ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ነተን ኣብ ሞዛምቢክ ዝተቐትላ ኮምቦናዊት ይጽልዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ነተን ኣብ ሞዛምቢክ ዝተቐትላ ኮምቦናዊት ይጽልዩ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ነተን ኣብ ሞዛምቢክ ዝተቐትላ ኮምቦናዊት ይጽልዩ!

“ምስክርነትን ንክርስትያንን ንዅሉ ህዝቢ ሞዛምቢክ ሓይልን ትብዓትክ ከጽግው” ንጸሊ

ዕለት 11 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 6 መስከረም ኣብ ሞዛምቢክ ዝተቐትላ ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ደናግል ከምዝዘከሩን ከምኡ እውን ሓድሽ ዓመት ንዘብዓለ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሰላምታ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ቅድሚ ምፍናዎም፥ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 6 መስከረም ኣብ ሞዛምቢክ ከተማ ቺፐነ ዝተቐትላ ኣብታ ሃገር ንስልሳ ዓመት ብፍቕሪ ዘገልገላ ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ደናግል ኢጣሊያዊት እናተ ማሪያ ደ ኮፒ ኣብ ጸሎቶም ዘኪሮም፡ ምእንቲ ልኡካነ ወንጌል ክንጽሊ ተላብዮም፥ “ምስክርነትን ንክርስትያንን ንዅሉ ህዝቢ ሞዛምቢክ ሓይልን ትብዓትክ ከጽግው” ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰላምንታ ንኢትዮጵያ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነታ ሓድሽ ዓመት እተብዕል ሃገረ ኢትዮጵያ እናሓሰብ “ነቲ ክቡር ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምታይ አቕርብ ርሑስ ሓድሽ ዓመት እብል” ቢሎም ንመላእ ኢትዮጵያ ጽሎቶምን ሰናይ ትምኒቶም ኣረጋጊጾም፥ “ውህበት ሰላምን ዕርቅን” እምሕጸን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Sep 2022, 16:34