ድለ

2022.08.05 Giovani partecipanti all'Alpha Camp 2022.08.05 Giovani partecipanti all'Alpha Camp  (Vatican Media)

ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ምዃን ማለት ‘እንታይ እደሊ’ ቢልካ ምሕታት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ሞሊሰ ዝበሃል ክፍሊ ኢጣልያ ዝመደበሩ ካምፖ ኣልፋ ብዝብል ምንቅስቃስ ንመንእሰያት ዝኲስኲስ ጒጅለ መንእሰያት ምስ ኰስኰስቶምን መማህራኖምን ሎሚ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተራኺቦም፤ ቅዱስነቶም ኣብ ካናዳ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብምዝካር ብትርጉም ሰብኣውነት ምስቶም ኣብ ካናዳ ዝረኸብዎም ከምዝተኣሳሰሩን ከምቲ ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ዝብሎ እግዚኣብሔር ካባኦም ዝደልዮ ቅዳሕ ዘይኮነ መበቆላዊ መንነቶም ከምዝኾነ ገሊጾምሎም።

ዜና ቫቲካን!

ልዕሊ  300 ዝኾኑ መንእሰያት ምስ መማህራኖምን ኩስኰስቶምን ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቦም፤ ናይ ሰላምታን ምስጋናን ቃላት ምስ ተለዋወጡ ቅዱስነቶም ብቀጥታ ኣብታ መሠረታዊት ሕቶ ዝበልዋን ወትሩ መንእሰይ ኰንካ ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ብመንፈስ መንእሰይ ንክትነብር እትሕግዝ ሕቶ ከምዚ ክብሉ ኣቅረቡሎም።

“‘እንታይ እየ ዝደሊ ዘሎኹ!’ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንገዛእ ር እሱ ዝሓትት ዘቦኡ ኩሉ ወትሩ መን እሰይ እዩ፤ ዋላ ሰማንያ ዓመት እንተለዎ፤ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዘይሓትት ከኣ ዋላ ወዲ ዕስራ ዓመት ይኹን ኣረጊት እዩ! ትሰማምዑዶ! ኢሎም ሓተቱ።”

እዛ ሕቶ እዚኣ ኢየሱስ ነቶም ናይ መጀመርያ ሰዓብቱ ዮሓንስ መጥምቅ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ በጊዕ እግዚኣብሔር እነሆ! ክብል ምስ ገለጸ ካብቶም ምሳኡ ዝነበሩ ኣርድእቲ ንኣኡ ሓዲጎም ደድሕሪ ኢየሱስ ክኸዱ ምስ ጀመሩ ኢየሱስ ቁሊሕ ቢሉ ‘እንታይ ትደልዩ’ ቢሉ (ዮሓ 1.38) ኰይና ቅዱስነቶም እውን እዛ ሕቶ እዚኣ መሠረታዊት ሕቶ ኰይና ንሕና እውን ክንሓታ ዝመሃረና ሕቶ ምዃናን ሽሕ’ኳ መንፈስ ዓለማውነት ኣብ ዚዓብለሎ ዘመን እንተተወልዱ ኣብ ልቢ ደቂሰባት ወትሩ ጽምኢ ጐይታ ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ኣብርሁሎም።

ኣባኹም ኣብዞም ምስ ተክኖሎጅን ሓበሬታን ዝተወልድኩምን ዝዓበኹምን ኣብ ውሽጢ ልብኹም ናይ ዘመናት ዓበይቲ ሕቶታት ይቀላቀላ እየን፤ ካበይ መጺእና! ኣብ መበቆል ፍጥረት እንታይ ኣሎ! ሕይወተይ ምህላወይ ናብራይ እንታይ ትርጉም ኣለዎ! ዝገደደ ከኣ ስለምንታይ እዩ ስቃይ ዝህሉ! ስቃይን መከራን ስለምንታይ ንናኣሽቱን ዝከላልኸ ንዘይብሎምን የጥቅዕ! ወዘተ። እግዚኣብሔር ንሕቶታትና ብዙሕ ይፈትዎም፤ ካብ መልሲ ንሕቶታት ይፈቱ ክንብል ንኽእል፤ እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ! መልስታት ዕጽዋት እንክኾኑ ሕቶታት ግን ወትሩ ክፉታት እየን። ብውዱእ መልሲ ጥራይ ዝነብር ኣብ ገዛእ ርእሱ ምዕጻው ዝለመደ እዩ! ምዕጻው ጥራይ በቃ! ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኢየሱስ ነቶም ቀዳሞት ዝሰዓብዎ ክልተ ኣርድእቲ ቁሊሕ ቢሉ ብምጥማት ‘እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም’ (ዮሓ 1.38) ክብል ዝሓተቶም፤ ኢየሱስ ቅድሚ መልሲ ምሃብ ነዛ መሠረታዊት ሕቶ ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ይምህረና! እንታይ እደሊ ኣሎኹ!

ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾነ ኢየሱስ ምልኣት ሕይወት እዩ!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ካናዳ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ይዝክሩ እሞ ኣባኡ ዝተዓዘብዎ ሓደ ዘደንቅ ነገር የካፍልዎም፤ እዚ ከኣ ኣብቲ ብጣዕሚ ማዕቢሉ ዝበሃል ዘመናዊ ምዕባሌ ካናዳ ጥንታዊ ባህላዊ ውርሻታትን ልማዳት ወለዶታት እናሓለው ዝነብሩ መበቆላውያን ደቂኣባት ከምዘለው ገለጹሎም።

“ሎሚ ኣብዚ ተመሊሰ ንዓኻትኩም እንክርኢ መንእሰያት ናይዞም መበቆላውያን ደቂኣባት ይቅጀሉኒ፤ ካባኹም ኣዝዮም ዝተፈልዩን ንዓኻትኩም ዝመስሉን ወረ ማዕረኹም ምበልኩ፤ ማዕረኹም ብሰብኣውነት መለክዒና ከኣ እዚ እዩ! ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦት ብጾትናን ምስ ፍጥረታት ኩሉን ምስ ገዛእ ርእስናን ርክብና እንገልጸሉ ሰብኣውነት ይበሃል! ነዚ ከኣ ብነጻነትን ብጸጋን ገዛእ ርእስና ብምውፋይ ንገብሮ።እዚ ርክብ እዚ ጐደሎ ምዃናን ንምልኣት ሃረር ከም እንብል! ምልኣት ሕይወት! ምልኣት ሓጐስ! ምልኣት ትርጉም ሃሰስ ንብል! እነሆ እምበኣር እዚ ምልኣት እዚ ኢየሱስ እዩ! ንሕና ኩልና ጐደሎታት ኢና! ንሕና ኩልና መንገደኛታት ኢና! ኣብ ጒዕዞ ንረክበ! ነዚ ኣብ ልብና ክንሕዞ ኣሎና ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነቲ ድሕሪ ሲኖዶስ መንእሰያት ክሪስቱስ ቪቪት ክርስቶስ ሕያው እዩ እንክብሉ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ ምሕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ዘኪሮም እቲ ንኩሉ ዝወደቀ ከተንስእ ዘንቀደ ክርስቶስ ‘ብሓዘንን ቂመበቀልን ፍርህን ምጥርጣርን ፍሽለትን ዝ ኣረግካ ኮይኑ እንክስመዓካ ኢየሱስ ሓይልስ ተስፋን ዳግም ንክልግሰልካ ኣባኡ ኣሎ፣ ነዚ ከኣ ምስቶም ቀዳሞት ሓዋርያትስ ይኹን ምስቲ ር እሲ ቤተክርስትያን ክኸውን ዝመረሾ ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚን ምስ መን እሰያት ናይ ዝኾነ ዘመን ይገብሮ ኣሎ፤’ እንክብሉ ንዝጸሓፍዎ ብምዝኽኻር ከምዚ ክብሉ መዓዱ።

ካብ ደልሃመትን ሞትን ኣሉታን ዘድሕን ጐይታ ስሕበቱ ልለት ንሕይወትን ንፍቅርን ብዘለዎ ስሕበት እዩ፣ ስሕበት እግዚኣብሔርከስ ኣብ ሓቀኛ ትሕትና ከምዝርከብን ንኣይ ጥራይ ይጥ ዓመኒ እምበር ናይ ካልእ ኣይግድሰንን እዩ ካብ ዝብል መንፈስን ካብቲ ዘይኮናዮ ጉዳይ ከምዝኾናዮ ገቢርና ንምር ኣይ እንገብሮ ቃልስን ሓራ የውጽኣና፤ ገፋሕ ፋሕ ከይበልና ገዛእ ርእስና ኰንና ምንባር መንነትና ምፍላጥከስ ሓቀኛ ትሕትና እዩ፤ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢና ዘሎ ክፍኣተ ግብሪ ብዝምለከት ከኣ ከይንሃድም ንሓቂ ከይንኽሕድ ኣብ ገዛእ ርእስና ከይንዕጾ እንታይ ደኣ ነፍስወከፍና ሓላፍነትና ተሰኪምና ከምቲ ጐይ ታኢየሱስ ዝብሎ መስቀልና ተሰኪምና ብፍቅርን ብታሕጓስን ክንጐዓዝ ኣሎና፣ ነዚ ግን በይንና ኣይኮነን ብቀዳምነት ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ቅድመናስ ይኹን ኣብ ድሕረና ምሳና ኣሎ፤ ሓንቲ ንሱ ካባና ዝደልያ ከምቲ ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ዝበለ ቅዳሕ ወይ ፎቶኮፒ ዘይኮነ መበቆላዊ መንነትና ሒዝና ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 August 2022, 22:54