ድለ

SRI LANKA-POLITICS-ECONOMY SRI LANKA-POLITICS-ECONOMY  (AFP or licensors)

ብፁዕ ካርዲናል ራንጂት ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሥድራቤታት ስሪላንካ ንዝተገብረ ሓገዝ 100,000 ኤውሮ የመስግኑ!

ሊቀ ጳጳስ ኮሎምቦ ሃገረ ስሪላንካ ብፁዕ ካርዲናል ማልኮም ራንጂት ነቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ብ2019 ዓም ብበዓለ ትንሣኤ ኣብ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ ሕይወት 269 ንጹሓት ሰባት ዝቀዘፈ መጥቃዕቲ ቦምባታት ዝተጐድኡ 400 ስድራቤት ንዝኾኑ ዝውዕል ሓገዝ 100,000 ኤውሮ ብምብርካቶም ዝተሰምዖም ዕግበትን ምስጋናን ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብሪሆም።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕነቶም ቅድሚ ሊቀ ጳጳስ ኮሎምቦስ ሃገረ ስሪላንካ ብ2009 ዓም ምስያሞም ኣብ ቅድስት መንበር ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ካብ ምኽትል ጸሓፊ ንስብከተወንጌል እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ጀሚርካ ሓዋርያዊ እንደራሴ ቅዱስንቶም ኣብ ሃገረ ምብራቅ ቲሞርን ዋና ሓላፊ ሥርዓታት ሥርዓተ ኣምልኮ ናይ እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበርን ካልእ ጐድናዊ ሥራሓትን ዝሓለፉ ብምዃኖም ብቀንዱ ልግሲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዘደነቆም ምናዳ ኸኣ ነቶም ማንም ዘይዝክሮም ግዳይ ናይቲ ንመዓልቲ ፋሲካ ከጸልምት ዘንቀደ ግብረሽብራ ብዕለተ ፋሲካ ብ2019 ዓም ኣብ ቤተክርስትያን ኮሎምቦ ዘጋጠም ባርዕ ክንዮ እቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑ 269 ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ስድራቤታት ኣብ ብዙሕ ቊጠባውን ማሕበራውን ስቃይ ንዝርከቡ ክሕግዝ ብማለት ቅዱስነቶም ዘወፈይዎ ናይ ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ደገም ካብ ነጻ ድላዮም ተበጊሶም እምበር እዚ ግበሩልና ዘይበሎም የለን እንክብሉ ልባዊ ምስጋናኦምን ኣድናቆቶምን ገሊጾም።

ሃገር ስሪላንካ ብኩሉ ኩሉ ኣብ ቅልውላው ከምእትርከብ ማለት ቊጠባውን ፖሎቲካውን ቅልውላው ነቲ ፋይናንሳዊ ኩነታት ናይታ ሃገር ክወጸሉ ኣብ ዘይክእል ዓዘቅቲ ሸሚምዎ ከምዘሎ ኣብሪሆም። ንብፁዕነቶም ብዛዕባ እዚ ሓገዝ እዝን ብዛዕባ ውሕስነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገረ ስሪላንካን ከብርሁ ሕቶ ምስ ቀረበሎም፣ ‘ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናብ ሮማ ምስ መጻእኩ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ናብራ ሕዝቢ ሓቲቶምኒ ምስ ኣብራህኩሎም ተገዲሶም ሰሚዖምኒ። ቊጠባዊ ሓገዝ እንተገበርና እንታይ ይመስለኩም ኢሎምኒ፣ ሠናይ ብልቢ አመስግን ኢለዮም። ክንደይ ዝኸውን የድሊ ምስ በሉኒ ዝፈቀድክምዎ ንዝኾነ ብምስጋና ንቅበል ኢለዮም። እሞ ገለ ገባር ሠናይ 100,000 ክህበኒ እዩ እሞ 50,000 ክህበኩም እየ ቢሎም ሕሳብ ባንኪ ናይታ ሰበኻ ሓተቱኒ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ተመለስኩ 100,000 ኣብ ሕሳብ ባንኪ ሰበኻ ረኺበ። ስለዚ ነቲ ዝተቀበልዎ ብምሉኡ ንዓና ሂቦምና ማለት እዩ። ንግድነታት ሕዝብና ብዝህብዎ ቀጻሊ ኣተኲሮ ብልቢ ኣመስግኖም’ ኢሎም።

ነዚ ሓገዝ እዚ ኣብ ምምቅራሕ ከኣ ብዘሎ ቊጠባውን ፖሎቲካውን ቅልውላው እዞም ስድራቤታት ኣብ ብርቱዕ ጸገም ስለዝርከቡ ምዕሩይ ብዝኾነ ኣገባብ ክንከፋፍሎ ኢና። እዞም ዝበልናዮም 400 ስድራቤታ ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣብ ካቱዋፒቲያ ከተማ ነጎምቦ ከማኡ እውን ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኮችቺካደ እንክኾኑ ንገለ ስድራቤታት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ባቲካሎዋ ከማኡ እውን ንቤት ጽሕፈት ረድኤት ካሪታስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገለ ክፋል ሂብና እንክብሉ ነቲ ቅዱስነቶም ብልግሲ ዝሃብዎም ሓገዝ ብልግሲ ንጽጉማት ከምዘካፈልዎ ገሊጾም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
19 August 2022, 15:54