ድለ

LEBANON-PORT-FIRE LEBANON-PORT-FIRE  (AFP or licensors)

ሓቂ ተሓቢኡ ኣይትረፍ! ር.ሊ.ጳ ንባርዕ ሊባኖስ እንክዝክሩ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ነሐሰ 2022 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ማለት ብ2020 ዓም ዕለት 4 ነሐሰ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሊባኖስ መርሳ በይሩት ንዘጋጠመ ነትጒ ባርዕ ዘኪሮም ስለቶም ኣባኡ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ስድራቤታት ከምዝጽልዩ ድሕሪ ምግላጽ ‘ሃገረ ሊባኖስ ነቲ ናይ ሰላም ምድርን ማሕበረሰባት ብዙሓት እምነታት ብሕውነት ዝነብሩላ ዓዲ ብዙሓን ንምዃንን ዝተጸዋዓቶ እምንቲ ኰይና ብሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንጒዕዞ ዳግም ልደት ምስዓባ ክትቅጽል እምነ’ እንክብሎ ሃረርታኦም ገሊጾም። ኣብቲ ትምህርቲ ዝሳተፉ ንዝነበሩ መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጽሙ ዘለው ደቂ ፖላንድ ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ከኣ ኣብተን ብእግሪ እናተጓዕዙ መንፈሳዊ ንግደት ዝፍጽሙለን መካነ ንግደታት ድንግል ማርያም ስለሰላም ኡክራይና ክጽልዩ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ክልተ ዓመት ይገብር ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሊባኖስ መርሳ በይሩት ብዘጋጠመ ነትጒ ባርዕ ልዕሊ 200 ከምዝሞቱን ልዕሊ 6000 ከኣ ከምዝቆሰሉን ዝዝከር ኮይኑ ቅዱስነቶም ኣብ ድሮ ካልኣይ ዓመት ናይዚ ኣዕናዊ ፍጻሜ ዝበልዎ ዘሕዝን ክስተት ግዳያት ናይ ዝኾኑ ስድራቤታት ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ከምዝሓስብዎም ከማኡ እውን ነቲ ክቡር ሕዝቢ ሊባኖስ ዝበልዎም ነበርታ ከምዝሓስቡ ገሊጾም። ቅዱስነቶም ምስ ሕዝቢ ሊባኖስ ዘለዎም ምትእስሳርን ስለኦም ወትሩ ዝዛረብዎ ብዙህ እኳ እንተኾነ ብዓቢኡ ግን ቅድሚ ሓደ ዓመት ብባሕቲ ሓምለ ዕለተ ጾምን ጸሎትን ኣስተንትኖን ስለሃገረ ሊባኖስ መላእ ማእከላይ ምብራቅን ንኩሎም መራሕቲ ምብራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይቲ ዞብ ዓዲሞም ኣብ ከተማ ቫቲካን ከምዘካየዱ ዝዝከር እዩ።

“ነፍስወከፍ ብእምነት ክጸናናዕ ከማኡ እውን ብምንም ተኣምር ኪሕባእ ብዘይብሉ ፍትሕን ሓቅን ክጸንዕ ምህለላይ አቅርብ ኢሎም።”

መሬት ሰላም ምዃን!

ቅዱስነቶም ነታ ደጋጊሞም ነታ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ካልኣይ ዓዲ ጽሕዲ ክብሉ ዝጽውዕዋ ሃገረ ሊባኖስ ነዚ ዝስዕብ ሓጺር መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።

“ሃገረ ሊባኖስ ነቲ ናይ ሰላም ምድርን ማሕበረሰባት ብዙሓት እምነታት ብሕውነት ዝነብሩላ ዓዲ ብዙሓን ንምዃንን ዝተጸዋዓቶ እምንቲ ኰይና ብሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንጒዕዞ ዳግም ልደት ምስዓባ ክትቅጽል እምነ ኢሎም።”

እቲ ዕንወት!

