ድለ

2022.07.25 Viaggio Apostolico in Canada - Incontro con le Popolazioni Indigene 2022.07.25 Viaggio Apostolico in Canada - Incontro con le Popolazioni Indigene  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳጳሳት ንካናዳ ዘቅረብዎ ህያብ፡ ‘ህያብ ንብዓት’

ናይ ጣዕሳን ጸጸትን ሓዋርያዊ ንግደት ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ መሬት ደቀባት ካናዳ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዘይርሳዕ ስእሊ ገዲፉ፡ እዚ ድማ ሓድሽ ባብን መንገዲ ሕውየትን ዕርቅን ኣብቶም ንዘመናት ዝተሳቀዩ ኣሕዛብ ብምኽፋት ምስ ሓድሽ ገጽ ቤተ ክርስትያን ክራኸቡ ክኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ናይ ሎም ሕብረተሰብ፡ ስእልታት ኣብ ካልኢታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ መርበብ፡ ብሞባይላትን ብኮምፑተራትን ይዝርግሑ፡ ብኣሕሽሓትን ሚልዮናትን ቢልዮናትን ዝቁጸሩ ኣሕዛብ ብገርሂ ኣብ ሓደ ቀጨምታ ስእሊ ይሳተፉ። ኣብዚ ምክፋል፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሕብርታትን ቅርጽታትን መስመራትን፡ ሕምብሊል ዝሽረቡ ብዙሓት ኢዮም፡ ገለ ግን ኣብ ተዘክሮ ተሓቲሙ ይነብር፡ ካብኦም ገለ ከኣ ኣብ ልቢ ብክብሪ ተዓቊሩ ይነብር።

ኣብ ጉዕዞ ቅዱስ ኣቦና ንካናዳ (24-30 ሓምለ)፡ ብርክት ዝበሉ ቀጨምታ ስእሊ ካብዞም ዝበልናዮምን ካብቲ ዝነበረ ኣጋጣሚ ንላዕሊ ዝዛረቡ ኣለዉ፡ ጋግ ይኸፍቱ፡ ስቅታታት ይገልጹ፡ ቃንዛን ስቃይን የርእዩ፡ በቲ ካልእ ከኣ ኣባልነት፡ ምግንዛብን ምቅባልን፡ ርክብን ተስፋን ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ከምዝገለጽዎ፡ ዝተጓዕዝዎ ንግደት ንስሓን ጣዕሳን ጸጸትን ኣብ ቦታ መስዋዕትነት ደቀባት፡ ኣብቲ ደቆም ኣብ መርሓ ውህደትን ፖሊቲካዊ መሰል ንምሃብን ኣብ ዝግበር ዝነበረ፡ ብግዲ ካብኦም ተመንጢሎም ዝውስዱልን ዝግፍዑሉን ዝነበረ ኩነት ንምብጻሕ ኢዩ ኔሩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ብምግንዛብን ናብኡ ዝዓለመ መደብ ብምውጻእን፡ መሪሕ ብርሃን ክርስቶስ ብምልዓል፡ ናይታ ኩሉ እትርኢ ቤተ ክርስትያን፡ ንሓቂ ከይፈርሔት ይቅረታ እትሓትት ቤተ ክርስትያን፡ ንኹሉ እትሓቁፍን እተሰምዕን እተፍቅርን መንገዲ መረጹ። ንኹሉ ዝተጸገመ ሰብ ብቀረባ እትሓሊ ቤተ ክርስትያን፡ ብዘይስክፍታ፡ ብዘይ ጥርጥር፡ ብዘይ ዕንቅፋት እትወስዶ ጉዕዞ ኣርኣዩ።

ኣብተን 6ተ መዓልታት ቅዱስ ኣቦና፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ካናዳ፡ ኣልባብ ናይቶም ዝተገለሉ ኣልባብን፡ ብጆግራፊያዊ ሕላዌ ዝተሓጽሩን ንዝተገለሉን ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ኣርክቲካዊ ዓንኬል ኣብቲ ዝበዝሔ መበቆላውያን ኣሕዛብ ዝነብሩሉ በጽሑ። ኣብ ኢቋሊት ምስ  ተመሃሮ ነበር ናይ 4ተ መባእታውያን ቤት ትምህርታት ተራኸቡ፡ እዞም ዜርዕዱን ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባራት ዝተፈጸመለን ኣብያተ ትምህርቲ ዝጀመራሉ፡ ደቅን ሕጻናትን ካብ ወለዶም እንደገና ንምምሃርን ብግፍዕን ዓመጽን ንምዕባይ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ቅርጺ እዚ ኢዮም ፈንቂቆም ኣትዮም፡ ኣብቲ ዓቢ ጻዕዳ ሳጹን ዝመስል ቅርጺ፡ ብግንባሩን ብዝተወጠመ መናድቅን ዝተዘርግሔ መሳኹቲ ዘለዎ ዝመስል ኣብኡ ኣተዉ።

ኣብዚ ከቢድ ኣሸጋሪ ቦታ ብህድኣት ብጸጥታ ኣተዉ፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ብዙሓት ሰባት ኣብ ብመስርዕ ቆይሞም ኣብ ዓንኬን ክጽበይዎም ጸንሑ። ካብኦም መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኔሮም፡ ኣከዳድናኦም ተራ ኮይኑ ገለ ካብኦም ባህላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ኔሮም። ብዓመታት ዝተጨማደዳ ኣእዳዎም ኣብ ገጾም ደጊፎም ነበሩ። ካብቲ ዘይንቀሳቀስ ገጾም በብቁሩብ ንብዓት ወረር ይብል ነበረ፡ እቲ ምንም መግለጺ ዘይብሉ ትርኢት ገጾም፡ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ኣትኪለን ይጥምታ ነበራ። ኣብ ቃዕታ ስእሊ ከምዚ ዝበለ ትርኢት ብተደጋጋሚ ኢዩ ኣብዚ ጉዕዞ ኣጓኒፉ። ኣብዚ ኣዝዩ ዝተዓፈነ ብኽያት ኣሕዛብ ኔሩ። ሰብኡትን ኣንስትን ብሰንኪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ተመኩሮ ራዕዲ ዝነበሩ፡ ኣብዚ ኩነት እዚ ከለዉ ስለ ዝተዘከሩ፡ ዝተበጽሑ፡ ዝተሓብሓቡን ዝተፈቅሩን ኮይኑ ተሰምዖም። ብንብዓቶም ዝተፈጥረ ጋግ ፍልልይን ስቃይን፡ ተስፋታቱ ብስቅታ ናይ ዝሓዘ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ክቅበል ናይ ዝተሰናደወ መግለጺ ኢየን።

ኣብዘን ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ  ዝገበሩሉን መዓልታት፡ ቅዱስ ኣቦና ዝኣንፈትዎ መንገዲ ዕርቅን ሕውየትን ኮይኑ፡ ነዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቫቲካን ክበጽሑ ንዝመጹ ተወከልቲ ቀዳሞት ደቀባት ኢንዊትን ከምዝገብርዎ ኢዩ። ንሶም ሓደ ክብጻሕ ዘለዎ መስርሕ ጀመሩ፡ ክሕነጽን ክኹስኮስን ዘለዎ መስርሕ ኣንቂዶም ኣለው።

