ተልእኮ ምእመናን ኣብ ቤተክርስትያን ንኪዓቢ አቡናት ክዛተዩ እጽውዕ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝፍለጥ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሕጋዊ ኣዋጃት ካብ ዘመሓላልፉሉ ሓደ ብሚኒስተርያ ኰዳም ገሊኦም ኣገልግሎታት ወይውን ተልእኮታት ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘውጽእዎ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ዝሓለፈ ነሓሰ 15 2022 ዓም መበል ሓምሳ ዓመቱ ኣቊጺሩ።
ቀንዲ ሕዳሴ ናይቲ ኣዋጅ ብመሠረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንምእመናን ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ግደኦም ከበርክቱ ዝተላበዎን ዚኣወጆን ሰነዳት እቲ ንውሉደ ክህነት ጥራይ ተሓዚኡ ምስቲ ምሥጢረ ቤተክርስትያናዊ ሥልጣን ክህነት ብምትእስሳር ብንኡሳን መዓርግ ዝፍለጡ ዝነበሩ ገሊኦም ምእመናን እውን ክሳተፍዎም ንማለት እንክተርፉ ንገሊኦም ግን ዘጒደለ ኣዋጅ ነበረ። ካብቲ ርእሶም ክኢሎም ክቈሙ ፈልዮም ዝሓደግዎም ንኡሳን መዓርግ ኣንባቤ መጻሕፍትን ኣገልግሎት ኣናጒንስጢስን ወይውን ተራዳኢ ዝብሉ ኣብ ኣገልግሎት መንበረ ታቦት ናይ ዝሕግዙ ተልእኮ ነበሩ። ተልእኮ ምእመናን ክኾኑ እውን ተወሰኑ። እዚ ሎሚ ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ግዜ ቅዳሴ ቃል ኣምላኽ ካብ ምንባብ ጀሚርካ ክሳብ ፍሉይ ተልእኮ ምዕዳል ቅዱስ ቊርባንን ቀዋሚ ዲያቆን ኰንካ ኣብ ቅዱሳት ምሥጢራት ክሳብ ምሥጢረ ጥምቀት ምዕዳልን ሙታን ምቅባርን ዘኽእል ተልእኮ ምእመናን መሠረቱ ኣብዚ እዩ።
ቅዱስነቶም ንመበል ሓምሳ ዓመት ናይዚ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ብምዝካር ኩሎም ረኪበ ጳጳሳት ነዚ ንሓምሳ ዓመት ምስ መመላእታ ዝተኻየደ ተልእኮ ኣንባቤ መጻሕፍትስ ይኹን ተራዳኢ ማለት ኣናጒንስጢስ ከማኡ እውን ብቀረባ ብኣኦም ዝተኣታተዎ ፍሉይ ተልእኮ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ካተኪስታ ኣብ ተመኲሮ ቤተክርስትያን ንዝሃቦ ረብሃ ንክግምግሙ ዘተን ጉባኤታትን ከካይዱ ድላዮም ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ቀንዲ ዕላማ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልና ንምልክታት ግዜና ክነንብብ ዝላበዎ ሎሚ እውን እንተኾነ እቲ ጒዕዞ እናቀጸለ እንከሎ ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ ጽን ቢሎም ክሰምዑ እሞ ናይ ስነሓሳብ ወይውን ኣይድዮሎጂ መንፈስ ዘለዎም ምርጫታት ተጽዕኖ ከይገብሩ ብምጥንቃቅ ንተመኲሮ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ዝግበር ዘለዎ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ ዓቢ ጥቅሚ ከምዘለዎ ኣዘካኺሮም። እዚ ተመኲሮ እዚ ነቲ ነፍስወከፍ ምእመን ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበሎ ተልእኮ ከከም ተውህቦኡ ከዕብዮን ከገልግለሉን ብዝተወሰነ ዝገበርዎ ጒዕዞ ንዝመጽእ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞና እውን ብሩህ ጐዳና ክኸፍትን ናብ ዝተወሃሃደ ራእይ ንምብጻሕ ከመላኽትን ይኽእል ኢሎም።
ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንንኡሳን መዓርጋት እንኰላይ ንፍቀዲቊና ከሐድስዎ እንከለው ንዝበለጸ ምዕባሌን ኣግልግሎትን ቤተክርስትያን ከምዝነበረ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተገብረ ፍሉይ ሲኖዶስ ኣማዞንያ እውን ኣበው ጳጳሳትስ ግድነት ተልእኮ ቤተክርስትያንን ስፍሓት ኣማዞንያን ዋሕዲ ሰበኽቲ ወንጌልን ኣብ ግምት ብምእታው ብመሠረት እዚ ሓዋርያዊ ኣዋጅ እዚ ተልእኮ ምእናን ኪዓዝዝ ጻውዒት ኣቅሪቦም ከምዝነበሩ እውን ኣዘካኺሮም።
ቅዱስነቶም ባዕሎም እውን ሕቶ ተልእኮ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝተላዕለሉ ስፒሪቱስ ዶሚኒ መንፈስ ጐይታና ዝብል ብወርሒ ጥሪ 15 2021 ዓም ሓዋርያዊ ኣዋጅ ብምጽሓፍ ነተን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ርእሰን ዝኸኣላ ኣገልግሎታት ቢሎም ዘቈምወን ተልእኮ ኣንባቤ መጻሕፍትን ኣናጒንስጢስን ደቂ ኣንስትዮ ክቀበላኦ ብምፍቃድ ከማኡ እውን ኣንቲኩም ሚኒስተርዩም መምህር ትምህርቲ ክርስቶስ ምዃን ጥንታዊ ተልእኮ እዩ ዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ብግንቦት 10 2021 ዓም ብምጽሓፍ ምስተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ክልተ ከም ሳልሰይቲ ምምህርና ትምህርቲ ክርስቶስ እውን ከም ተልእኮ ኣገልግሎት ብምቋም ምእመናን ብዕሊ ክለኣኹለን ዝኽእላ ርእሰን ዝኸኣላ ተልእኮታት ኣንባቤ መጻሕፍትን ኣናጒንስጢስን መምህር ትምህርተ ክርስቶስን ምዃነን ብምዝካር እዘን ንሶም ዝጸሓፍወን ክልተ ኣዋጃት ምትካእ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዘይኮነ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ስለዘተኲራ ብመንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመሪሖም ንምድንፋዐን ከምዝኾነ ገሊጾም።
መሠረት ነፍስወከፍ ተልእኮ!
