ኣብ መወዳእታ ሓቀኛ ዕውታት ዝበሃሉ ትሑታት እዮም! ሥቃይኩም ኣይትረስዑ!ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቸለስቲኖ ዝበሃል ቅዱስን በዓል ራእይን ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ ናይ ምሕረት ዕለት ብምእዋጆም ፍሉይ ዕለተ ምሕረት ቸለስቲኖ ተባሂሉ ኣብቲ ከባቢ ንዝዝውተር ብር.ሊ.ጳ ቸለስቲኖ 5ይ ዝጀመረ ሠናይ ተግባር ዳግም ንምብርባርን ማዕጾ ምሕረት ንምርሓውን ኣብ ከተማ ኣኲላ ዝተረኽቡ ቅዱስነቶም ከምቲ ቅዱስ ቸለስቲኖ ዝበሎ ናይ ኣይፋል ሰብ ዘይኮነ ናይ ሕራይ ሰብ ብምንባሮም ብኣመላኽታ ዓለም ዝጠፈሹን ምንም ዋጋ ዘይመሃቦም ዝመስሉ ኣብዚ ዓለም ብትሕትና ጐይታ ዝመላለሱ ሰባት ከም ሓቁ እንተኾይኑ ኣብ መወዳእታ ሓቀኛ ዕውታት ትሑታት ምዃኖም፤ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ድኻምነቶም ፈሊጦም ምሉእ ብምሉኡ ኣብ እግዚኣብሔር ሰለዝተኣማመኑ ፍቃዱ እንታይ ምዃኑ ቀልጢፎም ከምዝርድእዎ ከምዚ ክብሉ ገልጹ።
ምሕረት ናብ ትንሣኤ የቅርበና!
ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ዝደጋግምዋ ጒዳይ እንተልያ ምሕረት እግዚኣብሔር ኰይና ኣብዚ ናይ ዕለተ ምሕረት ቸለስቲኖ ከኣ ምእንታኣ ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝፍጽሙ ብምዝካር ቀንዲ ሕመረት ወንጌል ምሕረት ምዃኑ ይገልጹ፤ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ሓሳረ መከራና ከምዝተፈቀርካ ምዃንካ ምፍላጥን ምሕረትን ወትሩ ብሓደ እየን ዝጐዓዛ፣ ሓሳረ መከራና እነተዘይተረዲእና ምሕረት እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ከጸግመና እዩ። ኣማኒ ምዃን ማለት ናብ ሓደ ዘይፍሉጥን ዘፍርህን ኣምላኽ ምጽጋዕ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ናብቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦን ዘድሕነና ፍቅርን ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽጋዕ እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ እቲ ምሕረት እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ብምሕረት ጥራይ ኢና ብዛዕባ ሓሳረ መከረና ክንዛረብ እንኽእል፣ እንትርፎ በዚ መንገዲ እዚ ብካልእ መንገዲ ናብ ምሕረትስ ይኹን ናብ ሓሳረ መከራኡ ክበጽሕ ዚሓስብ ይጋገ፣ ስለዚኸስ ኩነትካ ብሓቂ ምፍላጡ ኣድላዩ ምዃኑ ምስ ገለጹ ከተማ ኣኲላ ነዚ ዓቢ ውህበት ቸለስቲኖ 5ይ ቀጥ ኣቢላ ከምዝሓዘቶ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ንስቃይ ካልኦት ንምርዳእ ዝወሃብ ጸጋ!
ቅዱስነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዘዕርጉሉ ባዚሊካ ኮለማጆ ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ቦታ እዚ ቦታ ዕርቅን ቦታ ጸጋን ኰይኑ ነፍስወከፍና ካብ ዝነበርናዮ ውድቀት ተንሢእና ዳግም ብክልተ እግርና ደው ቢልና ሓዲስ ጒዕዞ ሕይወት እንጅምረሉ ካልኣይ ዕድል እነስተማቅረሉ ጸጋ ክኸውን ከመይ ኣምላኽና ካልኣይ ዕድል ዝህብ ክልተ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ሾብዓተ ወረ ሰብ ዓ ግዜ ሸውዓተ ዕድላት ዝህብ እዩ፣ ኣምላኽና ወትሩ ካልእ ተኽእሎ ካል እ ዕድል ዝህብ ስለዝኾነ እዚ ሎሚ ንኸፍቶ ዘሎና ማዕጾ ምሕረት ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮን ንዘለዓለም ንኩሉ ዕለታት እዩ ምኽንያቱ ከኣ በቲ ዝተቀበልናዮ ዘወፈናዮን ምሕረት እዩ ሰላም ዝህነጽ እንክብሉ ብሕጽር ዝበለ ቃላት ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ናይታ ዓድን እቲ ቅድሚ ዓመታት ነታ ዓዲ ብዘጋጠመ ርዕደ መሬት ዝሰዓበ ዕንወንትን ገና ክትንሥ ኡ ዝገብርዎ ዘለዎ ቃልስን ብምዝካር እቲ ፍጻሜ ቃንዛ ካልኦት ንምስማዕን ነቲ ዝተዋህቦ ትዕድልቲ ከምዘስተማቅሩ ኣብ ምግባርን ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ብምግላጽ ነዚ ሓሳረ መከራኦም ብፍሉይ መንገዲ ከምዘስተማቅሩ ዝገበሮም ፍጻሜ እዚ ወትሩ ክዝክርዎ ሓደራ ቢሎምዎም።
መንፈሳዊ ምንቅጥቃጥ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምፍጻም ስብከቶም ንተመኲሮ ምንቅጥቃጥ መሬት ናብ መንፈሳዊ ኩነታት ብምውሳድ መንፈሳዊ ምንቅጥቃጥ ነፍሲ እውን ከምዘጋጥም ገሊጾም፤ ከምቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ክንደይ ድሩታትን ኣብ ሓሳረ መከራ ከም እንነብርን ዘግህደልና ናይ ነፍሲ ምንቅጥቃጥ እውን ምንም ዘይብልና ብኩሉ ድኹማትን ውዱቃትን ኮይኑ እኳ ከምዝስመዓና ዝገብር ዓንተኾነ ትሕትና ለዋህትን ካባኡ ክትመሃርን ሓለውትን መስከርትን ምሕረትን ናይ ምዃን ዕድል ይህበና ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ምሕረት ዝተቀበለ ክምስክር ልዕሊ ኩሉ ከምቲ ጐይታ ንዓኡ ኣብ ሓሳረ መከራኡ ምሕረት ዝጸገዎ ንሱ እውን ብግዲኡ ናብ ካል ኦት ከመሓላልፋ ከም ናቱ ዘይኮነ ከኣ ከም ውህበት ኣምላኽ ክዕቅባን ከመሓላልፋን ግዱድ ምዃኑ ገሊጾም።