ድለ

እምነት መደዓዓሲ ኣይኮነን! ክቃጸል ዘለዎ ሓዊ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 14 ነሐሰ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ነቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ጐይታ ‘ሓዊ እየ ኣምጺኤ ዘሎኹ ክቃጸል ምደለኹ’ ዝበሎ እዚ ሓዊ እዚ እምነት ኰይኑ እምነትና ክበራበር ክቃጸል ደኣ ኣልዎ እምበር መደዓዓሲ ክኸውን የብሉን፣ ቃል እግዚአብሔር እናክትሰምዖ ልብኻ ዝኲርኲሕን ከምእትንቀሳቀስ ዝገብርን ሰማያዊ እሳት ፍቅሪ ኮይኑ በዚ ከኣ ግላዊ ጥቅሚ ካብ ምድላይን ካብ ኣነነትን ክንወጽእ ንኽእል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 14 ነሐሰ ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃ 12.49 ኰይኑ ‘ሓዊ ኸምጽእ እየ ናብ ምድሪ ዝመጻእኹ፤ ቀልጢፋ ዘይምንዳዳ እንታይ እደሊ! ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ኽሳዕ ዝፍጸም ዕረፍቲ የብለይን። ናብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር። ካብ ሕዚ ንደኃር ኃሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተሃለዉ ሠለስተ ኻብ ክልተ ኽልተ ድማ ኣንፃር ሠለስተ ኽፈላለዩ እዮም። ኣቦ ኣንፃር ወዱ ወድውን ኣንፃር ኣቦኡ እኖ ኣንፃር ጓላ ጓልውን ኣንፃር እኖኣ ሓማት ኣንፃር ሰበይቲ ወዳ ሰበይቲ ወዲውን ኣንፃር ሓማታ ኽፈላለዩ እዮም’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነታ ‘ሓዊ ከምጽእ እየ ናብ ምድሪ መጺኤ’ ትብል ንክትሰምዓ እተሰንብድ ንክትርድኣ ከኣ እትዕጽቅ ሓረግ ኢየሱስ እንታይ ማለት ኮን ክብሉ ኣስምህሮኦም ብሕቶ ይጅምሩ። ብርግጽ እቲ ሃረርታን ተልእኮን ኢየሱስ በቲ ክጥመቆ ዘለዎ ጥምቀት ማለት ደሙ ኣብ ዕጸ መስቀል ብምፍሳስ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍና ኪሓድር ዘምጽኦን ክቃጽል ዝደልዮን ጉዳይ እምነት እኳ እንተኾነ እዚ ግን ብዘይ ፍቃድናን ምንቅስቃስናን ውሳኔን ድጉል ሓዊ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ እምበር ነቲ ዘድሊ ጸጋ ከሥርሕ ከምዘይክእል ብምግላጽ ከኣ ትምህርቶም ይቅጽሉ። በዘን ሓያል ቃላት ገቢሩ ኢየሱስ እንታይ ይብለና ኣሎ ንዝብል ሕቶ ክምልሹ ከኣ ‘ኢየሱስ ንቀንዴል እምነትና ክነብርህ ጉዳይ እምነት ኣብ ሕይወትና ከም ካልኣይ ጉዳይ ሰሪዕና ኣብ ካልእ ዋኒና ወፊርና ኣብ ግላዊ ጥቅምን ኣነነትን ተሸሚምና ካብ ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ማሕበረሰብናን ክንፍጽሞ ዝግብኣና ኣገልግሎት ከይንሃድም የጠንቅቀና። ቀንዲ መጋበሪና ቃል ኣምላኽ ኰይኑ ቃለ ወንጌል ኣብ እንሰምዓሉ ግዜ እንተደኣ ብልቢ ሰሚዕናዮ ማለት እዩ፣ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ንልብና የማሙቆ ካብቲ ቀሲና ደቂስናን ደኪስልናን ዘሎና ሰላማዊ ንዋም የነቃቅሕና እሞ ነቲ ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ረብሓ ምድላይን ኣነነትን ኣቃጺሉ ናብ ጐይታ ኣቅሪቡ ተንሲእና ንክንንቀሳቀስን ጒዕዞ ክንጅምርን ንልብና ይህውጾ። ስለዚኸስ እምነት መደዓዓሲ ዘይኮነ ንልብና ኣነቃቂሑ ናብ ጒዕዞ ዝወስደና ሓዊ ፍቅሪ እዩ’ ኢሎም። ሕጽር ብዝበለ ቃለ ወንጌል ንለውጢ ይዕድም።

