ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-AUDIENCE-CHILDREN VATICAN-RELIGION-POPE-AUDIENCE-CHILDREN 

ር.ሊ.ጳጳሳትን ፕረሲደንት ዘለንስክን ብተለፎን ተዛትዮም! ዘለንስክይ ንር.ሊ.ጳ ስለ ጸሎቶም የመስግኑ

ፕረሲደንት ሃገረ ኡክራይና ዘለንስኪ በቲ ትዊተር ዝበሃል ሓጸርቲ መልእኽታት እተመሓላልፈሉ መራኸቢ ብዙሕን ገቢሮም ምስ ር.ሊ.ጳ ብተለፎን ተራኺቦም ከምዝተዛተዩን ኣብቲ ዝርርብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝቢ ኡክራይና ወሪዱ ዘሎ ጐበጣን ዓመጽን ከምዝነገርዎምን ስለ እቲ ወትሩ ስለኦም ዘዕርግዎ ጸሎት ከምዘመስገንዎምን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ካብ ዝባራዕ ዳርጋመንፈቅ ዓመት ኣሕሊፉ ዘሎ ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ንዓለም ምሉእ ኣናዊጹ ገለን ንሓደ ገለን ከኣ ነቲ ሓደ ኣብ ምድጋፍስ ይኹን ተጽዕኖ ንምፍጣር ካብ ቊጠባዊ እገዳታት ጀሚርካ ብዙሕ ነገር እኳ እንተተገብረ ነቲ ኲናት ግን ከዝሕሎ ኣይከኣለን። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ደጋጊሞም ከምዝብልዎ እንትርፎ ዕርቅን ሰላምን ካልእ መንገዲ ስለዘየሎ ሃየ ተዛተዩ ውግእ ደው ኣብሉ ክብሉ ጻውዒታት ካብ ምቅራብ ሓሊፎም ምስ ናይ መላእ ሩስያ ፓትርያርክስ ይኹን ምስ ዘለንስክን ካልኦት ሰበሥልጣንን ወከልትን ናይተን ሃገራት ኣብ ሮማ ዝርከባ ኤምባሲታት ክልቲኤን ሃገራት እንተስ ብኣካል ብምኻድ እንተስ ኣብ ቤትጽሕፈቶም ብምጽዋዕ ውግእ ደው ክብል ዘተ ክጅመር ነባሪ ሰላም ንምህናጽ ኩሉ ዝተኻእሎ ከበርክት ብጾምን ጸሎትን ከይተረፈ እውን ዝተፈላለየ ጻውዒታት ኣቅሪቦም። እንተኾነ ገና እንትርፊ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙናት እኽልን ካልእ ንጥረ ነገራትን ካብታ ማዕከን እኽሊ ዓለምና ተባሂላ እትስመ ኡክራይና ንክነቅል ብዝተበጽሔ ስምምዕ ድሮ ዓበይቲ መራኽብ ይጐዓዛ ብምህላወን ቅዱስነቶም እውን ኣብ ናይ ሰንበት ጉባኤ ኣስተምህሮ ፈጺሞም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እዚ ጒዳይ እዚ ኣዚዩ ከምዘሐጐሶም ብዝበለጸ ከኣ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ዳርጋ ከም ኣውያት ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ጻውዒት ዘተ ከምዝከኣል ዘመልክትን ንመጻኢ ነባሪ ሰላም ንምህናጽ ተኽእለ ከምዘሎ ዝገልጽ ተስፋ ዝህብ ፍጻሜ ምዃኑ ገሊጾም ነበሩ።

ዓርቢ ዕለት 12 ነሐሰ 2022 ዓም ኣብ መንጎ ቅዱስነቶም ፕረሲደንት ሃገረ ኡክራይና ዘለንስክን ዝርርብ ተለፎን ከምዝተገብረ እንክምልከት ነቲ ዜና ዘጋውሑ ከኣ ባዕሎም ፕረሲደንት ዘለንስክ ኰይኖም ቀንዲ ጉዳይ እቲ ር.ሊ.ጳ ደጋጊሞም ሓደራ ዝብልዎ ኣበርክቶ ደገፍ ንሕዝቢ ኡክራይና ኰይኑ ብዛዕባ ህልው ኩነታት እውን ንምዝታይ ነበረ። ፕረሲደንት ዘለንስኪ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ካብቲ ዕለተ ወራር ሩስያን ማለት ዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሕዝቢ መላእ ሕዝቢ ኡክራይና ዘሕልፎ ዘሎ ስቃይን ጓህን ብርቱዕ እኳ እንተኾነ ቅዱስነቶም ግን ካብታ ዕለት እቲኣን ቅድሚኡን ጀሚሮም ስለ መላእ ሕዝቢ ኡክራይና ምናዳ ኸኣ እቲ ውግእ ምስ ተወልዔ ዘቅርብዎ ጸሎትን ንጸሎትን ጾምን ዘቅረብዎ ጻውዒትን ብልቢ ኣመስግኖም ኢሎም።

ፕረሲደንት ዘለንስኪ ነዚ ምስ ኣጋውሑ ኣብ ቅድስት መንበር ናይ ሃገረ ኡክራይና ኣምባሳደርን ዝሓለፈ ዕለታት ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ተኽእሎ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ናብ ክየቭን ዘትርዮም ከምዝነብሩ ዝዝከር ኰይኑ! ንሶም እውን ብወንገኖም ንመልእኽቲ ትዊተር ፕረሲደንት ዘለስኪ ተኸቲሎም ነቲ ፍጻሜ ምስ ኣጋውሑ ‘መንግሥትን ማሕበርሰብን ኡክራይና ንቅዱስ ኣቦና ብኣካል ሰላም ክብሉ ሕጉሳት ምኾኑ’ እንክብሉ ቅዱስነቶም ናብ ክየቭ ክበጽሑ ዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 August 2022, 09:28