ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ክፉት ማዕጾ ዘለዋ ቤትን ናይ ሰብኣዊ ሕውነትን ቦታ ትኹን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን12 ዓመታት ኣብታ ብደማዊ ግጭት ዝተሳቐየት ሃገረ ሶሪያ ምስ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ተበግሶ “ክፉት ኣባይቲ ሕክምና” ዘሳልጥ ዘሎ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምዕባለን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣባላት ሎሚ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጽርሓ ቅዱስ ቀለመንጦስ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዘልገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ን12 ዓመታት ብርቱዕ ስቓይ ዘጋጠሞ ቍጽሩ ዘይተገልጸ ምዉታትን ቁሱላትን ከምኡ እውን ምሉእ ከባቢታትን ዓድታትን ኵሉ ትሕቲ ቅርጺ ክዓንው ዝገበረ ደማዊ ግጭት ኣብ ዝተኻየደላ ሃገረ ሶርያ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ዝተዋፈረ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ናይ ምትሕብባርን ምዕባለን ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባላት ኣብቲ እዚ ማሕበር ዘካይዶ ዘሎ ተበግሶ “ክፉት ኣባይቲ ሕክምና” ዝሳተፉ ዘለዉን ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ንዓሰረ ኣርባዕተ ዓመት ዘገልግሉ ብዘለዉ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ተሰንዮም ዕለት 3 መስከረም ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተራኸቡን፥
ቤተ ክስትያን ኣብ ዓውዲ ውግእ እትርከብ ቤት ሕክምና
ብመሰረት ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ፥ ሶሪያ ሓንቲ ካብተን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጓነፈን ሃገራት ከም ዝኾነትን በቲ ዘጋጠማ ግጭት ኵለ መደያዊ ዕንወት ዝወረዳ፥ ዝርአ ዘሎ ሕጽረት መሰረታዊ ሰብኣዊ ጒዳያትን ማሕበረ-ቍጠባዊ ውድቀትን ድኽህነትን ጥሜትን ኣብ ከቢድ ደረጃ ከም ዝበጽሔን ኣስታት 14 ሚሊዮን ውሽጣዊ ተመዛበልትን እዚ ኸኣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሶርያ እቲ 50 ሚእታዊ ዝሽፍን ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥
ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ መከራን ሓሳርን ስቓይን ቤተ ክስቲያን መንፈሳውን ኣካላውን ቁስሊ ንኽትፍውስ ክፍትቲ ቤት ሕክምና ኣብ ኣደባባይ ክትከውን ትጽዋዕ ኣላ።
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኢየሱስ ንህሙማን ንምፍዋስ ዘቕረቦ ዕድመ
እቲ መጀመሪያ ዝተፈላለየ ግብረ ፈውሲ ዝፈጸመ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ንሕሙማን ክፍውሱን ክከናኸኑንን ከም እተላበወን “ንካህናት ብዙሕ ግዜ ከምቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብፍላይ ኣብ ቅድስቲ ሓሙስ ንቑስልን ሓጢኣትን ነቲ ብዙሕ ጸገማትን ናይ ስደተይናታትን ናይቶም ዝሳቐዩን ሰባት ቁስሊ ክትክፉን ክፍውሱን ከም ዘተባበዖም ገሊጾም፡ ኣስዒቦም እቲ ተበግሶ ክፉት ኣባይቲ ሕክምና ተወፋይነት ዝጠልብ ካብ መሃዚ ፍቕሪ - ግብረ ሰናይ ዝተወልደ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያን ክፉት ማዕጾ ዘለዋን ስፍራ ሕውነትን እያ
“ንድኻታትን ህሙማንን ክፉት ምዃን፡ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ኣፈላላይ ንዅሉ ክፍቲ እያ። ካበይ መን ዘይብል ቤት።
ኣብቲ ናይ ግብረ ሰናይ ተቕዋማትና ሰባት ብፍላይ ድኻታት ኣብ ቤቶም ኮይኖም ክስምዖምን ክቡር ኣቀባብላ ከም ዝግበረሎም ዘረጋግጽ ሃዋሁ ከስተማቕሩ ኣለዎም!
እቲ ዕላማ ኣካል ምፍዋስን ማሕበራዊ ኣካሊት ምሕዋይን ስለ ዝኾነ ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ብሔር ፡ ሃይማኖታዊ ግጁለታት መለለዪ ሶሪያ ዝኾነ ኣብነታዊ ሓባራዊ ህይወት ዝገልጽ ቅንስል ምድንፋዕ የድሊ እንክብሉ ንዅሎም ኣብዚ መደብ ሓገዝ እዚ ንዘገልግሉ እውን አመስግን እንክሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።