ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሞት ካርዲናል ቶምኮ ናይ ሓዘን ተለግራም ልኢኾም!
ዜና ቫቲካን!
ናይ ኣህዛብ ስብከተወንጌል አትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበርን ንዓለምለኸ ኮንግረሳት ቅዱስ ቊርባን ዚሓሊ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኮሚቴን ሓላፊ ዝነበሩ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ጆዘፕ ቶምኮ ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድመኦም ትማሊ ከምዝዓረፉ ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ገሊጽና ነቢርና።
ቅዱስነቶም ብኡ ንብኡ ናብታ ቀንዲ ሰባኻኦም ዝኾነት መንበረ ሊቀጵጵስና ኮሺስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በርናርድ ቦበር ‘ብብዙሓት ዓቢ ተቀባልነትን ጥበበኛን ሓው ሓሊፎም’ እንክብሉ ናይ ሓዘን ተለግራም ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
በዓል ዓሚቚ እምነትን ብሊሕ ራእን!
ቅዱስነቶም ንብፁዕ ነፍሰኄር እንክዝክሩ ‘‘ብዓሚቊ እምነትን ብሩህ ኣመለኻኽታን ንስብከተወንጌልን ንቤተክርስትያንን ብትሕትና ዘገልገሉ ሰብ ነበሩ’ እንክብሉ ነዚ ዝስዕብ ጽሒፎም።
ብትውልዶም እስሎቫካዊ ኮይኖም ኣብ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ምናዳ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ኣብ ዝነበሩሉ ‘ሲኖዶስ ጳጳሳት እንታይነቱ ሜላታቱን ኣመለኻክታኡን’ ዝብል ዓቢ መጽሓፍ ንሕትመት ኣብቂዖም።
ጉባኤ ካትዲናላት ናብ 206 ይወርድ ካብዚኦም 116 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ ኮይኖም 90 ግን ብናይ ዕድመ ገደብ ክመርጹን ክምረጹን ኣይክእሉን። ካብ ካርዲናላት ብዕድመ ዚዓበዩ ናይ ልዋንዳ ሃገረ ኣንጎላ ልሂቅ ሊቀጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣለክሳንደ ዶ ናሺመንቶ ኮይኖም ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 97 ዓመቶም ዘኪሮም።