ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሶማሊያ ንዘሎ ሓደጋ ሞት ኣቓልቦ ክግበረሉ ይሓትቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሶማሊያ ንዘሎ ሓደጋ ሞት ኣቓልቦ ክግበረሉ ይሓትቱ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሶማሊያ ንዘሎ ሓደጋ ሞት ኣቓልቦ ክግበረሉ ይሓትቱ

ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ነዚ ህጹጽ ኵነታት እዚ ብስልጡን ውጽኢታውን መገዲ ምላሽ ክህበሉ ተስፋ እገብር!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ሓሳቦም ናብቲ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ዘስዕቦ ብዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝቃለስ ዘሎ ሕዝቢ ሶማል ገይሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ዝርአ ዘሎ ክቢድ ሓደጋ ሞት ኣቃልቦ ክወሃበሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብዚ ዘመን እዚ ገለ ገለ ሃገራት ከምኡ እውን ሶማሊያ በቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ደርቂ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘኪሮም፡ ነዚ ህጹጽ ኵነታት እዚ ብስሉጥን ውጽኢታውን ኣገባብ ምላሽ ክወሃቦ እንክዕድሙ፥

እቲ ኣብ ሶማሊያን ኣብ ገሊኡ ጎረባብቲ ሃገራት ሶማልያ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃልሞቦ ክግበረሉ እላበው፡ ተቐማጦ እቲ ዞባ ድሮ ኣብ ኣዚዩ ሓደገይና ኩነታት ከም ዝርከቡን ብሰንኪ ደርቂ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ኣለዉ፡ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ነዚ ህጹጽ ኵነታት እዚ ብስልጡን ውጽኢታውን መገዲ ምላሽ ክህበሉ ተስፋ እገብር!

ቢሎም፥ ኣስዒቦም ጠመተ የዕንትና ካብቶም በቲ ዝርአ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳቐዩ ዘለዉ ሓደራ ንኸይነርሕቕ ኣንክተሓሳስቡ፥

ውግእ ኣቃልቦናን ሃብትናን ይምንዝዕ፡ እንተዀነ ግን እቲ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸቶና ጥሜት ምውጋድን ጥዕናን ትምህርትን ውሕስ ምግባር ዝብል ክኸውንን ጻዕርታትና ናብዚ ሸቶ እዚ ንኸተኵር ይጠለብ፡

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ደርቂ መዝገብ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሶማሊያ ሎሚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደርቂ ትጽለው ኣላ። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ሙቐት፥ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ጸገም የግድዶ ከም ዘሎን እቲ ዘሎ ጸገም ከቢድን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ እውን ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጒዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት፥ ካብ መባእታ 2022 ዓ.ም. ኣትሒዙ  ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ሶማልያ ቤቱን ንብረቱን ዛሕዚሑ ከም እተመዛበለን ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ቅልውላውን ምዝብልናን ንኢትዮጵያን ከንያን ዝትክፍ   ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ሓቢሩ፥ ናይ ሰበካ ጂቡቲ ጳጳስን ናይ ሞቓዲሾ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲኒ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ርዝነት እቲ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ቅልውላው ኣረጋጊጾም፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ንዝግበር ጻዕሪ ዘየተባብዕ ከም ዝኾነን ናይዚ ምኽንያት ካኣ እቲ ዘሎ መንግስቲ ድዅምን መብዛሕቲኡ ክፍልታት እታ ሃገር ከኣ ኣብ ኢድ ከም ኣል ሽባብ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጒጅለታት ምህላዉ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።  

15 August 2022, 15:01