“እዚ ኢየሱስ ናብ ዓለም ዘምጽኦ ዘሐጒስ ብሥራት እንብሎ ወንጌልከስ ንነፍስወከፍና ዝዕደል ሠናይ ዜና ፍቅሪ እግዚአብሔር ነነፍስወከና እዩ። እዚ ወንጌል እዚ ሰሚዕካ ትሓልፎን ተተርኢስካ ትድቅሶን ኣይኮነን። ከም ሓዊ እዩ። ሓዊ ኰይኑ ንታሪኽ ይበትኽ ይቅይር ነቲ ኣቅሲኑ ዘደቀስ መደንዘዚ ዝኾነ ጥንታዊ ናይ ውሕስነት ናብራ ጒዳያት ፋሕ ፋሕ ኣቢሉ ካብ ግላዊ ረብሓ ምድላይን ንኣነነት ንምሽንፋን ንክትወጽእ ይዕድም። ነዚ ብምግባር ከኣ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ናብ ሓዲስ ሕይወት ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ትሰጋገር ኢሎም።”

ቃለ ወንጌል ነገራት ከም ዝነበርዎ ኣይሓድግን! ብኣና ኪሓልፍ እንከሎን እንተሰሚዕናዮን እንተተቂብልናዮን ልወጢ ይህብ ናብ ንስሓ ከኣ ይዕድም። ናይ ሓሶት ሰላም ኣይኮነን ዝህበና እንታይ ደኣ ልብና ንእግዚአብሔርን ንኣሕዋትናን ናብ ምኽፋት ዝደፋፍእ ምህዋጽ ልቢ ፈጢሩ ጒዕዞ ከም እንጅምር ይገብረና። ልክዕ ከም ሓዊ እዩ። ብፍቅሪ እግዚአብሔር ልብና የማሙቊ፣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ግላዊ ምንዮታትናን ጽልሙት ክፍሊ ሕይወትናን ኣቃጺሉ ነቲ ኣብ ባርነት ቋሪኖምና ዘለው ናይ ሓሶት ኣማልኽትና ይህሙዂ ኢሎም።

ቅዱስነቶም እዚ ብሓዊ ዝቀርብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ኦሪት እውን ኣብ ብዙሕ ቦታ ተጠቂሱ ከም እንረኽቦ ብዙሕ ኣብነታት ካብ ኤልያስ ነቢይ ጀመርካ ክሳብ ኤርምያስ ነቢይ ክነንብቦ ከም እንኽእል ጠቂሶም ‘ኢየሱስ ከኣ ነዚ ሓዊ እግዚአብሔር እዩ ዘቀጻጸለ ነዚ ከኣ ባዕሉ ክሳብ መወዳእታ ብምፍቃር ባዕሉ ብግብሪ ኣርእዩና፣ ማለት ክሳብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ምእንታና ብሙማት ገሊጹልና፣ በቲ ብሓዊ ዝምሰል መንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ብብርሃኑን ብሓይሉን መለኮታዊ ምሕረት ዝመልኦ ገጽታ እግዚአብሔ ገሊጹልና። በዚ ከኣ ነቶም ጥፉኣት ተባሂሎም ዝነበሩ ተስፋ ጸገወ። ነቲ ናይ ፍልልይ መንደቅ ብምፍራስን ንቊስልታትን ስጋን ነፍስን ብምሕዋይን ከማኡ እውን ነቲ ኣብ ግዳማዊ ልማዳት ወዲቃ ዝነበረት እምነት ብምሕዳስ ገበሮ። በዚ ከምዚኸስ ሓዊ ይልውጥ የንጽሕ እንክብሉ ምስ ገለጹ ኣብ ህልው ኩነታት ሕይወትና ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ሓዊ እዚ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ ቢሎም ይሓቱ እሞ ኣሕጽር ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

