ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላኵይላ ቅዱስ በሪ ቸለስቲያን ዘምሕረት ከፊቶም

ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ኮለማጆ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ፈጺሞም ንዅሎም ነቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ኮለማጆ ንዝርከቡ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ኢጣሊያ ኣብ እትርከብ ከተማ ላኵይላ ኣብ ዘሎ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዘኮለማጆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 28 ክሳዕ ዕለት 29 ነሓሰ ዝኽበር ቸለስቲያዊ ዘምሕረት ናይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኮለማጆ ቅዱስ በሪ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ከም ዝፈጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ኮለማጆ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዝርክብ ቅዱስ በሪ በቢ ዓመቱ ካብ ዝበዓል መበል 728 ናይ ዘቑጽር ዘሎ ቸለስቲናዊ ዘምሕረት ናይ ምኽፋት ስነ ዝርዓት ከም ዝፈጸሙን እቲ “ቸለስቲናዊ ምሕረት” ኣብ መንጎ ዕለት 28ን ዕለት 29 ነሓሰ ኣብ ኣኵይላ በቢ ዓመቱ ዚበዓል ታሪኻውን ሃይማኖታውን ፍጻሜ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ በዓላት እውን ዝስነይ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብር.ሊ.ጳ. ቸለስቲኖ ሓምሻይ ኣብ 1294 ዓ.ም. “ኣብ መንጎ በዓላት ቅዱሳን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወሰንዎ ኮይኑ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንዝናዘዝን ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኮለማጆ ዝነግድን ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝፍጽምን ኵሉ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝጽገወሉ እዩ  ከም ዝበሉን፡ ደሓር እውን ኣብ 1300 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ቦኒፋቾ ሻምናይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኢዮበል ክኸውን ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሱ እንከመላኽት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ በሪ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ኮለማጆ ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ፈጺሞም ንዅሎም ነቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ኮለማጆ ንዝርከቡ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብቲ ባዚሊካ ውሽጢ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ቅዱስ ቸለስቲኖ ሓምሻይ ቅዱስ ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ስፍራ ፊት ጸሎት ከም ዘዕረጉን ልክዕ ሰዓት 12.30 ደቓይቕ ብምእመናንን ሰበ ስልጣናትን ጳጳሳትን ድሕሪ ዝተገበሩሎም ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ኣብ ላኵይላ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዛዚሞም  ብሄሊኮፕተር ተጓዒዞም ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Aug 2022, 15:51