ዋና መራሒ ቀዳሞት ደቀባት፡ ዊልቶን ሊትልጃይድ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ቡራኬን ህያብን ኢዩ፡ እዚ ግን መኽፈትን መጀምርታን እቲ መስርሕ ኢዩ ኢሉ። ሊትልጃይልድ ሓላፊ ቀዳሞት ደቀባት ኢዩ፡ ንሱ ወዲ 78 ዓመት ኮይኑ ካብቶም ግዳያት ኣሕደርቲ ቤት ትምህርቲ ሓደ ኢዩ፡ ንሱ ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሲ ዝውደ ህንዳዊ ባህላዊ ናይ ክብሪ ቆቢዕ ኣብቲ ኣብ ቢር ፓርክ ፖው ዎው ግራውንድስ ኣብ ማስክዊቺስ ዝተገብረ ኣኼባ ኣወፈየ።

እዛ ስእሊ እዚኣ ካብተን ፍሉያት ስእሊ ሓንቲ ኢያ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሶም ክንቲት ንስሪ ወድዮም ዝርኣዩላ ኢያ፡ እዚ ከኣ ምልክት ምውሳእን ምክፋልን፡ ኩሉ ክኸውን ከምዝኽእል ዘጉልሔት ኢያ። ነዚ ክርዳእ ዝደለየ ነቲ ተግባር ፍቅሪ ደጊሙ ክዕዘቦ ኣለዎ። ዋና ሓላፊ ቀዳሞት ደቀባት ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝነበርዎ ቦታ ቀሪቡ ነዚ ዝበልናዮ ህያብ ወፍዩ፡ እዚ ከኣ ቀዳሞት ደቀባት ኣልባቦምን እዝኖምን እንደገና ንወንጌል ከምዝኸፈቱን፡ ንጭቡጥ ክውንነት እታ ሕያው ቤተ ክርስትያን መስከሩ፡ ካብታ ዝረገጸቶምን ዘዋረደቶምን ፍልይ ዝበለት ምዃና ከኣ ኣለለዩ።

ብተወሳኺ ቅዱስ ኣቦና ኣስማት እቶም ግዳያት ኣሕደርቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ ቁልዑ ዝሓዘ ነዉሕ ሰንደቅ ተዓዘቡ፡ ኣብዚ ኩነት እዚ ድምጺ ህርመት ከበሮ ኣብ ሰብነት ኩሉ ተሳታፊ ኣትዩ ምስ ህርመት ልቢ ነፍሲ ወከፍ ተወሃሃደ። ካብዚ ሓደ ዘይርሳዕ ትርኢት ጓህን ሓዘንን፡ ስምዒትን ውሽጣዊ ቃንዛን  ሲ ፒህ ኮ ኔሩ፡ ንሳ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ደው ኢላ  እናበኸት ብቁጥዔ ሃገራዊ መዝሙር ዝዘመረቶ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ኢዩ።

ካልእ ፍሉይ ትንግርቲ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀላይ ቅ. ሓና ኣብ ናይ ስንኩላን ዓረብያ ኮይኖም ብህድኣት ዝጸለይዎ፡ ፍሉይ ጦብላሕታ ነቲ መበቆላውያን ደቀኣባት ብፍሉይ ዝነግዱሉ ቦታ ዓቢ ክብሪ ዝህብ ኢዩ።

ነዚ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ሓዋርያዊ ንግደት፡ ገጽታን ስቃይን፡ ኩርዓትን፡ ቃንዛን፡ ሳዕስዒትን፡ ስቅታን፡ ጸሎትን፡ ንብዓትን ኣሰንይዎ። እዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ መበገሲ ሓድሽ ርድኢት ኮይኑ ሓላፍነት ዘልብስ ዕዮን ዕላማን ንውልቀሰባትን ተቅዋማትን ዘሰክም ኢዩ። እዚ ከኣ በቲ ካልእ መዳዩ ንኹሉ ወድሰብ ካልእ ንቅሓት ዝህብን፡ መንገዲ ሕውነትን ምክፋልን ዝኸፍተልና፡ ንተፈጥሮን ደቀሰብን ጽን ኢልና ብምስማዕ ኩልና ውሉድ ኣምላኽ ምዃና ዘገንዝበና ኢዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2022, 13:39