ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ካናዳ፡ ምልክታት መግለጺ ሓሳባት እንኪኾኑ
ዜና ቫቲካን
“ውጽኢታዊ መስርሕ ምሕዋይ ጭቡጥ ኣገባብ ትግባረ ይደሊ።” ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ኣየት መበቆላውያን ደቀባት ኣብ ቫቲካን ክበጽሑ ምስ መጹ ዝበልዎ ኢዩ ኔሩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምድረ ካናዳ ብሓጎስ ዝገብርዎ ምብጻሕ፡ ምንም እኳ ደው ኢሎም ክኸዱ እንተይከኣሉ፡ በዞም ዝተባህሉ ክውን ኣገባባት ዝተሰነየ ኔሩ። እዞም ትግባረታት ከኣ ንቃላት ቅዱስ ኣቦና የሰንያ ኔረን፡ ብፍላይ ከኣ ፍትሕን ሕድገትን ንጉዕዞ ዕርቂ ብዝጽውዓ ቃላቶም ብምስናይ።
ቅድሚ ኩሉ፡ ድሕሪ ቅሩብ ደቃይቅ ኣብ ኤድመትን ምስ በጽሑ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ዝበጽሕዋ ከተማ፡ ነታ ቀዳመይቲ ምልክት ጣዕሳ እትምስክር ሓዋርያዊ ጉዕዝኦም ኣንጸባሪቆም፡ ማለት ካብቶም ዝተቀበልዎም መበቆላውያን ደቂ ዓዲ ናይ ሓንቲ ዓባይ ኣደ ኢድ ብምስዓም ፈለምዎ።
ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳዊ ጉዕዞ ብስእላዊ መግለጺ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። እዚ ብርግጽ ኣብዛ ግዜ እዚኣ ሓቂ ኢዩ፡ እዚ ማለት እቲ ብምልክት ዝንጸባረቅ ዝነበረ ክብርታትን ርክብን ብፍላይ ኣብ ሰኑይ ኣብ ማስክዋቺስ ምስቲ ኣብ ኢቋሊት ዝተዛዘመ ፍጻመ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ምስ ዓበይትን መንእሰያትን ኣብ ሰሜናዊ ክበብ ዝርከቡ መበቆላውያን ኣሕዛብ ዝተኻየደ ርክብ ኢዩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ተሽከርካሪ ዓረብያ ኮይኖም ብህድኣት ኣብ መቃብር ሕበረተሰብ ኢርሚነስኪን ጸለዩ። ነቲ ዝርዝር ኣስማት ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝሞቱ ሕጻናት ዝተዘርግሔ ቀዪሕ ኣርማ እናሰዓሙ፡ ኣብኡ ምስ በጽሑ ብዘይ ምርኩስ ኣብ ቅድሚ “ወርቃዊ ንስሪ” ኣብ ርእሱ ናይ ክብርን ምልክት ሓላፍነትን ዝወደየ መራሒ እቶም ሕዝቢ ደው በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ብተወሳኺ ብቀዪሕ ቆርበት ዝተሰርሔ ሳእኒ፡ ምልክት ስቃይን ቃንዛን መበቆላውያን ሕጻናት እተመልክት ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ ንዝተዋህበቶም መለሱ። ብፍላይ ከኣ ኣዝዩ ፍሉይ ትዝታ ዚሓደገ ኣጋጣሚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀላይ ቅ.ሓና ዝገብርዎ ኣስተንትኖ ኢዩ። መካነ ንግደት ቅ.ሃና ንመበቆላውያን ደቀባትን ኩሎም ካቶሊካውያንን እትጥርንፍ ናይ ጸሎት ቦታ ኢዩ።
ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ልቢ፡ ቤተ ክርስትያን ቀዳሞት ኣሕዛብ፡ ንምስሊ እታ ቀዳመይቲ ሰሜን ኣመሪካዊት ቅድስቲ፡ ቅድስቲ ካተሪ ተካዊታ ባረኹ። ቅዱስ ኣቦና በዚ ቅርበት እዚ ከመሓላልፍዎ ዝደለዩ፡ ወንጌላዊ መባኹዕቲ ኣብ ባህሊ እቶም ዝረኸብዎም ሕዝብን ባህላዊ ውርሻኦምን መንነቶም ክዓብን ክድንፍዕን ከምዘለዎ ኢዩ፡ ምኽንያቱ እምነት ይስበኽ እምበር ብኣስገዳድ ዝኸውን ኣይኮነን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ኣብ ቦታ ንግደት ቅድስተ ሃና በኣፕረ፡ ሓንቲ ኣደ ካብ ዝውለድ ብጽኑዕ ዝሳቀ ወዳ ክባረኽ ኣምጽኣትሎም። እቲ ኩነት ብርሕራሔ ዝተሰነየ ኢዩ ኔሩ፡ ቡራኬ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጎኒ እታ ኣደ ኮይኖም ነቲ ሕጻን ሓቊፎም ሓዝዎ። ነዚ ክምስክሩ ከለዎ ተሽከርካሪት ዓረብያኦም ምንም ኣየጸገመቶምን። ብዝበለጸ እኳ ደኣ ኩነታቶም ነቶም ዝሓዘኑ ወገናንት ተንከፎምን ቀረብኦምን ሓደ ካብኦም ከምዝኾኑን እቲ ኩነት ገለጸ።
ቅዱስ ኣቦና፡ ንጎረባብትና ክንሰምዖምን ክንቀርቦምን ከምዘለና ደጋጊሞም ኢዮም ኣብ ተልዕኮ ሓዋርያዊ ስራሖም ነጊሮምናን ኣርእዮምናን። ነዚ ኩነታ እዚ ብመዓልቲ ዓርቢ ምስቶም ኣብ ኣሕዳሪ ቤተ ትምህርቲ ኢቋሊት ግዳይ ዝኾኑን ነቲ ኲነታት ብቀረባ ምስ ዝረኣዩን ምስ ተራኸቡ ብዕምቆት ገለጽዎን ኣርኣይዎን። ኣብቲ መዓልቲ ኣብ መንጎኦም ኣብቲ ዝተዘርግሔ ሰድያታት ተቀመጡ፡ ምስኦም ብሓድነት ማዕረ ኮይኖም ኮፍ በሉ። እቲ ጓሳ ሽታ መጓሴኡ ክህልዎ ከምዘለዎን፡ ብፍላይ ከኣ ምስቶም ኣብ ርሑቅን ተነጽሎም፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ዝተጎድኡን ክህልዉ ናይ ዘለዎም ኣገባብን ቅርበትን ኣርኣዩን ልቢ ኩሎም ተንከፉን።
በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር፡ ሓዋርያዊ ጉዕዝኦም ብዝተጠናነጉ ምልክታትን ቃላትን መደረን ግብርን ዝተሰነየ ኢዩ ኔሩ፡ ሓዋርያዊ ምስክርነቶም ከምቲ ፈትልታት ማእለማ መበቆላውያን ኣሕዛብ ብስምረት ዝተኣሳሰሩ ኢዮም ኔሮም።