ዝተፈላለዩ ተልእኮታት ንምእመናን ምሃብ ሃብቲ እዩ! እንተኾነ ንምእመናን ናብ ውሉደ ክህነት ምቅያር ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ብስም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ፕረሲደንት ማእከል ተግባር ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኾነ ሊቀ ጳጳስ ካታንዛሮ እስኲላቸ ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ማንያጎን ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ዓውደ መጽናዕትን ልባዊ ሰላምታ ምስ ገለጹ፣ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ መሪሕ ቃል ‘ልኡካን ኣብ ኣገልግሎት ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን’ ዝብል ኮይኑ እዚ ከኣ ‘ኣብዚ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሲኖዶሳውነት እትሰናደዎ ዘሎ ሁመት ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ይህቦ’ እንክብሉ ገሊጾም። ብፁዕነቶም ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መምርሒ ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ዝሃብዎ መምርሒ ብምዝኽኻር ሎሚ ከም ሎሚ ኩልና ኣብ ጥበብ ርክብ ለዚብና ነቲ ዘሎና ዝተወፈላለየ ውህበታትን ጸዋዕታን ተልእኮን መህብተሚና ክሳብ ዝኸውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ሓደራ ዝበልዎ ንተጋባእቲ ሃገራዊ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ጣልያን ከምዝምልከቶምን ከፍርዩሉ እዋኑ ከምዝኾነን ኣዘኻኺሮም።
ብፁዕነቶም ካብዚ ብምቅጻል ካብዚ ከምዚ ዝበለ ሃብታም ጉባኤ ማለት ጳጳሳት ካህናት ዲያቆናት ገዳማውያን ገዳማውያትን ብዙሓት ምእመናንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ጣልያን ተጋቢኦም ብሓባር ዝዛተዩሉን ዘጽንዑሉን ዓደ መጽናዕቲ ትጽቢት ቅዱስነቶም ብቀንዱ እዛ ብቅዕቲ ጉባኤ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ሃገረ ጣልያን ዝውዕል ዓሚቊ መጽናዕቲ ተሎግያውን ሥርዓተ ኣምልኾኣውን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮኣውን ትርጉም ልኡካን ኣገልግሎት ብምንጻር ማሕበረ ክርስትያን ኩሎም ንሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ዝኸውን መመያ ከምዝረኽቡሉ ክገብሩ ብዙሕ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።
ብዛዕባ ኣገልግሎት ዝተዋህበ ትምህርታት!
ብፁዕነቶም ናብ ታሪኽ ኣገልግሎት ምእመናን ኣብ ቤተክርስትያንን መምርሒታቱን ብዝምልከት 50 ዓመት ንድሕሪት ምልስ ቢሎም ነቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ሚኒስተርያ ኰዳም ገሊኦም ኣገልግሎታት ወይውን ተልእኮታት ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽእዎ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ብምዝካር ብ1972 ዓም ነቲ ክሳብ ሽዑ ከም ንኡሳን መዓርግ ተባሂሎም ምስ ዓበይቲ መዓርግ ዝጽግዑ ንዝነበሩ እንትፍሮ እተን ኣንባቤ መጻሕፍትን ኣናጒንስጢስን ዝብላ ንሰን ከኣ ምስ ዓበይቲ መዓርጋት ምንም ምትእስሳር ዘይብለን ርእሰን ዝኸኣላ ተልእኮታት ክኾና ብምቋም ነተን ዝተረፋ ከም ማለት ዓጻዌ ኆኅትን ኣውጻኤ ኣጋንንት ከምዝሰረዝወን ንመዓርግ ንፍቀ ዲቊና ቀስ ብቀስ ብምስራዝ ማንም ካብ ንኡሳን መዓርጋት ምስ መዓርገ ክህነት ምትእስሳር ከምዘይብሉ ካብ ዝገለጹሉ ሰነድ ብምብጋስ፣ ቅዱስነቶም ካብዚ ጉባኤን ካብታ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያንን ዝጽበይዎ ማሕበራዊት ቤትክርስትያን ናይ ኩሉ ዝኾነት ኮይና ዕብለላ ውሉደ ክህነት ብዙሕ ዘይረኣየላ ኩሎም ምእመናን ብሓባር ዝጐዓዙላን ዘገልግሉላን ቤተክርስትያን ምዃኑ ገሊጾም። ብፁዕነቶም ካብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስፒሪቱስ ዶሚኒ መንፈስ ጐይታና ዝብል ብወርሒ ጥሪ 15 2021 ዓም ዝተጻሕፈ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ይሰግሩ እሞ ነቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ርእሰን ዝኸኣላ ኣገልግሎታት ቢሎም ዘቈምወን ተልእኮ ኣንባቤ መጻሕፍትን ኣናጒንስጢስን ደቂ ኣንስትዮ ክቀበላኦ ብምፍቃድ ከማኡ እውን ኣንቲኩም ሚኒስተርዩም መምህር ትምህርቲ ክርስቶስ ምዃን ጥንታዊ ተልእኮ እዩ ዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ብግንቦት 10 2021 ዓም ብምጽሓፍ ምስተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ክልተ ከም ሳልሰይቲ ምምህርና ትምህርቲ ክርስቶስ እውን ከም ተልእኮ ኣገልግሎት ኣቈምዎ እንክብሉ ምእመናን ብዕሊ ክለኣኹለን ዝኽእላ ርእሰን ዝኸኣላ ተልእኮታት ኣንባቤ መጻሕፍትን ኣናጒንስጢስን መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ምዃነን ገሊጾም። ኣብዚ ዚካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ጣልያነከስ ነዚኤን ብዕምቈት ዝርእዩሉን ንምድንፋዕ እዘን ተልእኮታት ዝሕግዙሉን ክኸውን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።
ዘበርክትዎ ተራ ከየደባልቅካ ንምእመናን ዋጋ ምሃብ የድሊ!
ብፁዕነቶም ቤተክርስትያን ከም ምሥጢር ውህደትን ሓድነትን ናብ ዝብል ትርጉም ምልስ ብምባል ከኣ እዚ ክዕወት እንተኾይኑ ግደ ምእመናን ኣብ ተልእኮ ቤተክርስትያን ኪዓዝዝ ነፍስወከፍ ምእመን ዘለዎ ጸዋዕታን ተውህቦን ከለሊ እሞ ኣብ ብዙሕነት ውህደት ዝፍጠረሉ ኣበርክቶ ነፍስወከፍ ግምትን ዋናን ክወሃቦ ኣብዚ ግን ኣብ መንጎ ሓባራዊ ክህነትን ግብረ ክህነት ተልእኮን ምድብላቅ ከይህሉ ምጥንቃቅ ከምዘድሊ ካብቲ ዓብላሊ ውሉደ ክህነታዊ ኣተሓሳስባ ሓራ ምዃን ከምዘድሊ ብምብራህ መልእኽቶም ዛዚሞም።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ክሳብ ዝመጽእ ዕለ 25 ነሓሰ ክቅጽል ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።