ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናብ ላኵይላ፥ ቀንዲ ኣጽዋር ጸረ ወጋ ምሕረትን ይቕረ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ናብ ላኵይላ፥ ቀንዲ ኣጽዋር ጸረ ወጋ ምሕረትን ይቕረ እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ናብ ላኵይላ፥ ቀንዲ ኣጽዋር ጸረ ወጋ ምሕረትን ይቕረ እዩ!

ቅዱስነቶም ንህዝቢ ኣኵይላ ኣብ እምነት ንምትብባዕ ንምጽናዕን ክበጽሕዎም ምዃኖም ገሊጾም እቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክዛዝሙ፥ “ትሕትናን ፍቕርን ቀረባውነት ምሕረትን ይቕረ ምባልን ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ወንጌል ንኸነብጽሕ እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ” ከም ዝበሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ነሓሰ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዞባ ኣብሩዞ ርእሰ ከተማ ኣኵይላ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ከም ዝኾኑን እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ምስ ዝኽሪ ኣዋጅ ቸለስቲናዊ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ምኽንያት ዘካይድዎ ምብጻሕ ክኸውን እንከሎ ኣብኡ እውን ቅዱስ ማዕጾ ዓመታዊ ቸለስቲናዊ ዘምሕረት ክኸፍቱ ከም ዝኾኑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ካብ ንውግእ ምውዕላድ ይቕረ ምባል ዝያዳ ሓይሊ ይሓትት። . . . ንዅሉ ውግእ ንምጥፋእ ዘኽእል ኣጽዋር ምሕረት ጥራሕ እዩ”፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስታ ኣብ ኣኵይላ እትሕተም “ኢል ቸንትሮ” እተሰምየ ኣብቲ ከባቢ ምስ ኣትሕተም ጋዜጣ ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም ዕለት 28 ነሓሰ ንግሆ ኣብታ ናይ ዞባ ኣብሩዞ ርእሰ ከተማ ኣኵይላ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ኣብኡ እውን ቅዱስ ማዕጾ ዓመትዊ ቸለስቲናዊ ዘምሕረት ናይ ምኽፋት ስነ ስርዓት ክፍጽሙ እዮም።

ንእከይ ብሰናይ ምስጋር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎን ካልኦት ግጭታትን ብምጥቓስ “እከይ ብእከይ ዘይኮነስ ብሰናይ ምግባር እዩ ዝሰዓር” እንክብሉ ገሊጾም፥ ይቕረ ምባል ውሽጣዊ ብስለት ከምኡ እውን ናይ ሰላም ባህሊ ይሓትት፡ ብዘይ እዚ ጻዕሪ እዚ ኣብቲ ንገዛእ ርእሶም ንምምዕባል እሚቶም ግጭት ከም መጋበርያ ዝጥቀሙ ሰባት ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ንዘገድሶም ንምድንፋዕ ዝግበር ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እከይ ተጣቢቕና ኢና እንተርፍ”፥ ር.ሊ.ጳ. ቸለስቲኖ ሓምሻይ ኣብ 1294 ዓ.ም. ኵሎም እቶም ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኮለማጆ ዝነግዱ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ እዮም እንክብሉ ከም ዝኣወጁን እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ነዚ ማእከል ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ እውን “ብኸመይ ንድኻታት ፍቕርን ትሕትናን” ከም እነደንፍዕ ዘዘኻኽር ምዃኑ እቲ ኣዋጅ ቸለስቲኖ ዘምሕረት ዘዘኻኽረና ክኸውን እንከሎ፡ ስለዚ እዋናዊ ሕብረተሰብ ካብዚ ኣርኣእያ እዚ ብዙሕ ኪመሃር ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የዘኻኽሩ።

ናይ ስቓይ ምስጢር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣኵይላን ከባቢኣን ዘጋጠመ ብርቱዕን ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ጥፍኣት ዘስዓበ ርእደ መሬት ንዝዘከረ ሕቶ እንክምልሱ፥ “ስቓይ ወትሩ ምስጢር እዩ -  ኢየሱስ ንባዕሉ ጽምዋ ተሰሚዖውን ዝተሳዕረ ኮይኑ ከም እተሰምዖን ኣብዚ ኵነት ስዕረት እዚ ድማ ገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ሕድሪ ሃበ፡ ስለዚ ኵሉ ነገር ዝጠፍእ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ዘይተጸበናዮ ወስታ ክንገብር ከም እንኽእል ማለት ኵሉን ኵለንተናናን ንጐይታ ሕድሪ ክንህብ ከም እንኽእል ምሂሩና እዩ።”

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣተሓሒዞም ንጐይታ ሕድሪ እንተ ዘይሂብና ድሕሪ ጥፍኣት ዳግም ምውላድ ዘይከኣል እዩ ዝኸውን፡ ይዅን እምበር እቲ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ዘሎና ውሽጣዊ ርግጸይናነት ምስክርነት ዝሓትት ውህበት ምዃኑ ከምኡ እውን እዚ ውህበት ምሕረት እዚ ካብቲ ኵሉ ከጥፍእ ዝፍትን ዝኸላኸል እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጐድኒ ድኻታት ንዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምውዳስ

እታ ኣብ ኣኵይላ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ነቶም ብሰንኪ ርእደ መሬት ንእተፈላለየ ስቓይ ዝተቓልዑ ሰባት ንምድጋፍ ዝገበረቶ እትገብሮን ብዙሕ ጻዕርታት ንኢዶም፡ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ርእደ መሬት ዝዓነወ ኣባይትን ካቴድራል ኣኵይላን ዳግም ክህነጽ ኣለዎ፥ “ኣብታ ከተማ ዘገልግሉን ናይታ ከተማ ካህናትን ገዳማውያንን ውፉያንን አመስግን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ምስቶም ተራ ሰባት ኰይኖም ኣባይቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንፍሲ እቲ ህዝቢ ዘጠቓልል ስለ ዘካይድዎ ዘለዉ ኵለንተናዊ ዳግማይ ህንጸት አመስግን” ከም ዝበሉ የመላኽት።

በይንና እንተድኣ እንጓዓዝ ኮይንና ንቕድሚት ክንስጒም ዘይከኣል እዩ ዝኸውን፡ ሓድነት ጥራይ እዩ ብሓቂ መስዋዕቲ ዝሓትት ለውጢ ክንፍጽም እንኽእል፡ ንዅሉ እቲ ዝገማምዓናን ዝፈላልየናን ሓዲግና ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ዘበለ ኵሉ ኣጥቢቕና ክንሕዞ ይግባእ።”

ብእምነት ምትብባዕ

ቅዱስነቶም ንህዝቢ ኣኵይላ ኣብ እምነት ንምትብባዕ ንምጽናዕን ክበጽሕዎም ምዃኖም ገሊጾም እቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክዛዝሙ፥ “ትሕትናን ፍቕርን ቀረባውነት ምሕረትን ይቕረ ምባልን ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ወንጌል ንኸነብጽሕ እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Aug 2022, 16:16