ድለ

ኣብ መወዳእታ ሓቀኛ ዕውታት ዝበሃሉ ትሑታት እዮም! ሥቃይኩም ኣይትረስዑ!ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣኲላ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ባዚሊካ ኮለማጆ ዝርከብ ቅርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ ‘ርእሱ ዘኽብር ኲሉ ኽዋረድ እዩ፤ ርእሱ ዘትሕት ግና ክኸብር እዩ’ እትብል ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ከኣ ከተማ ኣኲላ ብሓቂ ርእሰ ከተማ ምሕረትን ሰላምን ዕርቅን ንክትከውን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቸለስቲኖ ዝበሃል ቅዱስን በዓል ራእይን ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ ናይ ምሕረት ዕለት ብምእዋጆም ፍሉይ ዕለተ ምሕረት ቸለስቲኖ ተባሂሉ ኣብቲ ከባቢ ንዝዝውተር ብር.ሊ.ጳ ቸለስቲኖ 5ይ ዝጀመረ ሠናይ ተግባር ዳግም ንምብርባርን ማዕጾ ምሕረት ንምርሓውን ኣብ ከተማ ኣኲላ ዝተረኽቡ ቅዱስነቶም ከምቲ ቅዱስ ቸለስቲኖ ዝበሎ ናይ ኣይፋል ሰብ ዘይኮነ ናይ ሕራይ ሰብ ብምንባሮም ብኣመላኽታ ዓለም ዝጠፈሹን ምንም ዋጋ ዘይመሃቦም ዝመስሉ ኣብዚ ዓለም ብትሕትና ጐይታ ዝመላለሱ ሰባት ከም ሓቁ እንተኾይኑ ኣብ መወዳእታ ሓቀኛ ዕውታት ትሑታት ምዃኖም፤ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ድኻምነቶም ፈሊጦም ምሉእ ብምሉኡ ኣብ እግዚኣብሔር ሰለዝተኣማመኑ ፍቃዱ እንታይ ምዃኑ ቀልጢፎም ከምዝርድእዎ ከምዚ ክብሉ ገልጹ።

“ኣብቲ ብትዕቢትን ኣነነትን መን ከማይ ዝብል መንፈስን ዝተጐብኤ መንፈስ ዓለም ንዘሎና ናይ ሎሚ ቃል ኣምላኽ ትሑታትን የዋሃትን ክንከውን ይዕድመና። ትሕትና ክንብል እንከሎ ንገዛእ ርእስኻ ዋጋ ኣብ ምኽላእ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ ዝኸበደ ሓሳረ መከራ እንክሎኻውን ከይተረፈ ብቅርዑይ ኣተሓሳስባ ተኽእሎታትና ምፍላጥ እዩ። ካብ ሓሳረ መከራና ነቂሉ ትሕትና ንጠመተና ካባና ኣልዩ ናብ እግዚኣብሔር ከም እንገብር እሞ፤ ነቲ ንሕና በይንና ክንገብሮን ክህልውነናን ዘይከኣል ንሱ ንኩሉ ስለዝኽእል ከምንገብሮን ከምዝህልወናን ይገብር፤ ሓይሊ ትሑታንከስ ኣብ ዝተፈላለየ መደባትን ብልሓትን ደቂሰባት ወይውን ናይዚ ዓለም መጋበሪታትን ጥበባትን ጸብጻባትን ዘይኮነ እግዚኣብሔር እዩ። በዚ ከምዚኸስ ቸለስቲኖ 5ይ ናይ ወንጌል ተባዕ ምስክር ወንጌል ኮይኖም፤ ማንም ካልእ ሓይሊ ነዚ ወንጌል ዝህቦ ኪኣስሮ ወይውን ከመሓድሮ ዝኽእል ከምዘየለ ተገንዘቡ። ኣብዞም ር.ሊ.ጳ እዚኦም ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ነጻ ዝኾነትን ብምልኣት ነቲ ምሕረት ዝኾነ ስም እግዚኣብሔር እትምስክርን ሓራ ዝኾነት ቤተክርስትያን ንምልከት ኢሎም።”

ምሕረት ናብ ትንሣኤ የቅርበና!

ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ዝደጋግምዋ ጒዳይ እንተልያ ምሕረት እግዚኣብሔር ኰይና ኣብዚ ናይ ዕለተ ምሕረት ቸለስቲኖ ከኣ ምእንታኣ ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝፍጽሙ ብምዝካር ቀንዲ ሕመረት ወንጌል ምሕረት ምዃኑ ይገልጹ፤ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ሓሳረ መከራና ከምዝተፈቀርካ ምዃንካ ምፍላጥን ምሕረትን ወትሩ ብሓደ እየን ዝጐዓዛ፣ ሓሳረ መከራና እነተዘይተረዲእና ምሕረት እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ከጸግመና እዩ። ኣማኒ ምዃን ማለት ናብ ሓደ ዘይፍሉጥን ዘፍርህን ኣምላኽ ምጽጋዕ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ናብቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣቦን ዘድሕነና ፍቅርን ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽጋዕ እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ እቲ ምሕረት እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ብምሕረት ጥራይ ኢና ብዛዕባ ሓሳረ መከረና ክንዛረብ እንኽእል፣ እንትርፎ በዚ መንገዲ እዚ ብካልእ መንገዲ ናብ ምሕረትስ ይኹን ናብ ሓሳረ መከራኡ ክበጽሕ ዚሓስብ ይጋገ፣ ስለዚኸስ ኩነትካ ብሓቂ ምፍላጡ ኣድላዩ ምዃኑ ምስ ገለጹ ከተማ ኣኲላ ነዚ ዓቢ ውህበት ቸለስቲኖ 5ይ ቀጥ ኣቢላ ከምዝሓዘቶ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሕይወት ነፍስወከፍ ወዲተባዕታይስ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ብመንገዲ ምሕረት ጥራይ ብሓጎስ ክንበር ከምዝከኣል ንኩልኹም ምዝኽኻርከስ ክብሪ ይህበና፤ ምሕረት ክንብል እንከሎና ጐይታ ሃንጐፋይ ቢሉ ከምዝተቀበለና ነስተማቅር ሓዊናን ሓዲስ ሓይሊ ለቢስናን ዳግም ብክልተ እግርና ደው ቢልና ጒዕዞና ናይ ምቅጻል ተመኲሮ የቅስመና፤ ዝተመሓርካ ምዃን ሕጂ ኣብዚ ቦታዚ ናብ ትንሣኤ ገጽና ከምዝቀረብና ነስተማቅረሉ ሁመት እዩ፣ ምሕረት ማለት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምስግጋር ኮይኑ ካብ ስቃይን ወቀሳ ሕልናን ናብ ነጻነትን ታሕጓስን እንሰጋገረሉ እዩ፣ ስቃይ ካልኦት ንምርዳእ ዝወሃበና ትዕድልቲ እውን እዩ ኢሎም።”

