ውግእ ንጹሓት ብሕይወቶም ዝኸፍልዎ ጽላሌ እዩ!ኣጽዋር ውግእ ዝነግድ ከይሲ ገበነኛ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ኩሎም ጽሉላት! ክብሉ ቅዱስነቶም ብኣልማማ ውግእ ካብ ዘካይዱ ዋላ ሓደ ጥዑይ ከምዘየለ ብምረት ይገልጹ እሞ ከማኡ ዘበሎም ውግእ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ጥዕና ስለዘይኮነ ጽላሌ ክበልዎ ስለዝመረጹ ካብ ጽላሌ ውግእ ከኣ ዝጐብጥስ ይኹን ዝጒበጥ ዝዕምጽስ ይኹን ዝከላኸል ኩሎም በቲ ጽላሌ እቲ ስለዝጽለው ኩሎም ጽሉላት እዮም ምስ በሉ እንተኾነ ነቲ ክቡር ዋጋ ውግእ ዝኸፍልዎ ወትሩ እቶም ንጹሓት ምዃኖም ምረት ብዝመልኦ ቃና ብቀንዱ ከኣ ንሕጻናት ብምዝካር ንራዕዲ ውግእ ገሊጾም። ናይ ሎሚ ሽድሽተ ወርሒ ይገብር ብዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓም ከም ዋዛ ንውግእ ኡክራይናን ሩስያን ዘባርዔት ቀዳመይቲ መድፍዕ ዝተተኰሰትላ ዕለት ነበረት። ካብታ ዕለት እቲኣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኩሉ ነናቱ ክብል ቅዱስነቶም ግን ንውግእ ኣይፋል ንበል! ንውግእ ኣይንልመዶ! ካብ ውግእ ጥፍኣት እንተዘይኮይኑ ረብሓ የለን! ኣብ ውግእ ኩሉ እዩ ዝሰዓር ዝስዕር የለ ዝዕወት! ዓወትን ሰላምን ኣብ ዘተን ዕርቅን ምሕረትን እዩ ዝርከብ ሃየ ተዛተዩ ብምባል ካብ ምምሕጻንን ጾምን ጸሎትን ካብ ምቅራብ ኣየቋረጹን።
ሮቡዕ 24 ነሐሰ 2022 ዓም እውን ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ፍቁር ሕዝቢ ዝበልዎ ሕዝቢ ኡክራይና ካብ ጐይታ ሰላም ክወርድ ንማህለል እንክብሉ ስለቲ ካብ ሽድሽተ ወርሒ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዘስካሕክሕ ውግእ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ንጸሊ ድህሪ ቢሎም ነዚ ሓጺር ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ኣብዚ ዞባ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኒክለሳዊ ሓደጋ ዕንወት ካብ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ እሱራት እውን ተዓጊቶም ስለዘለዎ እቶም ዝምልከቶም ሰበሥልጣን ሓራ ከውጽእዎም ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።
ቅዱስነቶም ናብ ኩነታ እቲ ውግእን ሳዕቤኑን ምልስ ቢሎም ከኣ ናይዚ ጽላለ ዝበልዎ ጽላለ ውግእ ዋጋ ብሕይወቶም ዝኸፍሉ ንጹሓት ሰባት ምናዳ ኸኣ ሕጻናትን ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ግዳይ ንጹሓን ሓንቲ ካብቲ ውግእ ብዙሕ ርሒቃ ኣብ ሃገረ ሩስያ እትነበር ጐርዞ ጓል ንካልኦት ክቀትሉ ብዘጻወድዎ ቦምብ ንዝተጐድአት ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ እዚ በብክፋል ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኮይኑ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዚካየድ ዘሎ ውግኣትን ዓመጻትን ዓለም ግን ዘይዛረበሉ ኣብ ምያንማርስ ይኹን ኣብ የመን ንልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ኣቊጺሩ ዘሎ ውግእ ሶርያ ብምዝኽኻር ክንሓስበሉ ዘሎና ብዙሕ ኣሻቃሊ ጉዳያት ኣሎ ኢሎም።