ድለ

2022.02.14 Cardinale Jozef Tomko, Prefetto emerito della Congregazione per la evangelizzazione dei popoli 2022.02.14 Cardinale Jozef Tomko, Prefetto emerito della Congregazione per la evangelizzazione dei popoli   (Jozef Bartkovjak SJ)

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሞት ካርዲናል ቶምኮ ናይ ሓዘን ተለግራም ልኢኾም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሞት ብፁዕ ካርዲኣል ቶምኮ ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላጽ ናብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኮሺስ አቡነ በርናድ ቦበር ቊምነገር ነፍሰኄር ብምዝካር ‘ብዓሚቊ እምነትን ብሩህ ኣመለኻኽታን ንስብከተወንጌልን ንቤተክርስትያንን ብትሕትና ዘገልገሉ ሰብ ነበሩ’ እንክብሉ ናይ ሓዘን ተለግራም ልኢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ኣህዛብ ስብከተወንጌል አትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበርን ንዓለምለኸ ኮንግረሳት ቅዱስ ቊርባን ዚሓሊ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኮሚቴን ሓላፊ ዝነበሩ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ጆዘፕ ቶምኮ ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድመኦም ትማሊ ከምዝዓረፉ ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ገሊጽና ነቢርና።

ቅዱስነቶም ብኡ ንብኡ ናብታ ቀንዲ ሰባኻኦም ዝኾነት መንበረ ሊቀጵጵስና ኮሺስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በርናርድ ቦበር ‘ብብዙሓት ዓቢ ተቀባልነትን ጥበበኛን ሓው ሓሊፎም’ እንክብሉ ናይ ሓዘን ተለግራም ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

በዓል ዓሚቚ እምነትን ብሊሕ ራእን!

ቅዱስነቶም ንብፁዕ ነፍሰኄር እንክዝክሩ ‘‘ብዓሚቊ እምነትን ብሩህ ኣመለኻኽታን ንስብከተወንጌልን ንቤተክርስትያንን ብትሕትና ዘገልገሉ ሰብ ነበሩ’ እንክብሉ ነዚ ዝስዕብ ጽሒፎም።

“ነቲ ብፁዕ ነፍሰኄር ኣብ ኣገልግሎት ቅድስት መንበር ዘበርከትዎ ንነዊሕ ግዜን ብዓቢ ብስለትን ምዃኑ እንክዝክር ብሓቂ ትጉህን እሙንን ተሓባባሪ ናይ ዝቀደሙኒ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነበሩ። ካብቲ ኣባኦም ዝተዓዘብክዎ ኣብዚ ዕድመ እዚ ብሓቂ ናይ ጸሎት ሰብ ከምዝነበሩ ዕለት ዕለት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከየብኰሩ ምሸት ምሸት መቊጸርያ ክደግሙ እዕዘብ ነረ። በዛ ጸሎተ መቊጸርያ ገቢሮም እዮም ንብዙሓት መንፈሳውያን ነጋዶን በጻሕትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጽቡቅ ሕዝባዊ ምስክረንት ፍቅሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዚሃቡ። ኣብ ርእሲ እዚ ነተን ካብ ነዊሕ ኣትሒዘን ብዓቢ ጥንቃቄ ዝተኸናኸናኦም ደናግል መለኮታዊ ምሕረት ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዘጳውሊ ሳትማሮክ ምስጋናይ እገልጽ ኢሎም።”

ብትውልዶም እስሎቫካዊ ኮይኖም ኣብ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ምናዳ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ኣብ ዝነበሩሉ ‘ሲኖዶስ ጳጳሳት እንታይነቱ ሜላታቱን ኣመለኻክታኡን’ ዝብል ዓቢ መጽሓፍ ንሕትመት ኣብቂዖም።

ጉባኤ ካትዲናላት ናብ 206 ይወርድ ካብዚኦም 116 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ ኮይኖም 90 ግን ብናይ ዕድመ ገደብ ክመርጹን ክምረጹን ኣይክእሉን። ካብ ካርዲናላት ብዕድመ ዚዓበዩ ናይ ልዋንዳ ሃገረ ኣንጎላ ልሂቅ ሊቀጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣለክሳንደ ዶ ናሺመንቶ ኮይኖም ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 97 ዓመቶም ዘኪሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 August 2022, 10:29