዝመርጹ ኣገባብ ሱታፌኣዊ ሕውነት ብምምስካር ምልክት መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ይኽእል!

ተልእኾ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ናይ ኢየሱስ ሕልሚ ናይ ኩሉን ናይ ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝነበሮ ሕልሚ፥ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ። 28, 19-20) እንክብል ይገልጸልና። እዚ ዕማም እዚ ንዅሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘተሓሳብ ምዃኑ ብምጒላሕ ናይ ማሕበር መንፈሳዊ ጭርሖ ወይ መንፈሳው መስህቦ ማሕበር የብሉን እቲ ተልእኾ ግልጽን ሓደን እዩ። “ኣብ ገዳሙ ዝጽሊ መነኮስ ወንጌል ናብ ምድሪ ኣብ ምምጻእ ነቶም ኣብኡ ምስኡ ዚነብሩ ሰባት ዘፍቅረና ኣቦ ከምዘለና ኣብዛ ዓለም ድማ ናብ መንግስተ ሰማይ ዘቕንዑ ኣብ መገዲ ከም ዘለና ኣብ ምምሃር እጃሙ ይፍጽም” ቢሎም እተሓሒዞም ሓደ ሲታዊ ናይታ “ናይ እትወጽእ - ናብ እትብል” ቤተ ክርስቲያን ኣካል ኪኸውን ከምኡ እውን “ኣብ ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ዝልእኽ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣብ ምሉእ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ክርሳዕ ዘይብሉ ዝልእኽ እቲ ንዅሉ ዘፍቕር ኣቦ ዝኾነ እግዚኣብሔር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕንጸት

ኣብ መወዳእታ ሕንጸት፥ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝከናኸኖምን ብትዕግስቲ ከም ዘስተምህሮምን ትርጒም ዝተወሰኑ ምስሌታት ከም ዝገለጸሎምን ነቲ ናይ ኣነባብራኡን ምንቅስቓሳቱን ምስክርነት ብቓላት ከም ዘብርሃሎም ዘርእየና እዩ፡ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቱ ክገብርዎ ዘለዎም ጒዕዞ ክቕበልዎ ዘለዎም ቅርጺ ብንጹር ይገልጽ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ብሓቂ ከም ዝመርሖም ቃል ይኣትወሎም።

ሕልሚ ቅድስና

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን “ሕልሚ ቅድስና” ብዝብል ሓሳብ እንክዛዝሙ፥

ጸጋ ጥምቀትኵም ኣብ ጉዕዞ ቅድስና ፍረ የፍሪ። ኵሉ ንእግዚኣብሔር ክፉት ይኹን ነዚ ንምትግባር ድማ ንዕኡ ምረጹ፡ ንኣምላኽ ደጋጊምኩም ምረጹ። ተስፋ ኣይትቑረጹ፡ ከመይሲ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂቡና እዩ። መንፈስ ቅዱስ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ክኡል ዝገብር ሓይሊ እዩ፡ ደሓር ከኣ ቅድስና እውን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ህይወትና ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ፥ እሞ ሕልሚ ቅድስና ይሃልወና!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Sep 2022, 16:26