ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምኣ ብመንፈስ ድኻታትን ንሓድሕድና ብግብረ ሰናይን ኣብ ምትሕልላይ ሃብታማትን ክንከውን ትሓግዘና!

ሰንበት ዕለት 18 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተርኽብሉ ጒባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ምእመናን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ወንጌል ኣብ ምንባር መሃዝነትን ጥንቃቐን ብልሓትን ከይተረፈ ክጥቀሙን ሕውነታዊ ፍቕርን ማሕበራዊ ሕብረትን ብምርኣይ ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ነቶም ኣዝዮም ኣብ ስነትን ድኽነትን ዝርከቡን ኣብ ምጥቃም ከውዕል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 18 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ፡ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ንብረት ጎይትኡ ዘባኸነ ካብ ስራህሕ ዝተባረ ብልሽው ኣካይዳ ዝመረጸ ዝገልጽ ምሳሌ ኣማኣኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ኣቐዲሞም ትርጒም ናይዚ ምሳሌ እዚ ኣብ መጀመርታ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም፥ ኢየሱስ በቲ ምሳሌ ኣቢሉ እንታይ ትምህርቲ ከም ዝህበና እንከስተንትኑ፥

ብልሓት ንሰናይ

እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል (ሉቃስ 16, 1-13) ዘቕርበልና ብዛዕባ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ዝዛረብ ምሳሌ እናሓሰቡ፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ንመጻኢኡ ኢዱ ከም ዘይህብ ወይ ገዛእ ርእሱ ግዳይ ገይሩ ከቕርብ ከም ዘይደሊ ዝፍጽሞ ተግባርን ካብቲ እሙን ኮይኑ ዘይምርኻቡ ከስዕበሉ ካብ ዝኽእል ጸገም ንምውጻኣ ብብልሓት ስጒምቲ ይወስድ፡ ካብ ደቂ ብርሃን እቶም ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ናብራ ዓለም ይበለሓቱ።”

ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ብልሓት ክንጠቀም ከም እንኽእል ገሊጾም፡ ኢየሱስ ንወንጌል ክንስዕብ እንከሎና ሓቀይናታት ንቑሓት ከምኡ እውን ንክውንነት ከነስተውዕል ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ዝኸውን ጽቡቕ መፍትሒ ንምርካብ መሃዝቲ ክንከውን ከም ዘድልየና ይሕብረና።

ሰናይ ንዅሉ

ካልእ ጐይታ ኣብዚ ዝህበና ትምህርቲ፥ ብለጋስነት ብምክፋል ብዘለና ንኻልኦት ምግልጋል ሕውነታዊ ዝምድናታት ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። ናይ ዘለዓለም ህይወት ንምውራስ “ኣብዛ ዓለም ንብረት ምውህላል ኣየድልን እዩ፡ እቲ ዘገድስ ኣብ ሕውነታዊ ዝምድናታት ዝርአ ፍቕሪ እዩ። ናይ ዓለምና ንዋታዊ ንብረት ብግብረ ሰናይ ከነመሓድር እምበር ንውልቅና ጥራሕ ክንጥቀመሉ ኣይተጸዋዕና፡ ንዅሉ ዝጠቕም ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ማእከል ዝገብር ክኸውን ኣለዎ።”

እወታዊ ምዃን

ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ብልሽውናን ቅንዕና ዘይብሉ ኣካይዳ ዘይፍትሓዊ መምርሕታት ናይ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ምርጫ ዝቆጻጸርን ዝዕብልል ርእሰ ፍትወት ካልእ መሰል ኵነታት ንሰምዕ ኢና፡ ንሕና ክርስቲያን ግን ተስፋ ክንቆርጽ ወይ ካብኡ ዝገደደ ጒዳይ ሸለል ብምባል ዘይግደሱ ኮይንና ምንባር ክንፈቅድ ብፍጹም ኣይግብኣናን፥”

ንሕና ብጥንቃቐን ብብልሓትን ወንጌል፥ ሰናይ ኣብ ምግባር መሃዝቲ ክንከውን ተጸዊዕና ኢና። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ንዋታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኵሉ እቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልናዮ ውህበታት ተጠቂምና ንርእስና ንምህብታም ዘይኮነስ ሕውነታዊ ፍቕርን ማሕበራዊ ምትሕቑቓፍ ንምፍራይ እዩ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምኣ ብመንፈስ ድኻታትን ንሓድሕድና ብግብረ ሰናይን ኣብ ምትሕልላይ ሃብታማትን ክንከውን ትሓግዘና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Sep 2022, 14:32