ድለ

Major fire spreads at Cuban fuel storage facility hit by lightning Major fire spreads at Cuban fuel storage facility hit by lightning 

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ክዩባ! ሓዘንን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ

ኣብ ክዩባ ምታንዛስ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ነዳዲ መዐዲኒ መርከብ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓደ ሰብ እንክመውት ልዕሊ 120 ቈሲሎም 16 ከኣ ገና ጠፊኦም ከምዘለው እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብክታም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ተለግራም ከምዝለኣኹ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ዓርቢ እዛ ዓባይ ናይ ዕደና ነዳዲ መርከብ ኣብ ሥራሕ እንከላ ብናይ ኤለክትሪክ ብልጭታ ዝጀመረ ባርዕ ብርቱዕ ነትጒ ከምዝስዕብ ብምግባር ንሰማይ ዚዓርግ መዓት ትክን ሓውን ነቲ ቦታ ከበቦ። እዛ ኣብ ማታንዛስ ዝበሃል ንእሽቶ ከተማ ተደኲና ዝነበረት መርከብ 100 ኪሎሜትር ኣብ ምብራቅ ሃቫና ትርከብ ኮይና 140 ሺሕ ነበርቲ ኣለውዋ። ሠራሕተኛታት መጥፋእቲ ገና ይቃለሱ ከምዘለው 1 ብጻዮም ከምዝሞተን 121 ዝኾኑ ከምዝቆሰሉን እንክምልከት እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ምስቲ ቀዳማይ ባርዕ ክቃለሱ እንከለው ካልኣይ ገንኢ እውን ስለዝተፈንጀረ 16 ካብቶም ሠራሕተኛታት ደሃዮም ከምዘየለ እውን ተመልኪቱ። ካብቲ ከባቢ 5000 ሰባት ንድሕነቶም ክብሉ ከምዝሃደሙ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ቃላት ር.ሊ.ጳ!

ቅዱስነቶም በዚ ተለግራም እዚ ገቢሮም ቅርበቶም ንመላእ ሕዝቢ ክዩባን ግዳይ ናይዚ ዝኾኑ ስድራቤታትን ብፕረሲደንት ጳጳሳት ክዩባ ብፁዕ ኣቡነ ኤሚልዮ ኣራንጉረን አቸቨርያ ናብ ከተማ ሃቫና ናይ ምጽንናዕ ተለግራም ልኢኾም። በዚ ብሕማቅ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ሓደጋ ናይ ስቃይ ግዜ ጐይታ ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ሓይሊ ክህብ እጽሊ ከማኡ እውን ነቲ ባርዕ ኣብ ምጥፋእ ንዝቃለሱ ንዝጠፍኡ ኣብ ምንዳይ ዝርከቡን ሓይሉ ክህቦም እጽሊ ኣሎኹ ኢሎም።

ኣብ ርእሲ እዚ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ኩነት ብሓቂ ዘስግእ ምዃኑ እንክምልከት ካብቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ነፍሲወከፎም 50 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝሓዙ 8 ዓበይቲ ቦጣት እንክርከብ 2 ካባኡ እዩ ዝተባርዔ። ገና እቲ ባርዕ ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ከምዘሎን ካብ ሃገራት መክሲኮን ቨንዝወላን ዝመጹ ክኢላታት እውን ይህግዙ ኣለው። ምስዚ ኣብ ዝተታሓሓዘ ከኣ ፕረሲደንት ሃገረ ክዩባ ሚግወል ድያዝካነል ካብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሩስያን ጐረባብቲ ሃገራትን ንዝተገብረሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም።   

ብድምጺ ንምክትታል!
09 August 2022, 11:01