ድለ

ሓፈሻዊ ስእሊ ዛዕባ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ሓፈሻዊ ስእሊ ዛዕባ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን 

ሓፈሻዊ ስእሊ ዛዕባ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን

ኣብዚ ኣዚዩ ከቢድ እዋን እዚ ሃይማኖት ንሕብረተሰብ እምነ ማእዘን ክኸውንን ክሕግዘናን ከም ዝክእል ንኣምን። ኣብ ጽንኵር እዋን ንዝግበር ኣመራርሓን ምሕደራን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ!

ኣብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ካዛኪስታን ናይ ብዝሓ-ጐድናዊ ምትሕግጋዝ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዲዳር ተመኖቭ፥ “ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ዓለም ንዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደን ስልጣንን ኣለዎም” እንክብሉ ኣገዳስነት እቲ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ካዛኪስታን ዝካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝሳተፍሉ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃገራትን ሃይማኖታትን መራሕቲ ዓውደ ጒባኤ ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን ኑር - ሱልጣን ኣብ ዝካየድ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ንኽሳተፉ ዕለት 13 መስከረም ናብ ካዛኪስታን ክነቕሉ እዮም። ኣብቲ መደብ ብወገን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖታት፥ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብን ወከልቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ሩሲያን ዝርከብዎም ሰላም ንምድንፋዕ ዘተ ከካይዱ እዮም።

ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ኣማእኪሎም ኣብ ካዛኪስታን ሚንስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ብዝሓ-ጐናውነት ሓላፊ ዲዳር ተመኖቭ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ መራሕቲ ሃይማኖት ዘለዎም ዓቢይ ተራ ብሰፊሕ ከም ዘዘኻከሩን፥

ናይቲ ጒባኤ ተልእኾ

“ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ኣብዚ ኣዚዮ በዳሂ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ብሄራትን ዘሎ ስኒት ዝያዳ ምሕያል ኣገዳሲ እዩ።” ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም “ዓበይቲ ፈተናታት ተሕልፍ ኣላ፡ ስለዚ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብዚ ህሞት እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ኣህዛብን ዝግበር ዘተ ንምድንፋዕ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብሩ ኣዚዮ ኣገዳሲ እዩ - ቢሎም - ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ሃይማኖታዊ ባእታታት ዘጠቕላል” እንኳ እንተኾነ ሃይማኖት “ኣብ ህይወት ቢሊዮናት ሰባት ኣገዳሲ ተራ” ከም ዘለዎ ኣጒሊሖም፡ “መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ንዝፍጠሩ ግጭታት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምሕጋዝ ዓቢይ ጽልዋን ስልጣንን ኣለዎም። እቲ ኣገዳሲ ነገር እምበኣር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሃገራትን ዘተ ምድፋዕ እዩ።” ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ድማ “ተራ ናይዚ ጉባኤ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ብሔራት ዝግበር ስኒት ንምሕያል ዝዓለመ’ዩ።”

ታሪኽ ዓውደ ጒባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ናይቲ ጒባኤ ታሪኽ ካብ 2003 ዓ.ም. ዝጀመረ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ኑር ሱልጣን “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 11 መስከረም ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ንዝለዓለ ሃይማኖታዊ ወጥርን ጽንፈይናነትን ቀጥታዊ ምላሽ ንምሃብ” ቀዳማይ ዓውደ ጒባኤ ከም ዘእንገዱን ዘኪሮም፥

“ሃይማኖት ንሰባት ማሕበረሰባትን ኣህዛብን ኣብ ምፍልላይ ከይውዕል መራሕቲ ሃይማኖት ብሓባር ንኽሰርሑ ዕድል ንምፍጣር ወሳኒ ህሞት ከም ዝነበረ ንኣምን”

ሽዱሽተ ጒባኤታት ሃይማኖት ዓለም ክሳዛኪስታን ከም ዘአንገደት ተመኖቭ ዘኪሮም እቲ ሻብዓይ ጒባኤ ንኸተአንግድ ብሃንቀውታ ትጽበ፡ እቲ ሻብዓይ ዓውደ ጒባኤ ምስቶም ዝሓለፉ ጒባኤታት ኪነጻጸር እንከሎ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኸውን ርግጸይናታት ኢና። “ኣብቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝተኻየደ ቀዳማውይ ጒባኤ 17 ልኡካን ከም እተሳተፉ እውን ዘኪሮም፡

ምርኻብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣብቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ ጒባኤ ካብ 50 ሃገራታ ዝመጹ ብተቕላላ 100 ልኡካን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቶም ንኸነእንግዶም ብሓንቀውታ እንጽበዮም እዮም!

ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብ ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ወጻኢ ፓትሪያርክ ሞስካ ሜጥሮፖሊታ ኣንቶኒጅን ኣሽከናዚ ናይ እስራኤል ዓበይት ራባይ ሓላፊ ራባይ ዳቪድ ላውን ናይ ሰፋርድያውን ዋና ራባይ እስራኤል ይስሓቕ ዮሴፍ ከማኡ እውን ናይ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ ተዎፍሎስ ሳልሳይ ካልኦት እውን ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ምስ ሓያሎ ቀወምቲ ወከልቲ ሃይማኖታት ዓለም ብምዃን ናይ ባህልታት ሊቃውንቲ ካብ ዝኾኑ ፍሉጣት ካህናትን ክሳተፉ ከም ዝዓደመ እውን ይሕብሩ።

ሃይማኖት ዓበይቲ ሕቶታት ምላሽ ኣብ ምሃብ ዘለዎ ተራ

ተመኖቭ ይብሉ፥ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ኣኽራርነት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም እቲ ዓውደ ጒባኤ ፍሉይ መልእኽቲ ሰላም ከም ዘመሓላልፍ ርግጸይና ምዃኖም ገሊጾም፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዓለም “ግጭታት ለበዳ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ሓዊሱ ብዙሕ ቅልውላው ኣጋጥሚ እዩ፥

ኣብዚ ኣዚዩ ከቢድ እዋን እዚ ሃይማኖት ንሕብረተሰብ እምነ ማእዘን ክኸውንን ክሕግዘናን ከም ዝክእል ንኣምን። ኣብ ጽንኵር እዋን ንዝግበር ኣመራርሓን ምሕደራን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ!

ስለዚ “መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ምዕባለ ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ወሳኒ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዮም ጽዑቓት ዝኾኑ ሕቶታት ከምልሱ” በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተመኖቭ ጻውዒት የቕርቡ።

ንሓባራዊ ውሳነ ተወፋይነት

ካዛኪስታን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ሰላማውን ጨዋን ህይወት ከም እተደንፍዕ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ “እቲ ጒባኤ ኣብ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ንምምዕባል ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ንኣምን፡ በዚ ተወፋይነት እዚ ኣህጉራው ዘይምርድዳእ ሓባራዊ ፍታህ ኪረክብን ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራባውን ስልጣነታት ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ንምምዕባል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ኣብርክቶ ክህልዎ እዩ።”

ኣብ ምወዳእታ እውን እቲ ጒባኤ በተግባእያን ዝፍረን ናይ ፍጻመ ሰነድ ከቕርብ ትጽቢት ንገብር። ኣዋጅ ጒባኤ ንምጽዳቕ መደብ እውን ኣሎና፡ ኩሎም መራሕቲ ናብ ህዝቢ ዓለም ክሰድዎ ዝደልዩ ኣገደስቲ መልእኽትታት እውን ክህሉ ተስፋ ንገብር። እቲ ቅድም ቢሉ ዝቐረበ እዋጅ ጒባኤ ድሮ ኣብ ኵሎም ተጋባእያን ኢድ በጺሑ ናይ መወዳእታ መጽናዕቲ ይገብርሉ ከም ዘለዉን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምወዳእታ ካብ ኑር ሱልጣን ቅድሚ ምፍናዎም ክንበብ እዩ፡ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ መዛዘሚ ቅዱስነቶም መደረ ከስምዑ እዮም” ምስ በሉ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ምሕዝነትን ዘለዎም ተወፋይነት

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ወትሩ ናብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዚዩ ዝቐረበ ምዃኑ እቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝተፈረመ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ከምኡ እውን ድሕሪኡ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእክቲ መርትዖ እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖታት “መንፈስ ኣሲዚ” ህያው ክኸውን ተስፋ ብምግባር ኣብ ኣሲዚን ሮማን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎትን ርካባትን ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ውስጠ ሃይማኖታዊ ህሞታት ብውልቆም ተሳቲፎም እዮም፡ ወትሩ ድማ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ምሕዝነት ዘቖሙ ምዃኖም እቲ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ምስ ናይ ኣርጀንቲና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምርህ ራባይ ኣብራሃም ስኮርካ ዘለዎም ምሕዝነት ዝምስክሮ እዩ።

12 Sep 2022, 16:46