ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ኣምላኽ ምስ እንጠፍእ ንሱ ካብ ምድላይና ኣይቦክርን!

ሓደ ዘፍቕር ብዛዕባ እቲ ዝፈጠፍአ ይግደስ፡ ነቲ ዝጥፈአ ይናፍቕ፡ ነቲ ዝጠፍአ ይደሊ፡ ይጽበን ምኽንያቱ ሓደ እኳ ከይጠፍእ እዩ ዚደሊ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሔር፥ እግዚኣብሔር ኣብ እንጠፍኣሉ እዋን ክደልየና ዝመጽእ ኣቦን ብኽፉት ኣእዳዉ ዝጽበየናን እዩ፥ ነቲ ንሱ ንኣና ዘለዎ ቅርበትን ርህራሄን ለውሃትን ንኻልኦት ክንምስክሮን ብተራና ክንበብሮን ንጽዋዕ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 1 – 32 ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ምንባብ መሰረት ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ኢየሱስ ንሓጥኣን ምቕባሉን ምስኦም ሓቢሩ መኣዲ ከም እተቛደሰን ዘማርሩ ፈሪሳውያንን መምሃራን ሕጊ ዝህቦም መልሲ ዝነግር ምንባብ ምዃኑ ኣዘኻኽሮም፥ እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዘቕርበልና ምሳሌታት እግዚኣብሔር “ንማንም ከምዘየግልልን ንዅሉ ሰብ ኣብ መኣዱ ክሓብር ከም ዝደልይን” ዘረጋግጹልና እያቶም። ምኽንያቱ ንዅሉ ሰብ ከም ደቁ ስለ ዘፍቕሮም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እግዚኣብሔር ወትሩ ነቲ ዝጠፍአ እዩ ዚደሊ!

ሕመረት እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል “እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፡ ኣብ ዝጠፋእናሉ እዋን ድማ ንኽደልየና ዝወጽእ ኣቦ እዩ ዝብል ከምዝ ኾነን፥ እቲ ምንባብ ኣብ ቀዳማይ ምሳሌ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት በጊዑ ክደሊ ዝወጽእ ጓሳ ካልኣይ ምሳሌ እታ ነታ ዝጠፍአት ቅርሺ እተደልይን እሞ እትረኽባን እቲ ሳልሳይ ምሳሌ ከኣ ብዛዕባ ጥፉእ ውላድ ዝዛረብ ኮይኑ ኣብ ሰለስቲኦም ምሳሌታት እንረኽቦ ናይ ሓባር ረቛሒ ምጥፋእ ዘስዕቦ ስክክፍታ ዝብል ኵነት እዩ።

ሓደ ዘፍቕር ብዛዕባ እቲ ዝፈጠፍአ ይግደስ፡ ነቲ ዝጥፈአ ይናፍቕ፡ ነቲ ዝጠፍአ ይደሊ፡ ይጽበን ምኽንያቱ ሓደ እኳ ከይጠፍእ እዩ ዚደሊ።

ኣምላኽ ኣእዳዉ ዘርጊሑ እዩ ዝጽበየና

እግዚኣብሔር ባዕሎም ክሳብ ዝምለሱ ቢሉ ዘዕርፍ ዘይኮነስ ብምጥፋእና ዝሓዝን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ወትሩ ዝጽበየና ኣቦ እዩ፥

ብምጥፋእና ውሽጡ ብጓሂ ይንቅጥቀጥ ናብ ሕቑፉ ክሳብ ዚመልሰና ኪደልየና ይብገስ!

ጐይታ ክሳራ ወይ ሓደጋ ዝብል ኵነት ፈጺሙ ግምት ኣይህበሉን ኣይሓስቦን እውን “ልቢ ኣቦን ኣደን ዘለዎ ብሰንኪ ምጥፋእ ደቃቱ ድማ ዝሳቐ እዩ።

ርህራሄ ንኽንምስክር ይጽውዓና

ነፍሲ ወከፍና እግዚኣብሔር ነቶም ካብኡ ንዝርሕቑ ሰባት ዘርእዮ ሓልዮት ንመስሎ እንተኾይና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ተማሕጺኖም፥

ነቶም ዝጠፍኡ ካብ ክርስቲያናዊ ህይወት ንዘንሰሓቡ ንናፍቖምድ ዶ? ስለ እቶም ዝጠፍኡ እግዚብሔር ንዝነብሮ ሻቕሎት ይስምዓና ዶ? ወይ ዘይግደሱን ዘይርበሹን ኮይናን ኢና እንነብር? ብኻልእ ኣገላልጻ እቶም ካብ ማሕበረሰብና ዝጠፍኡ ብሓቂ ንናፍቖም ዶ? ወይስ ኣብ ምቻኤና ኣብ ህድኣት ጒጅለታትን ዕጉባት ኮይና ኢና እንነብር፡ ነቶም ርሒቖም ዘለዉ ርህራሄ ዘይብሎም ኮይንና ኢና እንነብር?

ክርስቲያን ስለ እቶም ዘይኣምኑ ክጽልዩን ናይ እግዚኣብሔር “ቅርበትን ርህራሄን ለውሃትን” ምሳታቶም ክካፈሉ ኣተሓሳሲቦም፥

ኩሉ ሰብ ንእግዚኣብሔር ኣገዳሲ እዩ

እግዚኣብሔር ኣቦ ነቶም “ኣዚዩ ዝናፍቖም ውሉዳቱ” ኣቃልቦ ክንገብረሎም ይዕድመና፥ “ሓደ ንፈልጦ ሰብ ናባና ዝቐረበን “ንስኻ ንእግዚኣብሔር ኣገዳሲ ኢኻ” ከበሃል ሰሚዑ ዘይፈልጥ ክህሉ ዝከኣል እዩ እሞ ነታ ኣብ ምድላይና ዘይትደክምን እትሓልየልናን እኖና ማርያም በማላድነታ ክትሕግዘና ንጸልይ ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ብሓባር ምስ ኵሎም ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Sep 2022, 16:39