ድለ

2022.08.11 Esequie Card. Jozef Tomko 2022.08.11 Esequie Card. Jozef Tomko  (Vatican Media)

ናይ ጽኑዕ እምነትን መንፈሳዊ ቅንኣት ተልእኮ ወንጌል ዘቃጸሎን ሰብ ነበሩ! ካ. ረ ኣብ ምስንባት ነፍኄር ካ.ቶምኮ

ሓላፊ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ 8 ነሐሰ ኣብ 98 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ሓላፊ ማሕበር ስብከተወንጌል ኣህዛብ ዝነበሩ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶምኮ ሥርዓተ ቀብር ምስ ፈጸሙ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከኣ ናይ መወዳእታ ፍትሓት ከምዝፈጸሙ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ሓላፊ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ብሕልፈት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ኩርያ ሮማና እትስእኖ ክብሪ ብቀንዱ ጽንዓት እምነትን ሓቀኛ መንፈሳውነትን እንክኸውን ብመንፈስ ቤተክርስትያን ምምልላስን ኣብ ዝህብዎ ኩሉ ፍርድታትን ርእይቶታትን ሚዛናዊ ምንባሮን ንጹርነቶምን ሕያውነቶምን ፍቅሮምን ቅርጥውነቶምን ክንስእኖ ኢና’ እንክብሉ ብቃሎም ብግብሮም ዓቢ ምስክርነት ዝሃቡ ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ብዓቢ ሓላፍነት ዝሰርሑሉ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ካብ ምዃን ጀሚሮም ሓላፊ ማሕበር ስብከተወንጌል ሎሚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ኮይኑ ዘሎ ከማኡ እውን ፕረሲደት ናይቲ ዓለምሓቆፍ ኮንግረሳት ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ዘሰናዱ ኮይኖም ኣገልገሉ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ እስሎቫክያ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝገበሩ ግዜ ካብ 12-15 መስከረም 2021 ዓም ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶምኮ ምሳኦም ብምጒዓዝ ኣብ ሜዳ ሎኮሞቲቫ ከተማ ኮሲስ ምስ መንእሰያት ዝተገብረ ርክብ እንክሳተፉ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሚያዝያ 2022 ዓም እውን ካብ ሃገሮም ሃገረ እስሎቫክያ ዝመጹ ነጋድያን ኣሰንዮም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ዝለኣኽዎ ተለግራም ዝበልዎ እዚ ዝስዕብ ነበረ።

“ነቲ ብፁዕ ነፍሰኄር ኣብ ኣገልግሎት ቅድስት መንበር ዘበርከትዎ ንነዊሕ ግዜን ብዓቢ ብስለትን ምዃኑ እንክዝክር ብሓቂ ትጉህን እሙንን ተሓባባሪ ናይ ዝቀደሙኒ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነበሩ። ካብቲ ኣባኦም ዝተዓዘብክዎ ኣብዚ ዕድመ እዚ ብሓቂ ናይ ጸሎት ሰብ ከምዝነበሩ ዕለት ዕለት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከየብኰሩ ምሸት ምሸት መቊጸርያ ክደግሙ እዕዘብ ነረ። በዛ ጸሎተ መቊጸርያ ገቢሮም እዮም ንብዙሓት መንፈሳውያን ነጋዶን በጻሕትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጽቡቅ ሕዝባዊ ምስክረንት ፍቅሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዚሃቡ። ኣብ ርእሲ እዚ ነተን ካብ ነዊሕ ኣትሒዘን ብዓቢ ጥንቃቄ ዝተኸናኸናኦም ደናግል መለኮታዊ ምሕረት ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዘጳውሊ ሳትማሮክ ምስጋናይ እገልጽ ኢሎም ነበሩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2022, 14:16