ድለ

2022.07.29 Viaggio Apostolico in Canada - Incontro con i Membri della Compagnia di Gesù 2022.07.29 Viaggio Apostolico in Canada - Incontro con i Membri della Compagnia di Gesù  (Vatican Media)

ቤተክርስትያን እንተደኣ ተሓባቢራ ተኣምራት ክፍጸሙ ይከኣል! ር.ሊ.ጳ ንኢየሱሳውያን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣመንግዮም ነቶም ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ዘለው ደቂ ማሕበሮም ኢየሱሳውያን ዝወከሉ 15 ኣባላት ተራኺቦም ‘ቤተክርስትያን ወይ ሲኖዶሳዊት እያ ወይከኣ ብሱሩ ቤተክርስትያን ኣይኮነትን’ እንክብሉ ብዛዕባ ሓድነት ኣትሪሮም ከምዝመዓዱ እንክምልከት ነዚ ጸብጻብ እዚ ዝሃቡ ከኣ ሓላፊ መጽሔት ቺቭልታ ካቶሊካ ኣባ ኣንቶንዮ እስፓዳሮ ኮይኖም ኣብታ መጽሔት ካብ ዝጸሓፍዎ ጽማቊ ክነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ንሰለስተ ዓመት ምስ መመላእታ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምቅርራብ ዝግበረሉ ዘሎ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ምዃኑ ንምዝኽኻር ዘንቀዱ እንክመስሉ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝበልናያ ወይ እዚ ወይውን ኣይኮነን ዝብል ብሂል ንምንጻር፣ ‘ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን’ እንክብል እቲ ኣገላልጻ ተደጋጋሚ ይመስል ከመይ ‘ቤተክርስትያን ወይ ሲኖዶሳዊት እያ ወይከኣ ብሱሩ ቤተክርስትያን ኣይኮነትን’ ኢሎም። ኣብዛ ኣብ ከባቢ ፍጻሜ ሓውጾተ ኖልዎ ካናዳ ኣብ መንበረ ሊቀ ጳጵስና ከበክ ዝተገብረት ርክብ ኣሕዋት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ናይ ዕላል ግዜ ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ምሕታት ሃለዋትን ንሃገረ ካናዳ ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ከምዝበጽሑ ብ1970 መምህር ተመከርቲ ኮይኖም ከምዘገልግሉ ከማኡ እውን ብ2008 ኣብ ዓለም ሓቆፍ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ንምስታፍ ከምዝበጽሕዋ ነገርዎም።

ሓድነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካናዳ!

ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ሓውጾተ ኖልዎ ካናዳስ ይኹን ብድሕሪኡ ኣብ ዝሃብዎ ኩሉ መግለጺታት ደጋጊሞም ዘልዓልዎ ነጥቢ እንተሎ ‘ሓድነት ጳጳሳት ካናዳ’ እዩ፣ እዚ ሓደነት እዚኣ ከኣ ነቲ ድሮ ጀሚሩ ዘሎ ጒዕዞ ሕውየትን ዕርቅን ዓቢ ደገፍ ከምዝሃቦ ደጋጊሞም ምስ ገለጹ ስለዚ ሓድነት እዚ እውን ንጳጳሳት ካናዳ ደጋጊሞም ኣመስጊኖም እዮም። እዚ ሓድነት እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ካብዚ ሲኖድስን ሲኖዶሳውነትን ክብሉ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጸሚዶማ ዘለው ኣርእስቲ ብምዃኑ ንደቂ ማሕበሮም ቤተክርስትያን እንተደኣ ሓንቲ ኰይና ተኣምር ክትፍጽም ከምእትኽል ካብዛ ሲኖዶስ ትብል ቃል ነቂሎም ነዚ ዚስዕብ ቃል ሃብዎም።

