ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ኣቡናት፥ ንዘተ ክፉታትን ንድኻታት ቀረባን ኵኑ! ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ኣቡናት፥ ንዘተ ክፉታትን ንድኻታት ቀረባን ኵኑ! 

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ኣቡናት፥ ንዘተ ክፉታትን ንድኻታት ቀረባን ኵኑ!

እቲ ዝተኻየደ መደብ ህንጸት ገለ ካብ ጽሑፋት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ “ድህረ ሲኖዶስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን፣ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን ‘ይሴባህ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን” ብዕምቆት ከም ዝዳህሰሰን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም ንጎሆ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ካብ ዕለት 12 – 19 መስከረም 2022 ዓ.ም. ንሓደስቲ ኣቡናት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ሕንጸት ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣስታት 200 ሓደስቲ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ምዕንዳን እውን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሓደስቲ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ካብ ኣቡናት ድሕሪ ዝቐረበ ምስክርነትን ሓሳባትን፥ “ጳጳስ ንዘተ ክፉትን ንድኻታት ቀረባን ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጽኒዖም፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ብጹዓን ጳጳሳት ንብድሆታት ክገጥሙን “ንምምሃርን ንምስክርነት ውፉያት ኪኾኑ” ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንድኻታት ምሕብሓብ

ቀዳማይ ዓውደ ሕንጸት ካብ ዕለት 1 – 8 መስከረም ዝተኻደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ  ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸፍተ እውን ምንባሩን እቲ ዓውደ ሕንጸት ኣብ ክልተ ክፍለ ግዜ ክካየድ ዝደረኸ እውን ለብዒ ኮቪድ - 19  ንምቁጽጻር ዝተሓንጸጸ ገደባት ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ጳጳሳት እዚ መደብ ህንጸት ንሓደስቲ ጳጳሳት ኣብ 2000 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ናይ ለምዘበን መደብ ሕንጸት መርሕ ቃል፥ “ስብከተ ወንጌል ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ ዘስዓቦ ምቕይያራት” ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሃዋሁ ሲኖዳውነት

ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ጭቡጥ ኵነታት ዓለም - ጭቡጥ ሕቶታትን ጸገማትን ከም ጥምየት ዓመጽ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነትን ኢፍታሓውነትን ስደትን ፖለቲካውን ጥዕናውን ቅልውላው፡ ስነ ምግባርን ማሕበራዊ ጒዳያትን ብመንጽር ወንጌል ዝዳህሰሰን ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ዝሃስይ ዓበይቲ ጒዳያት ከም ዕደናን ምዝመዛን ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብን ዝብሉ ጒዳያት እውን ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ዘንበበን እሞ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ንምብዳህ ከም ቤተ ክርስቲያን ከም ጳጳሳትን ኣብ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ኣስሪጾም ሓድሽ ቃል ብስራት ዝነበረን ዘሎን ወትሩ ሓድሽ ዝኾነን ብቓልን ሕይወትን ከበስሩ ዘተባብዐ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብድሆታትን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን

እቲ ዝተኻየደ መደብ ህንጸት ገለ ካብ ጽሑፋት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ “ድህረ ሲኖዶስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን፣ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን ‘ይሴባህ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን” ብዕምቆት ከም ዝዳህሰሰን ነቲ እቶም ሰነዳት ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብመንጽር እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ኣቃልቦ ዝህብሉ ጉዳይ ስድራ ቤትን ኵላዊ ሕውነትን  ኵለንተናዊ - ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየትን ዝብሉ ኣርእስታ ከም እተመልከተን፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንምስራጽ ክውሰዱ ዘለዎም ስጒምትታት ዝተመልከተ ምንባሩ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን፥ “ጳጳሳት ጓሶት ህዝቢ ኪኾኑ ዘተባበዐን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓተትዎ ሲኖዳውነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታቶም ህያው ንምግባር ዘኽእል ኣገባባት እውን ዘመላኸተ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ካብ ሃገራት ተልእኾ ወንጌል ዝመጹ ጳጳሳት

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 17 መስከረም ቅዱስ ኣቦና ካብ ሃገራት ተልኾ ወንጌል ዝመጹ ጳጳሳት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ምዕዳን እውን ከም ዝለገሱ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ካብተን ናይ ተልኾ ወንጌል ሃገራት ዝመጹ ጳጳሳት ዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ ክፉት ዘተ ከም ዘካየዱን “ጳጳስ ንህዝቡ ቀረባ ንዘተ ክፉት ንምእመናንን ካህናቱን ቀረባ ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ክኸውን” ከምዘለዎን “ጸሎት መሰረት ኵሉ” እውን ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ከም ካህንን ጳጳስን ዝነበርዎ ህይወት ምልስ ቢሎም ብምድህሳስ “ናይ ህይወት ማእከል ጸሎት” ክኸውን ከም ዘለዎ ደጊሞም ከም ዘተሓሳስቡን፡ “ዘይምጽላይ ካብ ኣምላኽ የርሕቕ - ህይወት የድርቕ። ኣብ መንጐ ጳጳሳት ሕውነታዊ ምትእስሳር ክህሉን ክመዓዓዱን ከመኻኸሩን ንህዝቢ ቀረባ ምዃኖም በቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምቕርራብ ክምስክርዎን ሓድነት ኣብ መንጐ ጳጳሳትን ጳጳሳት ምስ ካህናትን ምስ ኵሎም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ዘገልግሉን፡ ምእመናን ንዘድልዮም ነገራት ዘስተብህሉ ክኾኑን በገባብ ኢየሱስ ዝንበርን ዝስበኽን ወንጌላዊ ህይወት ንኻልእ ይልውጥ፥ ስለዚህ ስብከተ ወንጌል መስድዒ ሃይማኖት ኣይኮነን፡ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት ዝገበረ ወንጌላውነት ከንጸባርቑ” ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Sep 2022, 16:07