ድለ

መንፈሳዊ ንግደት ንስሓ ካናዳ! ዘኢተብረ እምቅድመዝ! ቅድሚ ሕጂ ዘይተገብረ! ር.ሊ.ጳ

እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ካብ ኢየሩሳሌም ዓሠርተ ሓደ ኪሎ ሜትር ናብ እትርኅቕ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14 ንሳቶም ድማ በቲ ዝኾነ ዂሉ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ። ክዘራረቡን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን እንተለዉ ኸዓ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ ክኸይድ ጀመረ። (ሉቃ 24.13-15)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝገበርክዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዝምልከት ገለ ኣስተንትኖ ምሳኻትኩም ክካፈል እደሊ። እዚ ሓዋርያዊ ጒዕዞ እዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርክዎ ብጣዕሚ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ሓውጾተ ኖልዎ ነቶም መበቆላውያን ደቂኣባት ዝኾኑ ሕዝቢ ከናዳ ንምርካብን ቅርበተይ ንክገልጸሎምን ከማኡ እውን በቲ ብገሊኦም ካቶሊካውያን ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘስዓበለይ ቃንዛይ ንክነግሮምን ምሕረት ንምሕታትን ምሕረት ንምሕታት ማለት በቶም ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ ብዙሓት ካቶሊካውያን ዝርከብዎም ክርስትያን ኣብ ልዕሊኦም ንዝወረደ ክፍኣተ ግብሪ ማለት ምስቲ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበረ ግጉይ ፖሎቲካዊ ዕብለላ ባህሊ ምትሕብባሮምን ኣብ ጐድኒ እቲ ናይቲ ግዜቲ መንግሥቲ ምስላፎምን ንዘስዓቦ ዓመጽ ምሕረት ንምሕታትን ነበረ።

በዚ ኣገባብ እዚኸስ እቲ ኣብ ካናዳ ዝተገብረ ሓውጾተ ኖልዎ ሓዲስ ገጽ ታሪኽ ንምጽሓፍ ዘንቀደን እዚ ሓዲስ ገጽ ታሪኽ ከኣ ሓዲስ ገጽ ናይቲ ቤተክርስትያን ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ መበቆላውያን ደቂኣባት ብሓባር ጀሚራቶ ንዘላ ጒዕዞ ዘደንፍዕ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ መሪሕ ቃል ናይቲ ሓውጾተ ኖልዎ ‘ብሓባር ምጒዓዝ ብሓባር ምምራሽ ወይውን ምግስጋስ’ ዝብል ኮይኑ ነዚ ሓሳብ እዚ ገለ ክፋሉ ይገልጾ። እዚ ጒዕዞ እዚ ጒዕዞ ዕርቅን ጒዕዞ ሕውየትን ኮይኑ ነቲ ታሪኽ ዝልግሰልና ሓቂ ኣብ ልብኻ ገቢርካ ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ንዝኾኑ ጽን ቢልካ ምስማዕ ነዚ ኣብ ሕልናኻ ሒዝካ መንገዲ ንስሓን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ንምጥጣሕ ነበረ። ካብዚ ብዕምቈት ዝተገብረ ጒዕዞ እዚኸስ ብሓደ ወገን ገለ ቊሩባት ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ካብ ክርስትያንና ቈራጻት ኰይኖም ብትብዓት ንመሰል መበቆላውያን ደቂ ኣባት እንክድግፉ ኣብ ምክልኻሎምን ቋንቋታቶምን ባህሎምን ኣብ ምስፋሕ ዓቢ ኣበርክቶ ፈጸሙ። በቲ ሓደ ወገን ግን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን ክርስትያን ኣብቲ ሎሚ ነወግዞም ዘሎና መደባት ገዛእቲ ልኢኦሞም ተጻይ ወንጌል ክሰርሑ ተረኺቦም። ስለዚኸኣ እየ ብኣካል ከይደ ብስም ቤተክርስትያን ምሕረት ክሓትት ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዝፈጸምኩ።

በዚ ከምዚኸስ እዚ ጒዕዞ እዚ ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ንስሓ ኮነ። ብዙሕ ደስ ዝብል ግዝያት እኳ እንተሕለፍና ብቀንዱ ግን መንፈስ እቲ ጒዕዞ ብሓፈሻ እንርክርኤ ናይ ኣስተንትኖን ንስሓን ጣዕሳን ዕርቅን ነበረ። ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓደ ፍሉይ ጒጅለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቀቢለ ነቢረ። እዞም ሰባት እዚኦም ተወከልቲ መበቆላውያን ደቂኣባት ካናዳ እዮም። ብድሕሪዚ ነዚ ርክብ እዚ ክውን ንምግባር ሽድሽተ ኣኼባታት ተኻዪዱ።

እት ፍርይ ፍርይ ዝበለ ናይዚ መንፈሳዊ ንግደት ሠለስተ ታባ እየን። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ከናዳ ኣብ ኤድመንተን እታ ካልአይቲ ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ከናዳ ኣብ ከበክ እታ ሳልሰይቲ ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር 300 ኪሎሜትር ኣክባ ሰሜናዊ ኣርክቲክ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢካልዊት ነበራ። ቀድማይ ርክብ ኣብ ከተማ ማስክዋሲስ ነበረ ትርጉሙ ከኣ ኲርባ ድቢ ማለት እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ካብ መላእ ሃገረ ካናዳ ዝመጹ መራሕትን ኣባላትን ናይተን ኣብ ካናዳ ኣለዋ ዝበሃል ጒጅለታት ደቂ ኣባት ፈርስት ነይሽንስ መቲስን ኢንዊትን ዝበሃሉ ተረኽቡ። ምሳኣቶም ሓቢርና ዝኽሪ ገበርና። ሠናይ ዝኽሪ ቀዳሞት ሺሕ ዓመታት ናይዚ ሕዝቢ እዚ ገበርና። ምስ ኣደና መሬት ተዋሃሂዶም ናይ ዝነበርዎ ዘመን ዝኽሪ ገቢርና። ካብ ናይዚ ሕዝቢ እዚ ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ምስ መሬት ዘለዎም ውህደት እዩ። ምስዚ ከኣ ነቲ መሪርን ዘሕዝንን ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተትምህርቲ ዝተፈጸመ ብግጉይ ባህላዊ ዕብለላ ፖሎቲካ ዝተገብረ ዓመጽ እውን ገቢርና።

ድሕሪ ዝክሪ ካልኣይ ስጒሚ ጒዕዞ ናይ ዕርቂ ኮነ። እዚ ዕርቂ እዚ ብኣና ዝኸውን ኣይኮነን ከማኡ እንተዝኸውን ህውተታን ረኣዩለይ ስምዑለይን ምኾነ ብቀንዱ ብክርስቶስ ክንዕረቅ ፈቂድና። ከምቲ ኤፌ 2.14 ዝብሎ ‘ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ንሱ ሰላምና’ ስለዝኾነ ብኣኡ ክንዕረቅ ፈቀድና። ነዚ ከኣ ከም ነቲ በቶም ደቂኣባት ምልክት ሕመረት ሕይወት ዝኾነ ኦም ኣብ መንጎና ከም ምልክት  ሒዝና ፈጸምናዮ።

ንተዝካርን ዕርቅን ስዒቡ ዝመጽእከስ ሕውየት እዩ። ነዚ ጒዕዞ ሕውየት ዝኾነ ሳልሳይ ስጉምቲ ከኣ ኣብ ቀላይ ቅድስት ሓና ፕርፕሮዮ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ኢያቄምን ሓናን ፈጸምናዮ። ኣብዚ ኩልና ካብቲ ምንጪ ማይ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ክንቀድሕ ክኢልና። ኣብቲ ቦታ እቲ ብሓቂ ብኢየሱስ ቅርበት ናይቲ ካብ ቊስልታትና ክሕውየናን ምሕረት ሓጢኣትና ዝህበና እግዚአብሔር ኣቦ ክነስተማቅር ክኢልና።

ካብዚ ጒዕዞ ተዝካርን ዕርቅን ሕውየትንከስ ኣብ ካናዳ ንዘላስ ይኹን ኣብ ኩሉ ቦታ ናይ እትርከብ ቤተክርስትያን ተስፋ ይምንጩ። ኣብዚ ቦታ እዩ ከኣ ምሳሌ ናይቶም ክልተ ሓዋርያት ኤማሁስ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብሓባር ምስ ተጓዕዙ ምሳኡን ብጸጋኡን ካብ ፍሽለት ናብ ተስፋ ዝተሰጋገሩ (ሉቃ 24.13-35)።

ከምቲ ኣብ ምጅማር ዝበልክዎ ምስ መበቆላውያን ደቂኣባት ሓቢርና ዝገበርናዮ ጒዕዞ ናይዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዓንዲ ኮነ። ኣብዚ ዓንዲ እዚ ክልቲ ጉዳያት ተሳሰረ። እቲ ሓደ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካናዳ ዝተገብረ ርክብ እቲ ከኣ ምስ ሰበሥልጣና እታ ሃገር ዝገበርናዮ ርክብ ነበረ። ንሰብሥልጣና እታ ሃገር ሕጂ እውን ስለቲ ዓቢይ ተወፋይኖቶምን ንዓይን ንመሳርሕተይን ዘርኣይዎ ምውቅ ልባዊ ተቅባሎምን ደጊመ ከመስግኖም እደሊ። ከማኡ እውን ንጳጳሳት ካናዳ አመስግን። ኣብ ቅድሚ ኣመሓደርትን ሓለፍቲ መበቆላውያን ደቂኣባትን ኣካላት ዲፕሎማሲን ድላይ ቅድስት መንበርን ናይ ክልል ማሕበራት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመበቆላዊ ባህልታት ንምድንፋዕ ነዚ ብግቡእ ዝተሰናደው መንፈሳዊ ጒዕዞን ኣብቲ ናይቲ ሕዝቢ ልማድን ቋንቋን ፍሉይ ኣተኲሮ ብምግባር ንክሕግዙ ቈሪጽና  ተንሢእና ከምዘሎና ገሊጽው። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ሎሚ እውን እንተኾነ ዓብላሊ ኣተሓሕሳስባ ኮሎንያሊዝም ብዝተፈላለየ መልክዓት እናተዘርገሔ ንብዙሕ ባህልታትን ታሪኽን እምነታዊ ምትእስሳር ሕዝብን ነቲ ፍልልያት እናጨፍለቀ ኣብ ሎሚ ጥራይ እናጠመተ ንዝሓለፈ ታሪኽ ሸለል ብማለት ኣብ ሓደጋ እናኣውደቁ ምዃኖም ምናዳ ከኣ ንድኹማትን ተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብና ክንገብሮ ንዘሎና ግቡእና ጸቂጡ ኣብ ህልው ኩነታት ጥራይ ከምዝጸቕጡ ገሊጸ። በዚ ከምዚኸስ ጥዑይ ምምዝዛን ክህሉ ነቲ ዘጥፍኣናዮ ምስ መሬት ዝነበረና ውህደት ክንመልሶ ከመይ እዚ ምስ መሬት ዝግበር ውህደት ካብ ማዕርነት ዝተፈልየ እዩ። ኣብ መንጎ ዘመናውነትን ባህሊ ወለዶታትን ኣብ መንጎ ዓለማውነትን መንፈሳውያን ውርሻታትን ዝተመዓራረየ ውህደት ክፍጠር ኣለዎ። እዚ ከኣ ንተልእኮ ቤተክርስትያን ብቀጥታ ይምልከት፣ ከመይ ቤተክርስትያን ነናይ ክልሉ ሃብታም ብዙሕነት ኣብ ግምት ብምእታው ንመላእ ዓለም ዝኸውን ሓፈሻዊ ሕውነት ክትዘርእን ክትምስክርን እያ ተላኢኻ (ቱቱ ፍራተሊ 142-153)። ድሮ ቢለዮ እየ እንተኾነ ንሲቪላውያን ሰበሥልጣን እታ ሃገር ንጠቅላሊት ኣመሓዳሪት ንቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብ ዝተጐዓዝኩሉ ኩሉ ዝነበሩ ልኡኻትን መንግስትን እንደገና ከመስግን እደሊ። ፍሉይ ምስጋና ነቲ እዚ ጒዕዞ እዚ ከምቲ ዝተፈጸሞ ክግበር ንዝበርከቱ ኩሎም ኣመስግን። ንጳጳሳት እንከመስግን ምናዳ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓድነት ከመስግኖም እደሊ። እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ክውን ዝኾነሉ ምኽንያት ጳጳሳት ሓደ ስለዝኾኑ እዩ። ሓድነት ኣብ ዘለዎ ንቅድሚ ክትግስግስ ይከኣል። ስለዚ ነዚ ከስምረሉ እደሊ ንጳጳሳት ካናዳ ኸኣ ስለዚ ሓድነት እዚ ከመስግኖም እደሊ።

ናይ መወዳእታ ርክብናኸስ ኣብ ምልክት ተስፋ ነበረ። ኣብ መሬት ኢንዊት ዝበሃሉ ደቂኣባት ምስ መንእሰያትን ሽማግለታትን ተራኺብና። ኣብዚ ርክባት እዚ ምናዳ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ርክብ እቲ ስቃይ ናይቲ ሕዝቢ ከም ጽፍዒት ይስምዓኒ ከምዝነበረ ከረጋግጸልኩም እደሊ። እቶም ሽማግለታት ደቆም ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ከምዝሰኣኑን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይምፍላጦምን እዚ ከኣ በቲ ግቡይ ዓብላልን ኣህሳስን ባህልታት ፖሎቲካ ዝተብረ ነበረ። ብሓቂ ዘሕዝን ፍጻሜ ነበረ ግን ክንቅበሎ ግድን ነበረ፣ ንጌጋታትና ክንቅበሎም ንሓጢኣትና ገጽ ንገጽ ክንጥምቶ የድሊ። እዚ መንእሰያትን ሽማግለታትን ዝብል ኩነት ኣብ ካናዳ እውን ናይ ዘመንና ምልክት ነበረ። መንእሰያትን ሽማግለታትን ኣብ ታሪኽ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ወጥሪ ዝርከባ ተዝካርን ትንቢትን ብሓባር ንክጐዓዙ ግድን ክዛተዩ ኣለዎም። ናይዚ ደቂኣባት ሕዝቢ እዚ ሓይልን ናይ ዕርቂ ተግባርን ንኩሉ ሕዝብታት ምናዳ ደቂኣባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ንከይተርፉ ኣብነት ይኹን፣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ክንዲ ምዕጻው ዘመደ ኣዳም ብዝበለጸ ኣሕዋት ንክኾኑ ከወፍይዎ ንዝኽእሉ ኩሉ ከበርክቱ ንፍጡር ምፍቃር ማለት ንፈጣሪ ምፍቃር ምዃኑ እዚ ከኣ ምስ ፍጡር ብዝግበር ውህደትን ኣብ መንጎ ኩሎም ብዝግበር ውህደትን ምዃኑ እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 August 2022, 15:05
ንኩሉ ኣንብብ >