ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም

ዝኾነ ይዅን ቅልውላው ቅድሚ ምድንጓይ ናብ ዕድል ክቕየር ዝከኣል እዩ። ስለዚህ እዚ ኵነት እዚ ንሓድሽ ወለዶ ብዝተ ዝሓሸ ዓለም ንምሕናጽ ዓቕሚ ዘለዎም ለማባት መንግስታት ንኽህልዉ ዝድርኽ ብድሆ ክኸውን ይኽእል። እዚ ብሓገዝ ኣምላኽ ዝከኣል እዩ። ወተሃደራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ መላን ሓይልን ኵሉ ናብ ናይ ሰላም ዕላማ የብል”

እቲ ካብ ዝጅመር ሻድሻይ ወርሑ ዘቝጽር ዘሎ ኲናት፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዲያብሎሳውን ብልሽውን ስነ መጎት” ኣጽዋር ዝስዕረሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝሰዓረሉ ንዅሉ ዕንወት እዩ እንክብሉ ገሊጾም ዕንወት ንምዕጋትን ሰብኣዊ ሕውነት ክድንፍዕ ከይተሓለሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ሎሚ እውን ብቐጻሊ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ውግእ ዝሕንጽጹን ዘካይዱን ሰብኣውነት ይርእስዑ፡ ኣብ ኡክረይን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻድሻይ ወርሒ ዘቝጽር ዘሎ ግጭት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክውገድን ብዘተ ክፍታሕን ሰላም ክህሉ ዓለም ለኻዊ ዕንወት ከስዕብ ዘኽእል ሓደጋ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ ዘቕርብዎ ጻውዒት ዘየቋርጽ እዩ።

ውግእ፥ ንዅሉ ስዕረት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነፍሲ ወከፍ ኲናት ንናይ ኵሉ ስዕረት እዩ ዝውክል” (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 27 መጋቢት 2022)። ኲናት ካብ ዝካየደሉ ዞባ ክንየው ህጹጽ ሓደጋታት ዘስፍሕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ውግእ ሰዓሪ የሎን ኵሉ ተሳዓሪ እዩ፡ ስለዚ ብሓባር ነቲ ኲናት ንስዓሮ (ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 23 መጋቢት 2022 ዓ.ም.)። እቲ ኲናት ከስዕቦ ዝኽእል ኣቶማዊ ውግእ ኣብ ግምት እውን ብምእታው ሰብኣዊ ፍጥረት ገዛእ ርእሱ ንምጥፋእ ሓደጋ ዘቃልዕ እውን ብምዃኑ፡ ካብ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ከይተሓከ ንውግእ ካብ ሰብኣዊ ታሪኽ ንሕኸኮ” (ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 16 መጋቢት 2022 ዓ.ም.)። ካብ ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ከይተሓከ እንከሎ ነቲ ኣብ ኵምራ ፍርስራስ ሰንደቕ ዕላማ ምትካል ትርጒም ኣልቦ ምዃኑ ብምስትውዓል ንውግእ ካብ ታሪኽ ምሕካኽ የድሊ (ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 10 ምያዝያ 202 ዓ.ም.)፡ “መንፈስ ጐይታ ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምፍጥፋእ ድሌት ሓራ የውጽኣና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንዅሉ ዘርክስ ተግባር

ኵናት ብሓቂ ትርጒም ዘይብሉ “ኣቦታትን ኣዴታትን መናእሰይ ደቃቶም ዝቐብሩሉ፡ ሓያላን ዝውስንዎ ድኻታት ዝሞቱሉ ስፍራ ሞት እዩ።” ኢምኽንያታውን ዕብዳንን እዩ። ካብ ምጅማር እቲ ግጭት ስዒቡ ብዙሓት ተመዛበልቲ ህጻናት ንሕሰቦም፡ እዚ እውን ንመጻኢ ሓደ ሕብረተሰብ ዕንወት እዩ። ንመጻኢ ምጥፋእ ወለዶ ምንጽናትን ብፍላይ እቶም ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዓቅምን ብቕዓትን ዘይብሎም ብዝያዳ ዘዕድይ እዩ። ሕይወት ቅዱስ እዩ፡ ውግእ ህይወትን ኵሉ ፍጥረትን ዘርክስ ተግባር እዩ (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 20 መጋቢት 2022 ዓ.ም.)።

ሕልምን ብህራረን

“ብሓቂ እግዚኣብሔር ናይ ሰላም እምበር ናይ ውግእ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ ከምኡ እውን ምስ ገበርቲ ሰላም እዩ፡ (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 27 ለካቲት 2022 ዓ.ም.)። እቲ ንዓመጽ ዝድግፍ ኵሉ ስም እግዚኣብሔር እዩ ዘርክስ (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 13 መጋቢት 2022 ዓ.ም.)። ነቲ ኣብ “በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝተፈጸመ ሕልሚ ኣምላኽ እቲ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዘለዎም ህዝብታት ዝራኸብሉን ዝረዳድኡሉን መዓልቲ ዝኽሕድ እዩ። ኵናት “ህዝቢ የጋጭው ንሓድሕዱ ክቐታተል ድማ ይገብር” ህዝብታት የረሓሕቅ ካብ መረበቶም ድማ የመዛብል (ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ዕለት 5 ሰነ 2022 ዓ.ም.)።