“ሲኖዶስ እንክብሃል ሓደ ፖሎቲካዊ ርክብ ወይውን ፓርላመንታዊ ውሳኔ ንምሃብ ዝቀውም ኮሚቴ ኣይኮነን። መግለጺ ቤተክርስትያን ኰይኑ ቀንዲ ኣባኡ ዝዋሳእ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ኣብ ግብረሓዋርያት ብሰፊሑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ሲኖዶስ ማለት ብሓባር ምጒዓዝ እዩ። ኣብ ካናዳ ሕጂ ዝዛዝሞሞ ዘሎኹ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ መሪሕ ቃል እውን ሓቢርካ ምጒዓዝ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ እየ ሓድነት ቤተክርስትያን ዝተጋህደለይ። እቲ ‘ክትጐዪ እንተደሊኻ በይንኻ ኪድ እንተደኣ ርግጸኛ ኰንካ ኣብ እትደልይ ክትበጽሕ ኰንካ ከኣ ምስ ሰባት ሓቢርካ ተጐዓዝ’ ዝብል ምስላ ናይ ሓንቲ ሓቢራ እተጐዓዝ ቤተክርስትያንን ተኣምራታት የግህደልና ኢሎም።”

ናይ ሓንቲ ዝኾነት ቤተክርስትያን ተኣምራታት!

ቅዱስነቶም ናብቲ ዘምጽኦም ቀንዲ ጉዳይ ሓውጾተ ኖልዎ ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲ ዝጀመርናዮ ጒዕዞ ዕርቂ መበቆላውያን ደቂኣባት ገና ኣይተፈጸመን፣ እንተኾነ እታ ቀንድን ኣድላይትን ጐዳይ ጳጳሳት ብኩሉ ኩሉ ሰሚሮም ነዚ ብደሆ እዚ ወይውን ግድል ብሓባር ምስ ተቀበልዎ ንቅድሚት ገጹ ተወንጪፉ። እዚ ናይ ካናዳ ጳጳሳት ሓድነት ኣብነታዊ ኰይኑ ረኺበዮ። ጳጳሳት እንተደኣ ሰሚሮም ሓደ ኮይኖም ዝኾነ ይኹን ዝቀርቦም ጸገምን ግድልን ክብድህዎ ይኽእሉ። እዚ ጒዕዞ ዕርቂ ብጽቡቅ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት ኣነ ሓውጾተ ኖልዎ ስለዝገበርኩ ኣይኮነን። ኣነስ መማቅርቲ እየ። ነዚ ኩሉ ዝገበሩ ጳጳሳት ካናዳ ብሓድነቶም እዮም። ብሓደ ኢድካ ክተጣቅዕ ከምዘይከኣል ከኣ ንሶም በይኖም ዘይኮነ እቶም መበቆላውያን ደቂኣባት እውን ብወገኖም ነቲ ሕቶ ክገጥምዎን ዓቲቦም ክሰርሑሉን ስለዝጀመሩ እዩ። ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ደቂኣባትን ቤተሰባዊ ርክብ ተዓዚበ። እዚ ተኣምራት እዩ። ቤተክርስትያን ሃንቲ ምስ ኰነት ዝፍጸሙ ተኣምራታት እዮም። ጐይታ ሓይሉ ነቶም ድኹማት ወይውን ተኣፈፍቲ እንብሎም ክፍሊ ሕብረተሰብና እዩ ዝዕድል’ ኢሎም።

እግዚአብሔር ሓይሉ ነቶም ድኹማት ወይውን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተብ እዩ!

