ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ጭካኔ ንዝነብር ሕዝቢ ኡክራይና ቅርበተይ እገልጽ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 21 ነሓሰ 2022 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝንበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ነቶም ብውግእ ዝሕመሱ ዘለው ሕዝቢ ኡክራይና ብጸሎትን ሓገዝና ብምልጋስን ደገፍና ንግለጸሎም እንክብሉ ተማሕጺኖም።
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ኣብ ሕዝቢ ኡክራይና ዘሎ ጽንዓት ንልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ዘስካሕክሕ ጭካኔ ምንባር ንክቅጽል እኳ እንተኣኽኣሎ ዓለም ብዓለማ ካልእ እኳ ክተግብር እንተዘይከኣለት ንሕና እውን ጸኒዕና ብጸሎትን ኣብ ጐድኖም ምዃኖም ዝገልጽ ደገፍን ገቢራ ቅርበታ ትግለጸሎም ኢሎም። ውግእ ኡክራይና ካብ ዝጅምር ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ምናዳ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስን ብዛዕባ ሰላም ኡክራይና ከይተዛረቡ ሓሊፎም ኣይፈልጡን ትማል ሰንበት እውን ከምዚ ክብሉ ቅርበትና ክንገልጸሎም ኣዘኻኺሮም።
ሎሚ እውን እንተኾነ እቲ ውግእን ደብዳብን ገና ይቅጽል ከምዘሎ ካብ ቦታኡ ዝመጽእ ዜናታት እንከመልክት እታ ኣብ ኤውሮጳ ዚዓበየ ናይ ኒክልየር ጸዓት እተመንጩ ጸረርታ ራድዯኣክቲቭ ከየተስቱዂ ዝፍርሃላ ዞባ ዛፖሪዝዝያ ገና ትድብደብ ከምዘላን ልዕሊ ሺሕ ዝኾኑ 324 ህጻናት ዝርከብዎም ካብቲ ብሩስያውያን ተታሒዙ ዘሎ ክፍሊ ከምዝወጹን እንክምልከት ኣብ ዞባ ዶነስክ እውን ብዙሕ ግፍዕታት ይፍጸም ከምዘሎ ተመልኪቱ።
23 Aug 2022, 15:31