ር.ሊ.ጳ.፥ ንዓለም ካብ ዓመጻ ንምሕዋይ ብቝዓት መራሕትን ውጻኢታዊ መርሓ የድሊ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ነሓሰ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቶም ኣብ ዓለም ለኻዊ መርበብ ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ ኣብ ኣህጉራውን ሃገራውን ኣርካን፥ ሰላም “ውግእ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ” ውጽኢት ምትሕብባርን ምይይጥን ርሑቕ ኣማቲ ፖለቲካዊ መደባትን “ፍትሕን ሰላምን” ክህሉ ይገብር፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ድምጺ ዘይብሎም ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብውጽኢታዊ መርሓታትን ሕግታትን ኣቢሎም ካብ በርገሳውን ፖለቲካውን መራሕቲ ዕቝባ ክረኽቡ ዝጽበዩ “ፍትሒ” ምርግጋጽ ይግባእ። ነቲ ንማሕበራዊ መዋቕርን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘይማዕርነትን ምጒዳል ፍትሕን ንምስጋር ሕብረት የድሊ። እታ ሰላም እትብ ቃል “ውግእ ዘይምህላው” ማለት ዘይኮነስ ፍረ ዘተን ነባሪ ምትሕብባርን እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ብቐዳምነት ነቶም ነቲ ዓውደ ጒባኤ ኣሰናዳእቲ ከምኡ እውን ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኢግናዚዮስ ኤፍረም ዳግማዊ ኣብኡ ምርኻቦም ከም ዘመስገኑን እቲ ኣብ ፍትሕን ሕውነትን ሰላምን ዘስተንትን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ህልው ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልእክዓ ምድሪ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ብዝጸልው ግጭትን ውግእን ዝልለይ ምዃኑ ገሊጾም ምእንቲ እዚ ፍትሕን ሕውነትን ሰላምን ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዞም ሰለስተ ክብርታት ናብ ዘተ ክመርሑ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍትሒ
እታ ቀዳመይቲ ቃል ፍትሒ እትብል ምዃና ገሊጾም፥ ፍትሒ “ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ዝግብኦ ምሃብ” ተባሂሉ ይግለጽ፡ እንተኾነ ግን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትውፊት “ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦትን ምስ ገዛእ ርእስኻን ቅኑዕ ርክብ ንምምዕባል ዝዓለም ጭቡጥ ተግባራት እውን ዘጠቓልል እዩ። እዚ እውን ማሕበረሰብ የዐንብብ።
ኣብዛ ብዙሓት ሰባት ፍትሒ ሃረር ዝብሉላን ንፍትሒ ዘእውዩላን ዓለምና ብፍላይ ድማ እቶም ብውጽኢታዊ ህዝባዊ መርሓታትን ሕግን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕለወሎም ናብ ሲቪላውን ፖለቲካውን ሰበ ስልጣን ዝጥምቱ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነብሩላ እያ ቢሎም በዚ መሰረተ እውን ላዕለዎት ኣካላት ዘለዎም ሓላፍነት ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣኽብሮት ክእንገድ ዝፈቅድ ቅኑዕ ርክብ ንምሕላውን ንምምዕባልን ምዕያይ ዓቢይ ብድሆ እዩ” እንክብሉ ነቶም ካቶሊካውያን ሓጋግያን ጒዳያት መርበብ ዘለዎም ሓላፍነት ኣዘኻኺሮም ኣስዒቦም ሓሳባቶም ናብ ድኻታትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ገይሮም እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝሰፍሕ ዘሎ “ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ ዝምዝመዙ ምዃኖም ገሊጾም እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ፍትሒ ዝጽበዩ እያቶም ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሕውነት
“ብዘይ ሕውነታዊ ምትእስሳር ፍትሓዊ ሕብረትሰብ ክህሉ ኣይክእልን - ሓባር ሓላፍነትን ሓልዮትን ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ውሁድ ምዕባለን” እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ብምዝኽካር፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣብ ተግባራዊ ማሕበራዊ ምሕዝነት እተመስረተ ሕውነት ዝዓስሎ ዓለማዊ ማሕበረሰብ ክህሉ መታን ንናይ ሓባር ረብሓ ዝጽመድን ጥዑይን ዝሓሸን ፖለቲካ ኣገዳሲ እዩ። ንዓለም ካብቲ ካብ ምግልጋል ንላዕሊ ናይ ምዕብላል ድሌት ዝመጽእ ንሕንሕን ዓመጽን ንምፍዋስ ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ጥራይ ዘይኮኑስ “ብፍላይ ናብቶም ኣብ ኣዚዩ ዘይተረጋገጸ ኵነታት ህይወት ዝነብሩ ዘቕንዑ ብሕውነታዊ ፍቕሪ ዝድረኹ ብቝዓት መራሕቲ እውን የድልዩና” ምስ በሉ፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም “ንማሕበራዊ ባህርያዊ ክብርን ኩሎም ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ብዙሕ ኩነታት ዘይማዕርነትን ዓመጽን ብመፍንፈስ ሕውነት ንምፍታሕ ዝጽዕሩ መርሓታትን ሕግታትን ንምጽዳቕ ዝኣመተ ዕዮ ብሃገራውን ኣህጉራውን ጽፍሕታት ዝካየዱ ዘለዎ ጻዕርታት ቅዱስነቶም ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰላም
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ሓባራዊ መጻኢና ንምህናጽ ዝግበር ጻዕሪ ቀጻሊ ምድላይ ሰላም ዝሓትት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ሰላም “ኵናት ዘይምህላው ጥራይ ኣይኮነን” ኢሎም፥ እንታይ ደኣ እቲ ናብ ነባሪ ሰላም ዝወስድ መገዲ ብፍላይ ብወገን እቶም ዝዓበየ ሓላፍነት ዘለዎም ንዅሉ ዝጠቕም ዕላማታት ንምኽዋን ዝዓዩ ክዀኑ ይግባእ። ስለዚ ሰላም ዝመጽእ “ነባሪ ተወፋይነትን ሓድሕዳዊ ዘተ ትዕግስቲ ምድላይ ሓቅን ንሓቀይና ሰናይ ናይቲ ሕብረተሰብ ቅድሚ ውልቃዊ ረብሓ ምባልን ምትግባርን ድልውነት” ማለት እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነዚ ንምዕዋት ድማ ኣገዳስነት ባይቶ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣጒሊሖም ሓቀይና ሰላም ክርከብ ዝክእል፡ ኣብ ኵላዊ ሕውነትን ንዅሉ ፍትሕን ዝተመስረተ ማሕበራዊ ስርዓት ንምህናጽ ዝከኣል ኣርሒቝ ዝጥምት ፖለቲካዊ መስርን ሕግን ወሳኒ እዩ ምስ በሉ፡ ጐይታ ነቶም ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት፥ “ንሓድሽ በርገሳውን ፖለቲካውን ህይወት መባዅዕቲ ክኾኑን ነቶም ኣዚዮም ኣብ ሓሳርን መከራን ዚርከቡ ናይ ፖለቲካ ፍቕሪ መሰኻኽር ኪኾኑ ኣኽእሎም” እንክብሉ ጸልዮም እቲ ብናይ ሕውነታዊ ምትሕብባር መንፈስ ዝተመገበ ንፍትሕን ሰላምን ዘለዎም ቅንኣት ኣብ ዓለምና መንግስቲ ኣምላኽ ንኽስጒም ኣበርክቶ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ክቡር ጻዕሪ ክመርሖም እጽልይ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።