“ጐይታ ሎሚ ዝዕድመና ዘሎ ንቀንዴል እምነትና ዳግም ንክነብርህ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እዛ ቀንዴል እምነት ወትሩ እንተዘይበሪሃ ደረጃ ይጐድል ክንዲ ቅድምያ ዝወሃባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትወርድ ዝገደደ ከኣ ምስቲ ዓለም ዘቅርበልና ጣዕሚ ናብራ ትደባለቅ እሞ ካብቲ ቀንዲ ውራይና ዝኾነ ጸዋዕታ ክርስትና ንቤተክርስትያንን ንማሕበርሰብን ክነገልግሎ ዝግብኣና ጒዳያት ከምእንሃድም ወይውን ሸለል ከም እንብሎም ትገብረና ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ናብታ እምነት ትብል ጉዳይ ምልስ ይብሉ እሞ እንታይ እያ ጥቅማኸ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ‘ኣብ እግዚአስብሔር ዝህልወና እምነት ርግጸኛታት ኰና ከም እንሰርሕ ትገብረና’ ይብሉ እሞ ንሊቅ ንባበ መለኮት ዝነበሩ ካርዲናል ሄንሪ ዘሉባክ ንዝበልዎ ‘እምነት ርግጽነት ትህበና እንተኾነ ከምቲ ንሕና ንደልዮ ዘደንዝዝ ህውተታን ዘዕግብ ብፅዕና ዘይኮነ ከም እንሰርሕ ብምግባር እዩ’ እንክብሉ ጠቂሶም።

ብሓፈሻ እንክንምልከቶ እምነት ንሕጻናት መደቂሲ እንጥመሉ ዓይነት ምርራው ኣይኮነን እኳ ደኣ ዝተጐሃሃረ ሓዊ ኰይኑ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ እውን ከይተረፈ ከም እንሰርሕ ዝገብር ጸጋ እዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነፍስወከፍና ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ብፍቅሪ ወንጌልዶ እቃጸል! ወትሩዶ አንብቦ! ምሳይ ሒዘዮዶ እጐዓዝ! እዛ ኣላትኒ ዝብላ እምነት ኣቅሲናዶ ከምዝድስክልን ከምዝታኸስን ትገብረኒ ወይስ ንልበይ ሓዊጻ ኣቃጺላ ናብ ምስክርነት ትደፋፍእኒ! ቢልና ነስተንትን ምስ በሉ እዘን ሕቶታት እዚአን ከም ማሕበረ ክርስትያን ከም ቤተክርስትያን እውን ክንሓተን ዘሎና ምዃነን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ ማሕበረክርስትያናትን ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ይቃጸልዶ! ንጸሎትን ንምግባረ ሠናይን ንታሕጓስ እምነትን ርሱን ስምዒትዶ ኣሎና! ወይስ ኣብ ድኻምን ልማዳትን ተሃላሊኽና ገጽ ሓምለ ሒዝና ዕሚም እናበልና ብምጒርምራም ኣብ ዕለታዊ ሕሜታ ንነብር ኢልና ነስተንትን ኢሎም።”

ከም ክርስትያን ዝተጸዋዕናሉ ቀንዲ ውራይ ነቲ ጐይታ ዘምጽኦ ሓዊ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብቀዳምነት ከቃጽለና ስዒቡ ከኣ ናብ ኩሎም ክነባጽሖ በዚ ኸኣ ነፍስወከፍ ለውሃት እግዚኣአብሔር ኣቦን ታሕጓስ ኢየሱስን ከስተማቅር እሞ ልቢ ከዕብን ጽባቀ ሕይወት ክግንዘብን ምእንቲ እታ ንሓዊ መንፈስ ቅዱስ ዝተቀበለት እኖና ድንግል ማርያም ተማልደልና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
15 August 2022, 13:58

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >