ተኸባቢርካ ንምንባር ዘተ መሠረት ይኹን! ር.ሊ.ጳ ንሃገረ ኒካራግዋ
መንግሥቲ ኒካራግዋ ነቲ ቅድሚ ሳምንታት ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ንዝጀመሮ ቊጽጽር ኣጸቢቁ ብምጽባቡ ኣብ ማእሰርትን ክልከላን ብምብጽሑ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተሻቀሉን ንጽሕት ድንግል ማርያም ኣብ ልቢ ኩላቶም ናብ ሰላምን ዕርቅን ዘዘንብል ሃረርታ ክተስተንፍሰሎም ከምዝምህለሉ ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ናይ ሰንበት ዕለት 21 ነሓሰ 2022 ዓም ገሊጾም።
ዜና ቫቲካን!
ካብ ሳምንታት ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ኒካራግዋ ብዝተላዕለ ዓመጽ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከምዝበሃል መግለጺ ኣልቦ ጸቕጥን በደልን ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካህናታን ኣቡናትን ከማኡ እውን ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓንን ዘይመንግስታውያን ገበርቲ ሠናይን ይወርድ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ እቶም ንመንግሥቲ ዳኒኤል ኦርተካ ይቃወሙ እዮም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ከኣ ምፍርራህን ስደትን ምእሳርን ዕለታዊ ተርእዮ ኰይኑ ከምዘሎ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜናታት እንከመልክት ቅዱስነቶም በዚ ዜናታት እዚ ብጣዕሚ ከምዝተሻቀሉን ብንጹሕን ክፉትን ዘተ ንኩሉ ክፈትሑ ከምዝከኣልን ከምዚ ክብሉ ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ናብታ ቅድሚ ደቃይቅ ምስ ኩሎም ምእመናንን ነጋድያንን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ዝምህለልዋ ዝጸንሑ ድንግል ማርያም ምልስ ቢሎም ከኣ ንጽሕት ድንግል ማርያም ሕዝቢ ኒካርግዋ ከኣ ብልቢ ዘፍቅርዋ ትርደኣና ምስ በሉ ጸሎቶምን ምንዮቶምን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
23 Aug 2022, 15:24