ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ፓኪስታን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ፓኪስታን ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ፓኪስታን ይጽልዩ

ንመላእ ዓለም ምሕረትን ሰላም በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተማሕጺኖም፥ ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይ ንዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩን ሰባት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ላኵይላ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር ምስ ኵሎም መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ምስ ደገሙ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ሃገረ ፓኪስታን በቲ ዘጋጠመ ከቢድ ኣዕናዊ ምዕልቕላቅ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ቅርበቶም ገሊጾም ኣብቲ እቲ ህዝቢ ዘድልዮ ቀረባ ክንከውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ዩክረይንን ኩሎም ብሰንኪ ኲናት ዝሳቐዩን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከተማ ላኵይላ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኮለማጆ ቅርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝሓበሩ ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዘድሊ ምቅርራባትን ውዳበን ንዝገበሩ በርገሳውያ ሰበ ስልጣን ወለንተይናታትን ኣኽበርቲ ሕግን ሓይልታት ጸጥታን ኩሎም እቶም ኣብዚ ዑደት እዚ በቢ ወገኖምን ከከም ሓላፍነቶምን ኣስተዋጽኦ ንዝገበሩ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ንዅሎም ካብ ቤቶምን ካብ ዝርከብሉ ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ማእሰርትን ኮይኖም ንዝተሳተፉ እውን ቃል ሰላምታ ኣመሓላፊሎም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቲ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ጠንቂ ምዕልቕላቕ ማይ ከቢድ መዓት እንክብሉ ገሊጾም፥

ነቲ ብኣዕናዊ ምዕልቕላቅ ማይ ንዝተሃስየ ህዝቢ ፓኪስታን ቅርበተይ ኣረጋግጽ። ምእንቲ እቶም ብርክት ዝበሉ ግዳያት ምእንቲ እቶም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ካብ ኣባይቶም እተመዛበሉን እውን ቅርበተይን ጸሎተይን እናረጋገጽ፡ ኣህጉራዊ ሓገዝን ልግስን ቅልጡፍ ክኸውን እጽሊ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ቁጽሪ ክብ ይብል ምህላውን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖ ጻውዒት ከም ዝቀረበን፡ ብሰንኪ ዝናም ሞንሱን ካብ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ህዝቢ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞ ናይታ ሃገር ሓገራዊ ሓደጋ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ሓቢሮም፡ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ፓኪስታን ከም እተመዛበሉን ሚንስትሪ ልወጢ ኵነታት ኣየር ፓኪስታን እውን ብወገኖን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዝናብ ሞንሱን ስዒቢ ብዝተፈጥረ ውሕጅ ንልዕሊ 30 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ከም ዝጸለወን እቲ ምዝባዕ ምህዳር ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋ ዓቢይ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

ሰላም ንውግእ ኣይፋል ምባል

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ንመላእ ዓለም ምሕረትን ሰላም በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተማሕጺኖም፥ ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይ ንዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩን ሰባት” እጽሊ ኣምላኽ ሰላም ኣብ ልቢ መራሕቲ ህዝቢን ማሕበረ ክርስትያና እውን ናይ ርህራሀን ምሕረትን ስምዒት የበራብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 Aug 2022, 15:47