ድለ

2022.08.02 Mladifest, Medjugorje 2022 2022.08.02 Mladifest, Medjugorje 2022 

ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያትኣብ መንጅጎሪ፡ ኣብ ክርስቶስ ተመርኮሱ በዚ ከኣ ሰላም ኩኑ (ንሰላም ርኸብዋ)!

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መጅጎሪ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፈስቲቫል መንእሰያት መልእኽቲ ሰዲዶም። ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ዕድመ ክርስቶስ ክቅበሉ ኣልባቦም ክኸፍት እሞ ኩሉ እምነቶም ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብምግባር፡ ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንውልቁ ንዝርከብ ሰላም ምጽንናዕን ክቅበሉ ኣተባቢዖም።

ዜና ቫቲካን

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ኣብ መጅጎሪ (ቦዝንያ ሆርዞጎቪና)፡ ንዓመታዊ ዓለም ለኻዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ኣብቲ ካብ 1 ነሓሴ - 6 ነሓሴ ዝቃናዕ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። እቲ ናይ ሰሙን መርሓ ግብር፡ ሊጡርግያዊ ጸሎታት፡ ጸሎት ዘሰርክ፡ ኣምልኾ ኣብ ቅዱስ ቁርባን፡ ምስክርነታት፡ ሙዛቃዊ ምዝንጋዕን፡ ባህላዊ ሳዕስዒትን ዘማኸለ ኮይኑ እዚ ከኣ ንምሕዳስን ሕውየት መንፈሳዊ ጉዕዞ መንእሰያት ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብ ክርስቶስ ምውካል

ቅዱስ ኣቦና ነዞም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ንዝተኣኻኸቡ ንምትብባዕ መልእኽቲ ሰዲዶም፡ ነታ መልእኽቲ ሊቀ ጳጳስ ኣልዶ ካቫሊ፡ ብሓዋርያዊ በጻሒ ቁምስና መጅጎሪ  ተነበት። ቅዱስ ኣቦና ናይዚ ዓመት ቴማ እናዘኻኸሩ፡ “ካባይ ተመሃሩ ንሰላም ከኣ ክትረኽብዋ ኢኹም።” (ማቴ 11፡28-30) ነዚ ቃላት እዚ መድሓኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝደኸሙን፡ ዝሰልከዩን፡ ዝተጨኮኑን፡ ሕይወት ምስ ቁስልታቱን ክበዱን፡ ፍትሒ ምስኣንን ካልእ ጸበባታትን ኣብ ልቦም ተሰኪሞም ንዝጉዓዙ ብምግንዛብ ኢዮም ነዚ ዝበሉ።

ጎይታና መድሓኒና ንኹልና ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኩሉ እምነትናን ምርኩስ ሕይወትናን ንዓኡ ክንገብር ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ክብድ ዝበለ ጸገማት ኣብ ዘጓንፈና ግዜ ቀሊል ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ገዛእ ርእስና ስለ እንዕጾ፡ ካብዚ ዘውጽኣና መንገዲ ግን ኣልባብና ንክርስቶስ ምኽፋት ኢዩ፡ ናብቲ “ሓደ ንውልቁ ብሓቂ ናብ ዘፍቅረና ጎይታ” ብምውካል።

ኣብ ምፍቃር ሕድሕድ ክንጽመድ ኣለና

ቅዱስ ኣቦና ጎይታና “ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝከበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም ኢየ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” ንዝበሎ እናጠቀሱ፡ ንኡሳን መንእሰያት፡ ሓዋርያት ጎይታን ወረስቲ ሰላሙን ክኾኑ ኣተባብዑ።

ከምዚ ብምግባር ከኣ እግዚኣብሔር ካብኦም ንዝጽበዮ ድላይ ክረኽቡን፡ እቲ ጎይታ ዝዛረበሉ ዘሎ ኣርዑት ከኣ ናይ ፍቅሪ ሕጊ ኢዩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓደጎ ሕጊ ኢዩ ገሊጹ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንሕድሕድኩም ተፋቀሩ ንዝበሎም ገለጸ። እቲ ቀንድን ኣውራን ፈውሲ ንቁስሊ ወድሰብ ከም ቅዲ ሕይወት ኣብ ሕድሕዳዊ ፍቅሪ ኣብ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ዝነቀለ ኢዩ ዝጅምር።

ትሕትና ናይ ምልባስ ትብዓት

ቅዱስ ኣቦና ምስ ክርስቶስ ብሓደ ብምጉዓዝን ኣብነታቱ ብምኽታልን ካብኡ ብዙሕ ኢና እንመሃር ኢሎም። መድሓኒና ንሱ ክንጸሮ ዘይኽእል ክበድ ዘሰክመና ጎይታ ኣይኮነን፡ ከምቲ ንትሑታትን ድኻታትን ክረክብ ዝወጸሉ ኣገባብ፡ በቲ ንሱ ዝመጸሉ ናይ ትሕትናን ድኽነትን መንገዲ ኢዩ ዝዕድመና።

እዚ ማለት ትሑታት ክንከውንን ንድኻምነትናን ሕጽረታትናን ትዕቢትናን፡ ብገዛእ ርእስና ኩሉ እንዓዪ ንዝመስለና ክንግንዘብን፡ ናብዚ ክንበጽሕን ንጎይታ ክንስዕብን ንዓኡ ክንመስልን፡ ኣዕይንትናን ልብናን ክንከፍትን ኣሎና።

ሓቀኛ ሰላምን ዕረፍትን

ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም መንእሰያት ዘቅረብዎ ጻውዒት፡ ካብ ፍርሒ ክርሕቁን ንኹሉ ዝተሰከምዎ ክበድ ንጎይታ ከረክቡ እሞ ሓቀኛ ዕረፍትን ሰላምን ክህቦም ይጽውዑ።

ኩሎም ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክስዕቡን’፡ ናብታ ናብ ክርስቶስ እተምርሕ ክስዕቡን ብመንፈስ ርሕራሔን ሕድሕዳዊ ድንጋጸን ከምዝዓዩ ክትገብሮምን ክትሕግዞምን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይና እንዓብየሉ ጸጋ ከተማልደልና ጸልዩ።

ፍቅራዊ ሓልዮት ድንግል ማርያም

ኣብ መዛዘሚ፡ ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም ኣብ ሓልዮት ድንግል ማርያም ሰመያዊት ኣደና እናማዕቆቡ፡ በዚ ከኣ “ብኣማላድነታን ኣብነታን፡ ኣርዑትና ባዕልና ብለውሃት ተሰኪምና ንክርስቶስ ክንስዕብ ምእንቲ ኢዩ። ቆላሕታ እግዚኣብሔር ኣቦ ንነፍሲ ወከፍና ዘፍቅረናን፡ መዓልታዊ የሰንኹም፡ ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ርክብ ምስ ካልኦት ናይ ሰላም ምስክርነት ከተሕልፉን ከም ህያብ ክትቅበሉን ክሕግዘኩም እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

03 August 2022, 15:17