ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ምትህርተ ክርስቶስ፥ ኣብዚ ናይ ኲናት ህሞት እዚ “ነጋዲ ሰላም” ኮይኖም ኣብ ማእከላይ እስያ ናብ እትርከብ ሃገረ ካዛኪስታን ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ዘካየድዎ መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ማእከል ከም ዝገበሩን ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን ኣንጻር ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሓያል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣብ ኑር - ሱልጣን ዝተኻየደ ጒባኤ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጭቡጥ ሳዕቤን ክህልዎ እጽልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብፍላይ ዓለም ብኲናት ተኸዲና ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብታ ንሓድነት ንሰላምን እተወፈየት ሃገረ ማእከላይ እስያ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ንግደትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ንሰላምን ዘተኮረ ከምዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ እምነት ፍረ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካዛኪስታን ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኪሮም፡ ምስቲ “ብውዕዉዕ ስምዒት ዝተመልአ ሕጒሳት ሰባት ዝሓቖፈ ማሕበረሰብ ምርኻቦም ኣዚዩ ከም ዘሕጐሶም” ገሊጾም፥
ኣብታ ዓባይ ሃገር ውሑድ ካቶሊክ ምእመን ከምዘሎን ውሑድ እውን እንተኾነ ብእምነት ዝነብሮ ወንጌላዊ ፍረ ከፍሪ ይኽእል እዩ። ብቐዳምነት ውሑድ ምዃን በረኸት እውን ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ጐይታ ምጽጋዕ እምበር ኣብ ገለ ዓይነት ሰብኣዊ ጒዳያት ጽግዕተይና ከይኮንና ብሑቝ ጨው ብርሃን ምዃን ማለት እዩ
ብቝጽሪ ውሑድ ምዃን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝምድና ንምምዕባል ይዕድም፡ ከምኡ እውን ምስ ኩሎም ሕውነት ንኽትምስርት ዘተባብዕ እዩ። “ ስለዚ ንእሽቶ መጓሰ - ግን ክፉት ዘይዕጾ ኣብ ተግባር እቲ ኣበይን ብኸመይን ብናጽነት ዝንቀሳቐስ መንፈስ ቅዱስ ይተኣማመንን ይውከልን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሰማዕት እምነት
ንነዊሕ እዋን ብእምነቶም ምኽንያት መስጐጒቲ ዝወረዶን ብዙሕ እተሳቐየን ህዝበ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ዘኪርናዮም ኢና!
ቢሎም እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን ኑር ሱልጣን ዓለም ሓቆፍ ኤክስፖ ኣብ ዝተኣንገደሉ ስፍራ በዓለ መስቀል ኣብ እተበዓለሉ ዕለት ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ኣብቲ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መስቀል ክርስቶስ መልሕቕናን ፈጺሙ ተስፋ ዘየቑርጽ ተስፋናን እዩ
ኣብዛ ምዕባለን ጭንቀትን ምስጓምን ንድሕሪ ምምላስን እተኣሳሰረላ ዓለም መስቀል ክርስቶስ መልሕቕ ድሕነት ኮይኑ ይቕጽል ። እዚ ኸኣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረትን ተኣማንነቱን እተመስረተ ብምዃኑ ዘይፍሽል ትእምርቲ ተስፋና እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ቅዱስነቶም ኣብ ካዛኪስታን ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ስለ እቲ ዝገበሩሎም ጽቡቕ ኣቀባብላን ስለቲ ነቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ክኡል ክኸውን ብልግሲ እተገብረ ውድባዊ ጻዕርታት ዘለዎም ሞሳ ከም ዘሐደሱን ኣፍሊጡ፥
ንኣቡናትን ንዅሎም ተሓባበርትን ስለቲ ዝገበርዎ ዓብዪ ዕዮ ብፍላይ ከኣ ዅሎም ዝተሓባበሩን ዝደጋገፉን ምዃኖም ክርእዮም ብምኽኣለይ ዝፈጠረለይ ሓጐስ ብልቢ አመስግኖም
ከምዝበሉ ገሊጹ።
ንሓድሕድና እንከባበረሉ ዓለም ምሕናጽ
ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ካዛኪስታን እተኻየደ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓውደ ጒባኤን ተበግሶታቱን ንኢዶም፥ እዛ ሃገርን መግንስታን ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየደ ናይ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ ምእንጋድ ካብ ዝጅምሩ 20 ዓመት የቑጽር ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ሰላምን ሰብኣዊ ሕውነትን ኣብ ምድንፋዕ ቀንዲ ተዋሳት ይገብራ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ኵለን ሃይማኖታት “ንሓድሕድና እንከባበረላ ዓለም ንምሕናጽ” ዝገብርኦ ጻዕርታትን ተበግሶታትን ከም ዝነኣዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣፍልጦ ምሃብ
ብተወሳኺ ኣቡናትን ተሓባበርቶምን ስለ እቲ ዝገበርዎ ዓቢይ ስራሕ ብፍላይ ንዅሎም ክራኸቦም ብምኽኣለይ ስለ ዝፈጠረለይ ሓጎስ ብልቢ አምስግን . . .
ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝኸተምዎ ናይ ሓባር ሰነድ ዘኪሮም፥ “ነዚ ስጒምቲ እዚ ካብ ርሑቕ ናይ ዝጀመረ ጒዕዞ ፍረ ገይረ ክትርጒሞ እደሊ - እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዘበገስዎ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎት እምንቲ ሰላም መደብን ነቶም ኣርሒቖም ዝጥምቱ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን እሓስብ ከምኡ እውን ዓበይቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዝኾኑ ከም ማህተማ ጋንዲ ዝኣመሰሉ ናይ ሃይማኖት ሰባት እዝክር ካልኦት ብዙሓት እውን ንምግላጽ ዝከኣል እዩ . . .
ተዘክሮ ብዙሓት ሰማእታት
እንተኾነ ግን ነቶም ንኣምላኽን ሰላምን ሕውነትን እሙናት ኣብ ምዃን ህይወቶም ዝኸፈሉ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ከመይ ጌይርና ኢና እሞ ክንዝክሮም ዘይንኽእል? ዓበይቲ ኩነታት ኣገደስቲ እያቶም እቲ ኣዚዩ ዘገድስ ንዅሉ ዝሓሽተ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ዝቀርብ ምስክርነት እዩ።
ብጀካ እቲ ጒባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ሰበ ስልጣን ካዛኪስታንን ምስታ ኣብታ ሃገር ዘላ ቤተ ክርስቲያን ንኽራኸቡ ዕድል ከም ዝሃቦም ገሊጾም።
ካዛኪስታን ናይ ርክብ ሃገር ክትከውን ዘለዋ ጸዋዕታ ኣጒሊሖም፡ ብሓቂ ንምዝራብ ኣስታት ሚእትን ሓምሳን ዝኾኑ ብሔራት ኣብኡ ብሓባር ይነብሩን ልዕሊ ሰማንያ ቋንቋታት ይዝረብን እዩ። እዚ ምኽንያት መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዝፈጠሮ ባህርያውን ታሪኻውን ጸዋዕታ ከም ናይ ሓባር መገዲ ሓጐፋይ ቢሉ ተቐቢሉ ክነብሮ ምርኣይ ከነኣድን ክድገፍን ክተባባዕን ዝግብኦ እዩ።
ከምኡ እውን ንጠለባት ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣድማዒ ብዝኾነ መገዲ ምላሽ ክህበሉ ዝኽእል እናበሰለ ዝኸይድ ዘሎ ብሱል ደሞክራሲ ኣብ ምህናጽ ዝገበር ጻዕሪ ክቕጽል ተስፋ ከም ዘሎኒ እውን ገሊጸ እየ
ብሉጽ ልምድታትን ኣብነታትን ካዛኪስታን
ር.ሊ.ጳ. ከም ዝገለጽዎ እዚ ጒዕዞ እዚ ዕዮ እዩ፥ ግዜ እውን ዝሓትት እዩ፥
እንተዀነ ግን ካዛኪስታን ከም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ‘ኣይፋል’ ምባልን ጽቡቕ መምርሕታት ጸዓትን ከባብን ምትግባር ዝኣመሰለ እወታዊ ምርጫታት ድሮ ዝገበረት ምዃና ኣፍልጦ ብምሃብ ክዝክሮ እደሊ
ቢሎም፥ ስለ እቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኖም፡ ምእንቲ ፍረኡ ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ንዘላ ነጋዲት ቤተ ክርስቲያን እጽልይ እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።