ክልተ ዓመት ይገብር ዕለት 4 ነሐሰ 2020 ዓም ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ከተማ ሊባኖስ በተን ናብ መርሳ በይሩት ገጸን ዝጐዓዛ ዝነበራ መጥፋእቲ ሓዊ ድምጽን ዋይዋይታን ኣብቲ መርሳ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ነትጒ ባርዕን ተሓመሰት። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃንገር ፈኸም ክብል ዝጀመረ ባርዕ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ተኸዚኑ ዝነበረ ንድዂዒ ዘገልግል ኣሞንዩም ኒትረይት ዝበሃል ልዕሊ 2700 ቶን ወሊዑስ ካብ ናይ በዓል ነጋሳክን ሄሮሺማን ናይ ኣቶም ቦምባ ምፍንጃር ብዘይንእስ መንገዲ ሓያል ነትጒ ተላዒሉ ሕይወት ብዙሓት ሰባት ከምዝቀሰፈን ብዙሓት ከምዘቊሰለን ብዙሕ ንብረት ከምዘዕነወን ዝዝከር እዩ። እዚ ነቲ ሎሚ እውን ከይተረፈ 80% ካብ ሕዝባ ኣብ ትሕቲ ሕንጻጽ ድኽነት ዝነብር ዘሎን ብፖሎቲካውን ማሕበራውን ቊጠባውን ቅልውላው ንእትደሃኽ ሃገር ሓያል መውቃዕቲ ነበረ። 214 ምውታት 6500 ቊሱላት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተፈናቀሉ ቈጺርካ ዘይውዳእ ኣባይትን ትሕተቅርጽን ንብረትን ናብ ሓመድ ተቀየረ። እንተ ፍትሕን ሓቅን ግን ሽሕ’ኳ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክግለጽ እዩ እንተተባህለ ገና ምንም ኣይተገብረን።

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት!

ዓሚ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ናይዚ ሓደጋ እዚ ቅዱስነቶም ብዕለት 4 ነሐሰ 2021 ዓም ከምዛ ናይ ሎምዘመን ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዚ ክብሉ ሓዘኖም ገሊጾም ነበሩ።

“ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ወደብ በይሩት ሞትን ዕንወትን ዘስዓበ ዘሰንብድ ነትጒን ባርዕን ዓመት ኣብ ዘቊጸረሉ ዕለት ሃመይን ቀልበይን ናብታ ፍቅርቲ ሃገር ብምጒዓዝ ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ እቶም ግዳያትን ቤተሰቦምን ብዙሓት ቊሱላትን ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ቤቶምን ሥራሖምን ዝሰኣኑ እሓስብ። ብዙሓት እውን ናብራ ደንጽይዎም ኣሎ ኢሎም ነበሩ።”

ዕለተ ጸሎት ስለሃገረ ሊባኖስ ኣብ ከተማ ቫቲካን!

ቅድሚ ዓመት ቅዱስነቶም ኣብ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነዛ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስቓይ እትርከብ መሬት ጽሕዲ “ካብቲ እተሕልፎ ዘላ ከቢድ ቅልውላው ተንሲኣ ንዓለም ሰላምን ተስፋን ከም ብሓድሽ ንክተርኢ” ንኽንጽሊ እጽውዕ ብማለት ነዚ ዚስዕብ ዕድመ ኣቅሪቦም ነበሩ።

“ዕለት ሓደ ሓምለ ምስቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ቀንዲ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገር ቫቲካን ክራኸብን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ንምስትንታን ከምኡ እውን ሰላምን ርግኣትን ንክትረክብ ብሓባር ክጽሊ እየ፥ እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ እውን ነታ ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ዘሃሪሳ ኣማላድነት ሕድሪ እህብ። ካብዛ ህሞት እዚኣ ኸኣ ነዚ ፍጻሜ እዚ ንምድላው ብሓድነት ብምጽላይ ነታ ፍቕርቲ ሃገር ዝያዳ ህድኣት ዘለዎ መጻኢ ክትጽገው መታን ብጸሎት ክትሓብሩ ሓደራ ቢሎም ነበሩ።”

በዚ ጻውዒት እዚ መሠረት ከኣ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓም ሃገረ ሊባኖ ነቲ ከቢብዋ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ንምስጋር ብርሃን ተስፋ ካብ እግዚአብሔር ንምልማን ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ናይታ ሃገር ጸሎት ኣዕሪጎም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ትማል ሮቡዕ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ንኩሎም ከከም ኣመጻጽኣኦም ሰላምታ እንከቅርቡ ካብ ሃገረፖላንድ ዝነቅሉ መንፈሳዊ ንግደት ብእግሮም ኣብ መካነ ንግደታት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘካይዱ ዘለው እውን ስለዝነበሩ ድሕሪ ሰላምታ ኣብ ኩሉ ዝኸድዎ መካነ ንግደታት ቅድስት ድንግል ማርያም ስለሰላም ሃገረ ኡክራይና ክምህለሉ ሓደራ ከምዝበልዎም ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2022, 14:05