ንኲናት ፈጺምና ኣይንላመዶ

ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ክንየው ኤውሮጳ፥ ናብቲ ኣብ ሶርያን የመን ወይ ምያንማር ካልኦት ሃገራትን ዝካየድ ዘሎ እሞ ዝተረስዐ ውግእ ገይሮም፡ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ግምት ብምእታዊ “እናተኾላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም” እንክብሉ ገሊጾም፡ ውግእ ወይ ግጭት ክተርፍ ከም ዘይክእል ቅቡል ገርና ከይንሓስቦ ሓደራ ከም ዝበሉን ነቲ ኣብ ዩክረይን ወይ ኣብ ካልእ ቦትታት ዝፍጸም ዘሎ “ዘሕዝን ክውንነት” ካብቲ ኣነ ዘለዅሉ ርሒቑ ዝፍጸም እዩ ቢልና ዕሽሽ ክንብሎ ክንለማመዶን ልብና ከነብርዶ ኣይግባእን” ከምዚ እንተዘይገበርና ግና ኣንሕና እውን ተሓተቲ ኢና እንኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ደቂ ሓደ ኣቦ

“እግዚኣብሔር ኣቦ ኵሉ ኣምበር ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ ሰብ ኣቦ ኣይኮነን።” ስለዚህ “ንሱ ከም ኣሕዋት እምበር ከም ጸላእቲ ክንርአአይ ኣይደልን፡” ሰብኣዊ ፍጥረት ግን ልቡ ስለ ዘትርር ጌጋታት ይደጋግም ኣብ ታሪኽ ዝሓለፈ ህልቂት ይደጋግም፡ መንፈስ ቃኤል ክነብር ይመርጽ ፍቕሪ ውግእ ዝሓዞም ንኸውን” (ኣብ ማልታ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም.) “ኵላትና ኣሕዋት ንኽንከውን ዝተፈጠርና ኢና” (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 23 ጥሪ 2022 ዓ.ም.)።

ዘየቋርጽ ጸሎት

ዕጡቓት ሓይልታት ፈደራላዊት ሩሲያ ንመሬት ዩክረይን ምስ ወረሩ እቲ ዓመጽ ቅድሚ ምስፋሑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘይዕረፍቲ እቲ ዝተበገሰ ዓመጽ ደው ክብል፥ ዓመጽ ትርጒም ኣልቦ ዲያብሎሳዊ ተግባር ክዕገት (ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 23 ለካቲት 2022 ዓ.ም.) ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ከምኡ እውን ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ምጅማር ዓቢይ ጾም ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ጾምን ጸሎትን ክፍጸም በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ቆላሕታና ናብ እግዚኣብሔር ንኸነብል ዓዲሞም በማላድነታ ምእንቲ ሰላም ጸሎት ከይነቋርጽ ተማሕጺኖም እዮም። ጐይታ መገዲ ዘተ ንኸነበግስ ይደግፈና ቢሎም ሰላም ካብ ገዛእ ርእስና እዩ ዝጅምር ስለዚህ ነቲ ሰላም ምሳኻትኵም ይዅን ንዝበለና ክርስቶስ ንስዓብ (ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም.) እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንንግስተ ሰላም ንወፈ

ቅዱስነቶም ዕለት 25 መጋቢት ኣብ ዓመታዊ በዓል ብስራተ ገብራኤል መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ንቅዱስ ልቢ ማርያም ኣወፍዮም ብፍላይ ድማ ሩሲያን ዩክረይንን ንማርያም ኣወኪፎም፥ “ካብ ኵናት ኣድሕንና ንዓለም ካብ ኑክለሳዊ ስግኣት ተኸላኸልላ” ቢሎም፥ “ ኵሉ ምእንቲ ሰላም ክጸውምን ክጽልን ተማሕጺኖም ደለይቲ ሰላም ኣጽዋር ዘይስከሙ እዮም” (ኣስተንትኖ ጸሎተ ንስግስተ ሰማይ ዕለት 8 ግንቦት 2022 ዓ.ም.) ከም ዝበሉ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ጥፍኣት ሓደጋ

ቅዱስነቶም እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘሰክፍ ኵነታት ዓለም ኣብ ልቦም ገይሮም ንፖለቲካዊ መራሕቲ ዓለም “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ናይ ሕልና መርመራ ኪገብሩ” ተማሕጺኖም፡ “ኵሎም እቶም ዝምልከቶም ወገናት ካብ ዝኾነ ይዅን ዝያዳ ስቓይ ካብ ዘስዕብ ስጒምቲ ክቑጠቡ እጽሊ።” እቲ ኵሉ ኣብ መንጐ ኣህዛብ ዘሎ ሓባራዊ ህይወት ዝዝርግ ኣህጉራዊ ሕጊ ዚጥሕስ ተግባር ንቃወሞ። ቢሎም፥ ፖለቲካዊ ተበግስታት ንሓባራዊ ረብሓ ከተኵር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “በጃኹም ንደቂ ሰብ ናብ ዕንወት ኣይተብልዎ!”

እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘተን ካብ ዘተን እዩ፥ ኣጽዋር መገዲ ሰላም ኣይኮነን (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 12 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም.)። ነፍሲ ወከፍ ኵናት ኣብ ህዝቢ ዓለም ከምጽኦ ዝኽእል ዕንወት ኣብ ግምት ነእትው፡ ንክውንነት ብዕላማ እንተእንርእዮ እቲ እንኰ ርትዓዊ መገዲ ዘተ ምዃኑ ምስ ተሰቖረና” (ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 31 ሓምለ 2022 ዓ.ም.) ከም ዝበሉ የዘኻኽር።

ዲያብሎሳዊ ስነ መጐት ኣጽዋር

“ተዅሲ ደው ንምባልን ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ሓቀይናን ጭቡጥን ዘተ የድሊ እሞ ዘተ ይገበር። ናይቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ተስፋ ዝቖረጸ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ኣውያት ስምዕዉ። ምዕናው ከተማታትን ዓድታትን ደው ይበል።” ውግእን ድላይ ኣጽዋርን “ውልቃዊ ረብሓን ስልጣንን እዩ፡ ዲያብሎሳዊ ስነ መጐት ኣጽዋር ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝረሓቐ እዩ። ውግእ ህዝብታት እዩ ዘዕድይ . . . ነቲ እቲ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ ምስማዕ ናብ ሰላም ይድርኽ።”

ዘተን ናይ ሓባር ረብሓን

ዝኾነ ይዅን ቅልውላው ቅድሚ ምድንጓይ ናብ ዕድል ክቕየር ዝከኣል እዩ። ስለዚህ እዚ ኵነት እዚ ንሓድሽ ወለዶ ብዝተ ዝሓሸ ዓለም ንምሕናጽ ዓቕሚ ዘለዎም ለማባት መንግስታት ንኽህልዉ ዝድርኽ ብድሆ ክኸውን ይኽእል። እዚ ብሓገዝ ኣምላኽ ዝከኣል እዩ። ወተሃደራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ መላን ሓይልን ኵሉ ናብ ናይ ሰላም ዕላማ የብል” (ኣስተንትኖ ጸሎተ መላእከ እግዚኣብሔር ዕለት 3 ሓምለ 2022 ዓ.ም.)።

ኣብ ጐድኒ ግዳያት ምዃን

ነቲ ብቦምብታት ንስቓይ ዝዳረግ ዘሎ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሑስ ንምግባር ዘኽእል ዕድል ምድንፋዕ ነቶም ካብ ውግእን ስእነት ሰላምን ገዛእ ርእሶን ንኸድሕኑ ዝስደዱ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይፍለዮም ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ስደተይናታት ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኵሎም ክርስቶስ ህልው ዝኾነሎም እያቶም እሞ ምስኡ ክንራኸቡ ስለ ዝድሩኽና “አመስግኖም” . . . “ንዅሎም እቶም ካብ ስቓይን መከራን ዘምልጡ ንሓልዎም በጃኹም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ኣገልግሎት ሰላም

ተስፋን ጭንቀትን ሻቕሎትን፥ ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ወርሒ ጀሚሮም ናይ ሮማ ጳጳስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘመሓላለፍዎም ስምዒታት እዮም። ናብ ኵሎም ነቶም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ነቶም ንሓደጋ ክቃልዑ እውን ዝኽእሉ ልቢ ብምእታውን ቀረባኦም ብምዃን ነቲ መገዲ ግጭት ኣይፋል ንበል፥ ኣብቲ ዝሳቐ ዘሎ ህብዚ ገዛእ ርእስና ንእትው፡ እዚ ናብ ዘተ ክመርሓና እዩ። ኣብ ሮማ ምስ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሩሲያ ልኡከ መንግስቲ ተራኺቦም እዮም ብስልኪ እውን ምስ ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ተራኺቦም እዮም ነቶም እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ንኽነግሩና ውግእ ኣብ ዝለሉ ቦታ ኮይኖም ዕዮታቶም ዝፍጽሙ ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን እውን ኣመስጊኖም ሰናይ ዘበለን ሰብ ዘማእከለን ተበግሶታት ምኽንያት እውን ኣመስጊኖም እዮም።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣገልግሎት ሰላም እያ፡ ነዚ ዕላማ እዚ እውን ገዛእ ርእሳ ኣይትበቅቕን፡ ስለዚ እዩ ድማ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ደሓር እውን ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቺዘርንይ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓሪ ሊቀ ጳጳሳታ ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ብስም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ዘካየዱ። ቅዱስነቶም “ንሰላም ንምግልጋል” ናብ ሩሲያን ዩክረይንን ክበጽሑ ድላይ ከም ዘለዎም እውን ባዕሎም ገሊጾምዎ እዮም።

25 Aug 2022, 10:08