ድለ

ክንዮ መጋረጃ ዝኾነ ውግእ ጉዳይ ገንዘብ ኣሎ! ዓቢይ ዕንቅፋት ንግድ ኣጽዋር ውግእ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ካናዳ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ፈጺሞም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ነፋሪት ዝገበርዎ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ሎሚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እንክገብሩ ነቲ ጐይታ ንእግዚአብሔርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ዝብል ተመርኲሶም ሱር ኩሉ ክፍኣት ምናዳ ኸኣ ናይዚ ኣብ ዓለምና እንርእዮ ውግእ ገንዘብ ምዃኑን እዚ ከኣ በቲ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑ ዘሎ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ከምዝግለጽ ኣብሪሆም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለቱ ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃ 12.13 ኮይኑ ‘ሓደ ኻብቶም ሕዝቢ ድማ ‘መምህር! ንኃወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ’ በሎ።  ኢየሱስ ከዓ ‘ኣታ ሰብኣይ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?’ በሎ። ኣስዒቡውን ‘ሕይወት ሰብ ብብዝኂ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኲሉ ስስዐ ተዓቀቡ’ በሎም። ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ ‘ገራሁኡ ብዙኅ ዘፍረየሉ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤ እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር? ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። ከምዙይ ድማ በለ፦ እቲ ናይ ቅድም ማዕኸነይ ኣፍሪሰ ኣግፊሐ ኽሠርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዂሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ። ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙኅ ዓመታት ዝኣክል ብዙኅ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ኽብላ እየ› በለ።  እግዚኣብሔር ግና ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?› በሎ። እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዝእክብኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግና ሃብታም ዘይኮነ ኸምኡ እዩ` በሎም ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘሎና ሁመት ንዓለምና ከም ዕንቊ ኣጽቢቡ ዘሎ ውግእ ግጭታት ፍትሒ ምጒዳል ሕንፍሽፍሽ ማሕበረሰብና መንቀሊኦም እንታይ ኮን ይኸውን ቢሎም ይሓቱ እሞ እታ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ‘ካብ ስስዔ ተዓቀቡ’ ትብል ትእዛዝ ዝሰምዓ ስለዘየለ ክንዮ ኩሉ መከራን ውግእን ዓመጽን ስስዐ ገንዘብ ከምዘሎ ነዚ ከነጽር ከኣ ጐይታ ብንጽጽር ኣብ ዘቅረቦ ወንጌለ ማቴዎስ ‘ሰባት ንእግዚአብሔርን ንገንዘብን ክግዝኡ ኣይክእሉን ወይ ነቲ ሓደ ይጸልኡ ወይውን ነቲ ሓደ ይፈትው’ እንክብል ንዘቅረቦ መጠንቀቅታ ኣስፍሕ ኣቢሎም ኢየሱስ ካብ ሰይጣንን እግዚአብሔርን ኣይኮነን ዝበለ ካብ ገንዘብን እግዚአብሔርን እዩ ዝበለ ምኽንያቱ ከኣ ሱር ኩሉ ክፍኣት ገንዘብ ስለዝኾነ እንክብሉ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ካብ ዝተፈጸሙ ውግኣትን ዓመጻትን ኣብ ዝገደደ ኩነት ከምእንርከብ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ከኣ ገንዘብ ኰይኑ ነቲ ኣብ ደም ምፍሳስ ዝውዕል ኣጽዋር ዝነግዱ ምእንቲ ገንዘብ ኮይኑ ስስዔ ገንዘብ ኣስኪርዎም ገና ንግዶም ይቅጽሉ ከምዘለው ናብ ሕልናና ክንምለስ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

እስኪ ብዛዕባ እዚ ከቢቡና ዘሎ ውግኣትን ግጭታትን ንሕሰብ! ኣብ ኩሉ ሽታ ገንዘብን ሃብትን ኣሎ። ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ዝኾነ ውግእ ክንደይ ጥቅሚ ገንዘብን መኽሰብን ኣሎ! ብርግጽ ሓደ ካብዚኦም ንግድ ኣጽዋር ውግእ እዩ። እዚ ንግድ ኣጽዋር ውግእ እዚ ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ። ነዚ ዕንቅፋት እዚ ኢድና ክንህብ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ ኢሎም።

ብዙሓት ስድራቤታት ንውርሻ ሃብቲ ይበኣሱ!

