ድለ

astana fiori.jpg

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዕለት 13 ክሳብ 15 መስከረም ናብ ካዛክስታን ክኸዱ እዮም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሻብዓይ ዓለምሓቆፍ ኮንግረስ መራሕቲ እምነትታት ዓለምን ዓበይቲ ባህላውያን መራሕትን ኣብ ርእሰ ከተማ ካዛክስታን ኑርሥልጣን ስለ ሰላምን ሃይማኖት ኣብ ደገፍ ግጭታት ከይውዕል ዝከላኸልን ጉባኤ ንክሳተፉ ንሃገረ ካዛኽስታን ክገሹ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ካናዳ ንሮማ እንክምለሱ ኣብ ነፋሪት ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ቃለምልልስ ኣውኪኦሞ ነበሩ። ብዛዕባ ጥዕናኦምን ኣብ ጒዕዞ ዘስዕበሎም ድሩትነትን ተሓቲቶም እንክምልሹ እዚ ድሩትነት እዚ ንግዜኡ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ ናብ ካዛኽስታን ክኸዱ ግን ድላይ ከምዘለዎም ምስ ገለጹ እዚ ናብ ካዛክስታን ዝገበርዎ ጒዕዞ ህዱእ ከምዝኸውን እውን ገሊጾም ነበሩ። ቀንዲ ምኽንያት መህድኢኡ ከኣ ከምቲ ካልኦት ሓዋርያውያን ጒዕዞታት ብዙሕ ላዕሊ ታሕትን ውረድ ደይብን ዘይብሉ ብምዃኑ ሓበሬታ ሂቦም ነበሩ።

ሎሚ ንግሆአ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ከምዝሓበሮ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ቅዱስነቶም ሓዲስ ምብጻሕ ናብ ወጻኢ ሃገር ከምዝገብሩ ኣመልኪቱ። ክፍሊ ሕትመትን ዜናን ሃገረ ቫቲካን ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ‘ር.ሊ.ጳ ናብ ኤሽያዊት ሪፓብሊክ ርእሰ ከተማ ኑርሥልጣን ካብ ሰሉስ 13 መስከረ ክሳብ 15 መስከረም ኣብቲ ሻብዓይ ኮንግረስ ኦፍ ሊደርስ ኦፍ ዎርልድ ኣንድ ትራዲሾናል ረሊጅዮንስ ማለት ናይ መራሕቲ እምነታትን ባህልታትን ዓለምና ኮንግረስ ክሳተፉ እዮም’ እንክብል መግለጺ ሂቡ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኮንግረስ ተመልኪቱ ከምዘሎ ከኣ ቀንዲ ዛዕባ እዚ ኮንግረስ ንሰላምን ውህደትን ተጻዋርነትን ንህላዌ ደቂሰባት ነቅ ዘይብሉ መምርሒታት ምዃኖም ምጽዳቅ ዝብል እንክኸውን ንእግረ መንገዶም ከኣ ናይ ደቂሰባት ሃማኖታዊ ስምዒታት ተጠቂምካ ግጭትን ጽልእን ንምብራዕ ንዝግግበር ዝኾነ ጐስጓስ ንምውጋዝ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመስከረም 200ቅ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ካዛክስታን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብቲ ካብ ጻት ናብ ጻት ብሕዝቢ መሊኡ ዝነበረ ናይታ ከተማ ኣደባባይ ነጻነት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እታ ሃገር ሓደ ተልእኮ ከምዘለዎ እዚ ዓቢ ተልእኮ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እምነታትን ሃገራትን ኣህጉርን መራኸቢ ድልድል ምዃን ምዃኑ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

03 Aug 2022, 10:15