ናይ ጽኑዕ እምነትን መንፈሳዊ ቅንኣት ተልእኮ ወንጌል ዘቃጸሎን ሰብ ነበሩ! ካ. ረ ኣብ ምስንባት ነፍኄር ካ.ቶምኮ
ዜና ቫቲካን!
ሓላፊ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘ብሕልፈት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ኩርያ ሮማና እትስእኖ ክብሪ ብቀንዱ ጽንዓት እምነትን ሓቀኛ መንፈሳውነትን እንክኸውን ብመንፈስ ቤተክርስትያን ምምልላስን ኣብ ዝህብዎ ኩሉ ፍርድታትን ርእይቶታትን ሚዛናዊ ምንባሮን ንጹርነቶምን ሕያውነቶምን ፍቅሮምን ቅርጥውነቶምን ክንስእኖ ኢና’ እንክብሉ ብቃሎም ብግብሮም ዓቢ ምስክርነት ዝሃቡ ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ብዓቢ ሓላፍነት ዝሰርሑሉ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ካብ ምዃን ጀሚሮም ሓላፊ ማሕበር ስብከተወንጌል ሎሚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ኮይኑ ዘሎ ከማኡ እውን ፕረሲደት ናይቲ ዓለምሓቆፍ ኮንግረሳት ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ዘሰናዱ ኮይኖም ኣገልገሉ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ እስሎቫክያ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝገበሩ ግዜ ካብ 12-15 መስከረም 2021 ዓም ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶምኮ ምሳኦም ብምጒዓዝ ኣብ ሜዳ ሎኮሞቲቫ ከተማ ኮሲስ ምስ መንእሰያት ዝተገብረ ርክብ እንክሳተፉ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሚያዝያ 2022 ዓም እውን ካብ ሃገሮም ሃገረ እስሎቫክያ ዝመጹ ነጋድያን ኣሰንዮም ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ቅዱስነቶም ተራኺቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ዝለኣኽዎ ተለግራም ዝበልዎ እዚ ዝስዕብ ነበረ።