ድለ

UKRAINE RUSSIA CONFLICT UKRAINE RUSSIA CONFLICT 

ውግእ ንጹሓት ብሕይወቶም ዝኸፍልዎ ጽላሌ እዩ!ኣጽዋር ውግእ ዝነግድ ከይሲ ገበነኛ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ 24 ነሐሰ 2022 ዓም ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ነቲ ካብ ዝጅምር ሎሚ ሻድሻይ ወርሑ ዘቊጸረ ውግእ ኡክራይና ዘኪሮም ኣደዳ ኩሉ ኮይኖም ንሳዕቤን ናይዚ ጽላሌ ዝበልዎ ውግእ ዝኸፍሉ ሕጻናትን ኣደታትን ስደተኛታትን ኣብ ርእሲ ምዃኖም ካብ ክልቲኡ ወገን ክንደይ ህጻናት ከምዝዘኽተሙ ብምዝኽኻር ኣብ ሶርያን የመንን ምንያንማርን ዘሎ ማንም ዘይዛረቡሉ ውግኣት እውን ጥሜት ዝተደረቦ ሕልቂት ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኩሎም ጽሉላት! ክብሉ ቅዱስነቶም ብኣልማማ ውግእ ካብ ዘካይዱ ዋላ ሓደ ጥዑይ ከምዘየለ ብምረት ይገልጹ እሞ ከማኡ ዘበሎም ውግእ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ጥዕና ስለዘይኮነ ጽላሌ ክበልዎ ስለዝመረጹ ካብ ጽላሌ ውግእ ከኣ ዝጐብጥስ ይኹን ዝጒበጥ ዝዕምጽስ ይኹን ዝከላኸል ኩሎም በቲ ጽላሌ እቲ ስለዝጽለው ኩሎም ጽሉላት እዮም ምስ በሉ እንተኾነ ነቲ ክቡር ዋጋ ውግእ ዝኸፍልዎ ወትሩ እቶም ንጹሓት ምዃኖም ምረት ብዝመልኦ ቃና ብቀንዱ ከኣ ንሕጻናት ብምዝካር ንራዕዲ ውግእ ገሊጾም። ናይ ሎሚ ሽድሽተ ወርሒ ይገብር ብዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓም ከም ዋዛ ንውግእ ኡክራይናን ሩስያን ዘባርዔት ቀዳመይቲ መድፍዕ ዝተተኰሰትላ ዕለት ነበረት። ካብታ ዕለት እቲኣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኩሉ ነናቱ ክብል ቅዱስነቶም ግን ንውግእ ኣይፋል ንበል! ንውግእ ኣይንልመዶ! ካብ ውግእ ጥፍኣት እንተዘይኮይኑ ረብሓ የለን! ኣብ ውግእ ኩሉ እዩ ዝሰዓር ዝስዕር የለ ዝዕወት! ዓወትን ሰላምን ኣብ ዘተን ዕርቅን ምሕረትን እዩ ዝርከብ ሃየ ተዛተዩ ብምባል ካብ ምምሕጻንን ጾምን ጸሎትን ካብ ምቅራብ ኣየቋረጹን።

ሮቡዕ 24 ነሐሰ 2022 ዓም እውን ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ፍቁር ሕዝቢ ዝበልዎ ሕዝቢ ኡክራይና ካብ ጐይታ ሰላም ክወርድ ንማህለል እንክብሉ ስለቲ ካብ ሽድሽተ ወርሒ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዘስካሕክሕ ውግእ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ንጸሊ ድህሪ ቢሎም ነዚ ሓጺር ጻውዒት ኣቅሪቦም።

“እዚ ውግእ እዚ ንከብቅዕ ጭቡጥ ስጉምታት ክውሰድ ዘሎኒ ተስፋይ እንክገልጽ ንኒክለሳዊ ዞባ ዛፖሪዝዝያ ኣንጸላልዩ ካብ ዘሎ ኒክለሳዊ ዕንወት ይሰውረና ኢሎም።”

ኣብዚ ዞባ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኒክለሳዊ ሓደጋ ዕንወት ካብ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ እሱራት እውን ተዓጊቶም ስለዘለዎ እቶም ዝምልከቶም ሰበሥልጣን ሓራ ከውጽእዎም ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ሃመይን ቀልበን ምስ እሱራት ምናዳ ኸኣ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ እዩ ዘሎ! ሓላፍነት ናይዚ ተሰኪሞም ንዘለው ሰበሥልጣን ከኣ ሓራ ዝወጽሉ መንገዲ ንከናድዩ እልምን ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ናብ ኩነታ እቲ ውግእን ሳዕቤኑን ምልስ ቢሎም ከኣ ናይዚ ጽላለ ዝበልዎ ጽላለ ውግእ ዋጋ ብሕይወቶም ዝኸፍሉ ንጹሓት ሰባት ምናዳ ኸኣ ሕጻናትን ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ብዙሓት ዝቈሰሉ ሕጻናት ኡክራይናን ከማኡ እውን ብዙሓት ሕጻናት ኡክራይናን ሩስያን ዘኽቲሞም ኣለው። ዝኽምትና ዓሌት ኣይፈልን እዩ። እዞም ንጹሓት ሕጻናት እዚኦም ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣቦታቶም ስኢኖም ወይውን ኣደታቶም ወይውን ንክልቲኦም። ኣብ ሩስያስ ይኹን ኣብ ኡክራይና። ነዚ ጽላለ እዚኣ ብክልቲኡ ወገን ዝኽበል ዋጋ ሕይወት ምናዳ ከኣ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ዝወርድ ጫካኔ እንክሓስብ ውግእ ጽላለ ምዃኑ እግንዘብ። ማንም ካብቶም ውግእ ዘካይዱ ኣነ ጽሉል ኣይኮንኩን ክብለኒ ኣይክእልን ከመይ ውግእ ጽላለ እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ግዳይ ንጹሓን ሓንቲ ካብቲ ውግእ ብዙሕ ርሒቃ ኣብ ሃገረ ሩስያ እትነበር ጐርዞ ጓል ንካልኦት ክቀትሉ ብዘጻወድዎ ቦምብ ንዝተጐድአት ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም።

“ኣብ ሞስኮ ደሃን ኣሎኹ እንክትብል ኣብ ማኪናኣ ምስ ተጻዕነት በቲ ተጻዊዱ ዝነበረ ቦምባ ንሰማይ ዝበረረት መስኪነይቲ ጐርዞ እንክሓስብ ዋጋ ውግእ ዝኸፍሉ ንጹሓት ምዃኖም እምልከት። ነዚ ኣጽዋር ውግእ እዚ ዝነግዱ ከኣ ዝገደዱ ከይስታት ኮይኖም ገብበነኛታት እዮም። ካብዚ መኽሰብ ዘማእርሩ ሰብኣውነት ዝቀትሉ ከይስታት እዮም ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ እዚ በብክፋል ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኮይኑ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዚካየድ ዘሎ ውግኣትን ዓመጻትን ዓለም ግን ዘይዛረበሉ ኣብ ምያንማርስ ይኹን ኣብ የመን ንልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ኣቊጺሩ ዘሎ ውግእ ሶርያ ብምዝኽኻር ክንሓስበሉ ዘሎና ብዙሕ ኣሻቃሊ ጉዳያት ኣሎ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 Aug 2022, 15:34