ድለ

EGYPT-FIRE-CHURCH EGYPT-FIRE-CHURCH  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተክርስትያን ግብጺ ብሓዊ ንዝተጐድኡ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ!

ሕጻናትን ጳጳስን ዝርክበዎም 41 ሰባት ሕይወቶም ዝሰኣኑሉ ብምብራዕ ኤለክትሪክ ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳውን ከተማ ጊዛ ሃገረ ግብጺ ብዝወረደ ሓደጋ ንዝተጐድኡን ቤተሰቦምን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጽንዓት ይሃብኩም ዝብል መልእኽቲ ናብ ፖፕ ተዋድሮስ ካልኣይ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ከተማ ጊዛ እትበሃል ጥቃ ካይሮ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ብዘጋጠመ ባርዕ፡ 41 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካብኣቶም ብውሕዱ እቶም 15 ህጻናት ከም ዝዀኑ ከማኡ እውን ብፁዕ አቡነ ዓብዱል በኺት ዝበሃሉ ጳጳስ ከምዝርከብዎም ተገሊጹ።

ትማል ሓሙስ ዕለት 18 ነሐሰ 2022 ዓም ቅዱስነቶም ናብ መራሒ ቅብጣዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ር.ሊ.ጳ ተዋድሮስ ካልኣይ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመ ናይ ሓዘን ተለግራም ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ቅዱስነቶም በዚ ትራጀዲካዊ ፍጻሜ እዚ ብጣዕሚ ከምዝሓዘኑ ምናዳ ኸኣ ሞት ጳጳስን ብዙሓት ሕጻናትን ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ገሊጾም። በዚ ፍጻሜ እዚ ንዝተሰምዖም ሓዘን ድህሪ ምግላጽ ከኣ ካብ ልቦም ዝመንጨወ ጽንዓት ብምምናይ መንፈሳዊ ቅርበቶም ምናዳ ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተጐድኡን ቤተሰቦምን ገሊጾም። ነቶም ዝሞቱ ኣብ ምሕረት ዝመልኦ ፍቅሪ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር እንከማዕቁቡ ንዘለው ከኣ ጐይታ ምጽንናዕን ሓይልን ክህቦም ከምዝጽልዩ ገሊጾም።

ጊዛ ዝበሃል ከባቢ ብብዝሒ ኣባላት ደርቢ-ሸቃሎ ኣብ ዝነብርዎ ዞባ ዕምባባ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣቡ ሰፈይን፡ ህጻናትን ወለድን ዝርከብዎም ንቕዳሴ ሰንበት ብዝተኣከቡ ምእመናን ላዕለዋይን ታሕተዋይን ደርቢ ኩሉ ሙሉ መሊኣ ነይራ።

ሓደጋ ባርዕ ኤለክትሪክ!

ናይ ሃገረ ግብጺ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝገለጾ እቲ ሓዊ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ቤተክርስትያን ዝርከብ መዝሓሊ ብዝጋጠመ ኤለክትሪካዊ ብልሽት ከምዝጀመረን በቲ መርዛም ትኪ ብዙሃት ክሞቱ ከምዝኸኣሉን ገሊጹ። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝገልጽዎ ከኣ ኣብ ርእሲ እዚ ጽቅጥቅጥ ናይ ሕዝቢ ንማዕጾ እቲ ቤተክርስትያን ስለዓጸዎ ብዙሓት ብኣራግጽ ከምዝሞቱ ይሕብሩ።

ፕረሲደንት ሃገረ ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ብሞት እዞም ሰባት ንዝተሰምዖም ሓዘን ብትዊትር ነዚ መልእክቲ እዚ ጽሒፎም።

“ንስድራቤታት ናይዞም ኣብ ሓደ ቤት ኣምልኾ ከይዶም ምስ ጐይታኦም ብሓደ ንክኾኑ ተጋቢኦም እንከለው ናብ ጐይታኦም ዝሓለፉ ንጹሓት ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም እብል ኢሎም።”

ሥርዓት ቀብሪ ናይቶም ግዳያት ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣማስያኡ ኣብ ስግር ርባ ናይል ናይ ካይሮ ኣብታ ብዕብየታ ድሕሪ ካይሮ እትስራዕ ከተማ ጊዛ ከምዝተፈጸመ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
19 August 2022, 16:03