ንስቃይ ካልኦት ንምርዳእ ዝወሃብ ጸጋ!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዘዕርጉሉ ባዚሊካ ኮለማጆ ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ቦታ እዚ ቦታ ዕርቅን ቦታ ጸጋን ኰይኑ ነፍስወከፍና ካብ ዝነበርናዮ ውድቀት ተንሢእና ዳግም ብክልተ እግርና ደው ቢልና ሓዲስ ጒዕዞ ሕይወት እንጅምረሉ ካልኣይ ዕድል እነስተማቅረሉ ጸጋ ክኸውን ከመይ ኣምላኽና ካልኣይ ዕድል ዝህብ ክልተ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ሾብዓተ ወረ ሰብ ዓ ግዜ ሸውዓተ ዕድላት ዝህብ እዩ፣ ኣምላኽና ወትሩ ካልእ ተኽእሎ ካል እ ዕድል ዝህብ ስለዝኾነ እዚ ሎሚ ንኸፍቶ ዘሎና ማዕጾ ምሕረት ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮን ንዘለዓለም ንኩሉ ዕለታት እዩ ምኽንያቱ ከኣ በቲ ዝተቀበልናዮ ዘወፈናዮን ምሕረት እዩ ሰላም ዝህነጽ እንክብሉ ብሕጽር ዝበለ ቃላት ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኩሉ ግብ ቢሉ ኣብ ዝጸልመተሉ ናብራ ሓሳረ መከረና ከመይ ገቢርና ኢና ናብ ምሕረት ክንበጽሕ ንኽእል፤ ካባኡ ብምንቃል እዩ ኣባኡ ኣብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ቁሩብ ጩራ ብርሃን ኣይትስእንን ኢኻ፣ በታ ጩራ ጠኒንካ ም እታው የድ ሊከመይ ኣብቲ ሓሳረ መከራና ን እሽቶ ጩራ ብርሃን ዝሰደድ ጐይታ ብምሕረቱ እዩ፤ ሎሚ ንግሆ ንኣብነት ኣብ ሄሊኮፕተር እንከሎኹ ነዚ እሓስብ ነረ፤ ኣብ ከተማኹም ከተማ ኣኲላ ምስ በጻሕና ጽዑቅ ንኩሉ ሸፊንዎ ምንም ክንር ኢ ኣይከኣልናን፣ እንተኾነ እቲ ኣብራሪ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዕንክሊል ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ንእሽቶይ መስለዂ ረኺቡ ብሰላም ከዕለበና ክኢሉ ብሓቂ ንፉዕ መምህር እዩ፤ ኣብ ሕይወትና ሓሳረ መከራና ምስ ሓሰብኩ ከማኡ ከምዝኾነ ተረዲኤ። ብዙሕ ግዜ ኩነትናን መንነትናን እንክምልከትን እንክንሓስብን ዕንክሊል ንብል እንትኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ጐይታ ን እሽቶ መስሎኺ ይፈጥረልና ተቀላጢፍና ነዚኣ ምሓዝ የድሊ፤ ኣብ ሓሳረ መከራና ዝመጽ እ ምሕረትከስ እዚ እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ናይታ ዓድን እቲ ቅድሚ ዓመታት ነታ ዓዲ ብዘጋጠመ ርዕደ መሬት ዝሰዓበ ዕንወንትን ገና ክትንሥ ኡ ዝገብርዎ ዘለዎ ቃልስን ብምዝካር እቲ ፍጻሜ ቃንዛ ካልኦት ንምስማዕን ነቲ ዝተዋህቦ ትዕድልቲ ከምዘስተማቅሩ ኣብ ምግባርን ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ብምግላጽ ነዚ ሓሳረ መከራኦም ብፍሉይ መንገዲ ከምዘስተማቅሩ ዝገበሮም ፍጻሜ እዚ ወትሩ ክዝክርዎ ሓደራ ቢሎምዎም።

መንፈሳዊ ምንቅጥቃጥ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምፍጻም ስብከቶም ንተመኲሮ ምንቅጥቃጥ መሬት ናብ መንፈሳዊ ኩነታት ብምውሳድ መንፈሳዊ ምንቅጥቃጥ ነፍሲ እውን ከምዘጋጥም ገሊጾም፤ ከምቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ክንደይ ድሩታትን ኣብ ሓሳረ መከራ ከም እንነብርን ዘግህደልና ናይ ነፍሲ ምንቅጥቃጥ እውን ምንም ዘይብልና ብኩሉ ድኹማትን ውዱቃትን ኮይኑ እኳ ከምዝስመዓና ዝገብር ዓንተኾነ ትሕትና ለዋህትን ካባኡ ክትመሃርን ሓለውትን መስከርትን ምሕረትን ናይ ምዃን ዕድል ይህበና ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ምሕረት ዝተቀበለ ክምስክር ልዕሊ ኩሉ ከምቲ ጐይታ ንዓኡ ኣብ ሓሳረ መከራኡ ምሕረት ዝጸገዎ ንሱ እውን ብግዲኡ ናብ ካል ኦት ከመሓላልፋ ከም ናቱ ዘይኮነ ከኣ ከም ውህበት ኣምላኽ ክዕቅባን ከመሓላልፋን ግዱድ ምዃኑ ገሊጾም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
29 Aug 2022, 13:33