ቅዱስነቶም እቲ ውግእ ኣብ ዓውደ ኲናት ዝረኤ ብተዂስን ባሩድን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ ኣብ ነፍስወከፍ ስድራቤት ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣባላት ሓንቲ ስድራቤትን ዝረኤ ንውርሻ ዝምልከት ምትፍናንን እስኪ ሕለፍያ ዚዓይነቱ ምስሕሓብን ግጭትን ፈቀዶ ቤትፍርዲ ምክሳስ ኣሕዋትን እውን ምኽንያቱ ስስዔ ገንዘብ ቅጥዒ ኣልቦ ህርፋን ካብ እግዚአብሔር ንገንዘብ ምፍቃር ምዃኑ ብምዝኽኻር ናብ ልብና ክንምለስ ሓደራ ኢሎም።

ስስዔ ንሰባት ዘዕኑ ሕማም!

ቅዱስነቶም ናብታ ሕቶ ርስቲ ምምቃልን ኢየሱስ ዚሃባ መልስን ምልስ ይብሉ እሞ ኢየሱስ ነቲ ሰብ ክማጐቶን ኣብ ዝርዝር ኪኣቱን ኣይደለየን ብቀጥታ ናብታ ሱር ምምቅቃልን ቅርሕንትን ዝኾነ ጉዳይ ከይዱ ‘ካብ ስስዔ ህደሙ` ይብሎም። እዛ ስስዔ ትብል ቃል እንታይ ኮን ትኸውን ይብሉ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

ቅጥዒ ኣልቦ ስስዔ ወትሩ ክህብትም ጥራይ ዝብል መንፈስ ይዕብልል። ንደቂሰባት ዘዕኑ ሕማም እዩ። ክንዲ እንጌራ ዝጠሚ በዚ ሕማም እዚ ዝተታሕዘ ሰብ ጥሜትን ጽምእን ሃብቲ ሒዝዎ ወልፊ ይኾኖ። ልዕሊ ኩሉ ግን መጠን ሃብቲ ዚኣከብካዮ መጠኑ ትሃርፍ እሞ ፈጺምካ ክትዓግብ ኣይከኣልን፣ ወትሩ ብዙህ ክህልወካ ንዓኻ ጥራይ ክትእክብ ትደሊ። ከምዚ ምግባር ግን ሓርነት ይኸልእ፣ ወትሩ ኣብ ገንዘብ ትጠብቅ። ባርያ ናይቲ ብሓርነትን ብቅሳነትን ክትነብር ኣገልጋሊኻ ክኸውን ዝነበሮ ገንዘብ ትኸውን ኢሎም።

ፈተና ገንዘብ!

ተገልጋሊ ገንዘብ ካብ ምዃን ናብ ባርያ ገንዘብ ብቀሊሉ ይስገር ስለዚ ከኣ ኢየሱስ ሎሚ እውን እንተኾነ ዝምህረና ጉዳይ ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

ኢየሱስ ሎሚ እውን እትነኾነ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ልብና ክንሕዞ ዘሎና ጉዳይ ኣብ ማእከል ልቢ ነፍሲወከፍ ሰብ እዚ ስስዔ እዚ ከምዘሎ እምበር ዘዋግኣና ገለ ገዛእትን ጉዳያት ቊጠባን ጥራይ ከምዘይኮነ ንረዳእ ኢሎም።

ዕድመ ንመርመራ ሕልና!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ነፍስወከፍና ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እናሓተትና ጽጹይ መርመራ ሕልና ክንገብር ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ምስ ገንዘብን ንብረትን ዘሎ ርክብ ከመይ እዩ! ናብ እግዚአብሔር ክቀርብ ካባኡ እፍለዶ! ብዝጐደለኒዶ ዕሚም ክብል እነብር ወይስ በቲ ዘሎኒ ዓጊበ አመስግን! ስለጥቅሚ ገንዘብ ክብል ወይ ክብለጽ ቢለ ምስ ካልኦት ዘሎኒ ርክብን ግዜን ንክጥቀም ፈተናዶ የጋጥመኒ! ኣብዚ መንበረታቦት ክንብል እንኽእል ናብራ ስስዐ ሕጋውነትን ተኣማንነትን ክሳብ ምስዋዕዶ እበጽሕ! እናበልና ሕልናና ንመርምር ኢሎም።

ኣምልኾ ንዋይ!

ንመን ተምልኽ ንእትብል ሕቶ ኢየሱስ ንእግዚአብሔርዶ ንገንዝብ ትብል ኰይና ንብረት ገንዘብ ሃብቲ እንተዘይተጠንቂቅናኖም ንእምነትናን ኣምልኾናን ሸተት ኣቢሎም ናብ ሓቀኛ ኣምልኾ ንዋይ ከውድቀና ከምዝኽእል ዘጠንቀቁ ቅዱስነቶም ነታ ኢየሱስ ዘቅረባ ንጽጽር ከም ሓቁ ካብ እግዚአብሔርን ሰይጣንን ካብ ግብረሠናይን ክፍኣተ ግብርን ክብል ምተጸበና ግን ኢየሱስ ካብ እግዚአብሔርን ሃብትን እዩ ዝብለና ዘሎ እዚ ከኣ ሃብቲ ስስዔ ክሳብ ክንደይ ንድሕነትና ሓደገኛ ምዃኑ ንምብራህ እዩ። ከም ግቡኡ ሃብቲ ከገልግለና ክንጥቀመሉ ዝወሃበና እዩ እንተኾነ ባርያ ምዃን ፈጺምና ክነወግዶ ኣሎና እዚ ኣምልኾ ንዋይ እዩ፣ ንእግዚአብሔር ከኣ የሕዝን ቢሎም።

እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሉ ሃብታም!

እዚ ኣዘራርባ እዚ ብብዙሓት ዘይትርጉሙ እናተዋህቦ ሃብታም ንምዃን ካብ ምሕሳብ ምቊራጽ ክብል ይኽእል እንተኾነ ሃብታም ክትከውን ምድላይ ምዃኑ እውን ጽቡቅ እዩ፣ እንተኾነ ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ናይ እግዚአብሔር ሃብታማት ክንከውን ኣሎና። እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሉ ዝሃብተመ እዩ። ሃብቱ ከኣ ርሕራሔ እዩ። ምሕረት እዩ።

ሃብቲ እግዚአብሔር ንማንም ኣየድክን እዩ። ባእስን ምክፍፋልና ኣይፈጥርን። ክህብ ዘፍቅር ንዝረኸቦ ዘካፍል ዝዕድል ሃብቲ እዩ ኢሎም።

ጽቡቅ ንክትነብር ሃብቲ ጥራይ ምእካብ ኣይኣክልን። ሕይወት ኣብ ትሕዝቶ ኣይጽጋዕን። ኣብ ጽቡቅ ርክባት እዩ ዝምርኰስ። እዚ ጽቡቅ ርክባት ከኣ ምስ እግዚአብሔርን ምስ ብጾትናን ኰይኑ ምስቶ ውሑድ ዘለዎም እውን ክኸውን የድሊ።

ኣየናይ ውርሻ ነውርስ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም እንደገና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ነቲ ዝስዕበና ወለዶ እንታይ ኢና ክነውርስ ቢልና ክንሓትት ቅድሚኡ ግን ብምንታይ ክህብትም ኣሎኒ ቢልና ክነስተንትን ዓዲሞም። ብከመይ እየ ክብትም ዝደሊ ከም ናይ እግዚአብሔርዶ ወይስ ከም ስስዔይ! ናብ ጉዳይ ውርሻ እንተተመለስና ከኣ እንታይ ከውርስ እደሊ! ኣየናይ ውርሻ እየ ክሓድግ! ገንዘብ ኣብ ባንክ ወይስ ንብረት! ወይ ዝኸብኑ ሕጉሳት ሰባት ወይውን ዘይርስዑ ሠናይ ተግባራት ወይውን ንክዓብዩን ንክበስሉን ዝሓገዝክዎም ሰባት! እናበልና ነስተንትን ኢሎም።

ስለዝሕቢ ኡክራይና ዝግበር ጸሎት!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ዝበልዎ ሓውጾተ ኖልዎ ካናዳ ብሰላም ፈጺሞም ምምላሶም ምስ ገለጹ ንሰብሥልጣን ሃገረ ከናዳ ንመበቆላውያን ደቂኣባት ካናዳን ጳጳሳት ካናዳና ስለቲ ዝገበሩሎም ድሙቅ ኣቀባብላ ከማኡ እውን እቶም ብጸሎት ዘሰነይዎም ኩሎም ኣመስጊኖም። ኣብዚ ግዜ እውን እንተኾነ ስለህዝቢ ኡክራይና ጸሎቶም ከምዘይቋረጹ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

ኣብ ግዜ ሓዋርያዊ ጒዕዞይ እውን እንተኾነ ስለቲ ተዓሚጹን ተደቊሱን ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ምጽላይ ኣየቋረጽኩን። ጐይታ ካብዚ ሓለንጊ ውግእ ከውጽኦም ተማህሊለ። ወግእ ደው ኣቢሎም ክዛተዩ እጽውዕ። ጥበብ እግዚአብሔር ስጉምቲ ሰላም ንክገብሩ የስተንፍሰሎም ኢሎም።

ሰላምታ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ኣሕዋቶም!

ሰንበት ዕለት 31 ሓምለ ዓመታዊ ዝኽረ በዓል መሥራቲ ኢየሱሳውያን ዝኾነ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ብምንባሩ ንደቂ ማሕበሮም ‘ምውቅ ሰላምታ ንኣሕዋተይ ኢየሱሳውያን፣ ንእገልግሎት ጐይታ ብቅንኣትን ሓጐስን ምግስጋስኩም ቀጽልዎ! ተባዓት ኩኑ’ እንክብሉ ሰላምታ ኣቅሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 August 2022, 21:55

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >