ፍራንቸስኮ ንውፉያን ዓለማውያን፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ዝብል ባህሊ ኣስፍሑ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን፥ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ናይ ውፉያን ዓለማውያን ማሕበራት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ናይ ህዝቢ ጓህን ሓጐስን ኪሰምዑን ኪካፈሉን ሓደራ ከም ዝበሉን ጻውዒት ሰማዒ ምዃን ማለት እውን እዩ፥ “ቤተ ክርስቲያን ናይ መህድእን መዕረፍን ቤተ መርመራ ኣኮነትን፥ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ እያ” ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
በገባብ እግዚኣብሔር ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መግለጺ ዘለዎ ጸዋዕታ ብምስዓብ ነዚ ኣብ ጸሎት ብምስትንታን ኣብ መንጐ ኣህዛቢ ምዃን፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ ንተጋባኣያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ውፉያን ዓለማውያን ማሕበራት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ በቲ ቅድሱነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ተበጊሱ “ኣገልግሎት ስልጣንን ሲኖዳውነትን” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝካየድን ክሳዕ ዕለት 27 ነሓሰ ዝቕጽል ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዋላ’ኳ ከም ጓሶት ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ በቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም “ቄስስነት” ብዝብል ኣገባብ ዝተዓግተ እውን እንተመሰለ ብርታዐ ኣብ ዝጐድለሉ እዋን እውን ከይተረፈ መገድታት ኣብ ምቕናዕ ሓያል ኣተኵይሮ ገይሮም ክጓዓዙ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ዓለም ዘይተነጸለት ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን
ቤት ምኽሪ ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን፥ ውፉይ ዓለማዊ ምዃን ብባህርይኡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎን ምስ ህዝብታትን እትጓዓዝ ምዃና መግለጺ እዩ፥
ንሕና ጨውን መባዅዕትን ኣብ ምዃንና ናይታ ዘርኢ ሕውነትን ተስፋን ድሕነት ክትከውን ኣብ ዓለምን ታሪኽን ዝጠሓለት ቤተ ክርስቲያን እምበር ካብ ዓለም ዘይተፈልየት ናብ እትብል ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ!
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ስለ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክርከቡ ዝገብሮም ጸዋዕታኦም ድማ ኣመስጊኖም ንኢዶምን በገባብ እግዚኣብሔር መሰረት ኣብቶም ናይ ሎሚ ሰባት ልቢ ዘሎ ጽን ክብሉን ከለልዩን መታን ምስ ህዝቢ ኣብ ሓጐሱን ስቓዩን ክሳተፉ ከም ዝግባእ ምዒዶም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናይ እግዚኣብሔር ሰናይን ለውሃትን መሰኻኽር
ኣብ ተራ ሂወት ኣብቲ ሰባት ዝጓዕዙሉ ድኻምን ቃንዛን ዝበዝሓሉ መሰል ዕሽሽ ዝበሃለሉ ኵናት ህዝብታት ኣብ ዝገማምዓሉ ኵነት፥ ከምቲ ኢየሱስ ዘርኣየና ድሕነት እግዚኣብሔር ምቕራብ፥
ብዛዕባ ሰናይን ለውሃትን ኣምላኽ መዓልታዊ ብምልክት ፍቕሪ ክትምስክሩ ዝተጸዋዕኵም ኢዅም
ስለዚ በቲ ብኢየሱስ ዝተነብረ ኣገባብ ህይወት መሰረት ምስ ህዝብን ኣብ መንጎ ህዝቢ ምዃን የድሊ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሓይልና ኣብ ክርስቶስ
ንትብዓትን ሓይልን ምጽላይን ብጽሞና ክርስቶስ ምስትንታን፥
ምስ ኢየሱስ ብጸሎት ምርኻብ ልብኻ ብሰላሙን ፍቕሩን ይመልእ፡ ስለዚ እዩ ድማ ንኻልእ ከተካፍሎ ትኽእል!
ቢሎም ኣስዒቦም ድማ “ኣምላኽ ብትግሃት ምድላይ፡ ምስ ቅዱስ መጻሓፍ ምልላይን ጥብቂ ርክብን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ምክፋልን ንፍረ ኣገልግሎት መፍትሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ድኻም ኣይሰማዓኵም
ቅዱስነቶም ናይ ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዶባት መራኸቢ መገድታት ናይ ምቕናዕ ጸዋዕታኦም ንኢዶም ስለዚ ካብ ምብኻን ግዜ ክቝጠቡ ሓደራ ቢሎም ፥
ቤተ ክርስቲያን ናይ መዕረፍን መህድእን ዓውደ መጽናዕቲ ቤት ኣይኮነትን ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ እያ!
ብሓባር ጥራይ ኢና ከም ህዝበ እግዚኣብሔር ክንመላለስ ንኽእል፡ “ምስ ኵሎም ናይዚ እዋን ሰብኡትን ኣንስትን፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ስጋ ዝለበሰ ናይ ምህረት ሓጐስ ዓቂብና ከም ደለይቲ ትርጒም ክንመላለስ እንኽእል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተግባራዊ ምዃን
እቲ ውፉያን ዓለማውያን ምእመና ዘቕርብዎ ምስክርነት ብግብሪ እምበር ዘይጭበጥ ረቒቕ ሓሳብ ከይኸውን እንክምዕዱ፥
ብስራት ሓድሽ ህይወት ኵላዊ ሕውነት ነባሪ ሰላምን ብሉጽ ውህበት ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ ናብ ዓለም ኣብ ምቕራብ ኣይትሕመቝ
እንክብሉ ምዒዶም ናይቶ ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ኣገልግሎቶም ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያን ኣወፍዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።