ቅዱስነቶም ነዘን ኣብ ቤተክርስትያን ኣድላዪ ኣበርክቶ ኣለወን ዝበልወን ተልእኮታትን መሠረተንን ምልስ ብምባል ተልእኮታት ዘይብሉ ማሕበረ ክርስትያን ክህሉ ኣይክእልን እንክብሉ መሠረቱ ኣብቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእክታቱ ዝገልጾ ሰፊሕ ትንተና ተልእኮታት እንክኸውን ብቀንዱ ግን ክልተ ነቅ ዘይብላ መሠረታት ከምዘድልያ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ንዝነበረ ልማድ ቤተክርስትያን ይጠቅሱ። እታ ቀዳመይቲ መሠረት ዝበልዋ ኣብ ምንጪ ነፍስወከፍ ተልእኮ እቲ ብመንፈስ ቅዱሱ ገቢሩ ኣብ ኩሉን ብኩሉን ዝሠርሕ እግዚአብሔር ኣሎ። ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ዕላማ ነፍስወከፍ ተልእኮ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ኮይኑ ንሕንጸት ማሕበር እዩ። ነፍስወከፍ ተልእኮኸስ ካብ ኣምላኽ ዝቀርብ ጸዋዕታ ንሱ ከኣ ንኣገልግሎት ሠናይ ናይታ ማሕበር እዩ። ነዘን ክልተ መሠረታውያን ሓሳባት ምስጋና ይኹን ማሕበረ ክርስትያን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንዝዕድሎ ኣገልግሎታት ከመሓድሩ ይኽእሉ። እዚ ምምሕዳር እዚ ግን ንማለቱ ከም ማንም ሥራሕ ዝረኤ ዘይኮነ ጥንቁቅ መመያ ማሕበረ ክርስትያን ነዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን እንታይ ከምዝብል ሰሚዕካ ኣብ ጭቡጥ ቦታን ሁመት መነባብሮን ክከውን ኣለዎ። ዝኾነ ትሕተ ቅርጺ ኣገልግሎትከስ ካብቲ ሕያው ነባሪ ዝኾነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ነቂሉ ብዘይ ምንም ሕንፍሽፍሽን ጽልዋ ስነሓሳብ ወይውን ኣይድዮሎጂን ክግበር ኣለዎ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ነቲ ንብዙሓት ዘደናግር ሓሳብን ተግባርን ዝብል ኣምር ንምንጻር ተግባር ካብ ሓሳባት ንላዕሊ ኣድላዩ ምዃኑ ተገንዚቦም ውህደት ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ምሥጢረ ቤተክርስትያንን ነቲ ሓባራዊ ናይ ጥምቀት ክህነትን ተልእኯኣዊ ምሥጢረ ክህነትን ከምዝመላልኡ ገቢሩ ናይ ነፍስወከፍ ተልእኮ ሥርዓተ ኣምልኾ ብንጹር ተቀሚጡ ብዓምዲ እምነት ተምሪሑ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ዝቅለስ ነተን ዝተፈላለያ ኣገልግሎታት ከምዝወሃሃዳ ይገብረን ኢሎም።
ንኩሉ ኩሉ ዘነጽር ከኣ መሠረት ዓምዲ እምነት ሕገቀኖናዊ መመርሒ ስለዘሎ ኣብ ማእከል ግላዊ ተልእኮን ጸዋዕታን ዘሎ ርክብን ፍልልያትን ንተልእኮ ስድውን ንምዃን ዝግበር ኲስኰሳን ተቊዋማዊ ትምህርትን ከማኡ እውን ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ጐድኒ ነፍስወከፍ ተልእኮ ክንጸር ሃደራ ኢሎም።እዚ ኣርእስታት እዚ ዕጹቊን ድንግርግር ዘብልን ስለዝኾነ ዓሚቊ መጽናዕቲ የድልዮ እንተኾነ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክንገልጾ ንዘሎ ጸገማት ከኣ ፍታሕ ክንረኽበሉ ኢና ቢልካ ክንዲ ምሕሳብ እናሰራሕካን እናኣገልገልካን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ብምባል ዘተን መጽናዕትን ምግባር ግደ ኩለን ረኪበ ጳጳሳት ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ኣብ ኢቫንደሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖም ንዝሃብዎ ምሕጽንታ ምናዳ ከኣ ኩነታት ካብ ሓሳባት ግዜ ኸኣ ካብ ቦታ ከምዚዓብዩ ብምጥቃስ ንዘሎ ወጥሪ ንምፍኳስን ሕቶ ንምንጻርን ቅልጡፍ ስጒምቲ ንምውሳድ ካብ ምድንዳን መንፈስ ጐይታ ኣባና ክሠርህ ብምፍቃድ ዕለት ዕለት ንቅድሚ ክንስጉም ሓደር ብማለት መልእኽቶም ዛዘሙ።