ቅዱስነቶም ‘ደጋጊምና ሓድነት ሓድነት ንብል ግን ከኣ ነዚ ሓድነት እዚ ዝብርዝ ወይ ከምዘይህሉ ዝገብሮ ቀዳማይ ጸላኢ ወይውን ንቤተክርስትያን ሓድነት ከይህልዋ ካብ ዝገብሩ ጸላእቲ እቲ ዝሓሰመ ኣይድየሎጂ እንብሎ ወይ ከኣ ዝንባሌ ገለ ሥነሓሳብ ስለዝኾነ ማሕበር ኢየሱሳውያን እውን ካብዚ ዓንኬል እዚ ወጻኢ ስለዘይኮነት ቀዳመይቲ ሓይሊ ኢየሱሳዊ ድኹም ምዃኑ ተኣፋፊ ምዃኑ የለሊ ሽዑ ጐይታ ሓይሉ ክህቦ እ’ ምስ በሉ ብዛዕባ እቲ ዝሓተትዎ ይቅሬታ ብገሊኦም ዝቀረበ ነቀፈታ ዘኪሮም። ገለ ገለ ጋዜጣታት ነቲ ቅዱስነቶም ብስም ኩሎም ክርስትያን ንዝሓተትዎ ይቅሬታ ብስም ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይገበርዎ ንዝብሉ እንክምልሹ ከኣ ‘ኣነ እንክዛረብ ብስም ቤተክርስትያን እየ ዝዛረብ ዋላ ኣግሂደ እንተዘይበልኩዎ እውን። እንተኾነ ብኣንጻሩ ናይ ግለይ ርእይቶ ክህብ እንከሎኹ ብስም ቤተክርስትያን ከምዘይኮነ ከነጽሮ ኣሎኒ’ ኢሎም።

ሕጊ እውን እንተኾነ ከም ሞራላዊ ትምህርቲ ኣብ ጒዕዞ እዩ!

ቅዱስነቶም ምስ ደቂ ማሕበሮም እሂን ምሂን ካብ ዝተባህሉሉ ኣብዚ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ምስ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ስለምንታይ ዘይተራኽቡ ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ነዚ ብዝምልከት ቅድሚ እቲ ጒዕዞ ብዙህ መልእክታት መሊሰ ነይረ። ብዙሓት ብዛዕባ እዚ እንክለዓል ብዛዕባ ሕግን መቅጻዕትን እውን ለውጢ ከምጽእ ይጽበዩ። እንተኾነ ሕጊ ኣብ መዝሓሊ እትኽዝኖ ኣይኮነን ንሕይወት የሰኒ ምስ ሕይወት ከኣ ንቅድሚት ይጐዓዝ ልክዕ ከምቲ ሞራላዊ ትምህርቲ እናተመሓየሸ እዩ ዝኸይድ። ኣፍልጦ ደቂ ሰባት ምስ ግዜ እናዓመቆን እናተለወጠን ይኸይድ ሕልና እውን ማዕረኡ ንጉዳያት ብጥልቀት ክምርምር ይጅምር። ንሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ነቅ ከምዘይብል ሓውልቲ ገቢርካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ዓቃባውነት ዳርጋ ኣረመንነት ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ክንብሎ ንኽእል` ኢሎም።

ቅርዑይ ልማድን ባህልን ሃልዩካ ከም ሕያው ዝኽሪ ኣመንቲ ክትሕዞ ጽቡቅ እዩ። እንተ ብልማድ ጥራይ ክቊረን እየ ቢልካ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝብል ዓቃባውነት ግን ሕይወት ኣመንቲ ትቀትል። ወትሩ ከምዚ እዩ ዝግበር ዝነበረ እናበልካ ኣባኡ ጥራይ ምጥባቅ ኣረምነት ኣተሓሳስባ ኰይኑ ኣየማዕብለካን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾን ሓድነት ቤተክርስትያን ምስ ሓተትዎም ነዚ ብዝምልከት ንሶም ዝኽተልዎ መስመር እቲ ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዘተኣታትውውዎ ነቲ ጥንታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘፍቅድ ቀስ ብቀስ ከኣ ዘረጋግጽን ዘመሓይሽን መርገጽ ኩሉ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ሕዝበ እግዚአብሔር ሕዝባዊ ስባሔ ወይ ምስጋና እዩ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2022, 14:00