ካርዲናላት መላእ ዓለም ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቫቲካን ብዛዕባ ሕዳሴ ኲርያ ሮማና ይዛተዩ!
ዜና ቫቲካን!
ኮለጅ ወይውን ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ምምካርን ምሕጋዝን ር.ሊ.ጳ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ኮይኑ ብዝሖም ብሞት እናጐደለን ብሓደስቲ እናተተከኤን 226 እንክኾን ካብዚ ከባቢ 200 ዝኾኑ ብዛዕባ ሕዳሴ ላዕለዋይ ምምሕዳር ቅድስት መንበር ዝግደስ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ዘገልግል ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ብዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ንዝተሓገገ ጉዳያት ብቀንዲ ከኣ ነቲ ሕመረት ተልእኮ ቤተክርስትያን ዝኾነ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ብዝምልከት ንክልተ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ ዕጽው ጉባኤ ከምዘካየዱ ተመልኪቱ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ምስ ክንድዙይ ዝብዝሖም ካርዲናላት ተጋቢኦም ኣይፈልጡን። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሲኖዶሳትን ካልእ ጉባኤታትን ምስ ዝመጸ ገለ ኣካላትን ወከልትን ረኪበ ጳጳሳትን ሰበኻታትን እንተዘይኮይኑ ካብ ነፍስወከፍ ኩርናዕ ዓለምና ምስ ዝመጹ ካርዲናላት ኪጋብኡ እዚ ንመጀመርያ ግዜኡ እዩ። ዝበዝሔ ቊጽሪ ካርዲናላትን ኣቡናትን ዝተጋብኡሉ ናይ ሎሚ 8 ዓመት ይገብር ክልተ ተኸታታሊ ሲኖዶሳት ስድራቤት ኣብ ዝተገብረሉ እንክኸውን ሽዑ ኩሉ ኩሎም ካርዲናላቶምን ኣቡናቶምን 180 ኣቢሎም ነበሩ።
መደባት ሥራሕ!
ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝተመልከተ ቅዱስነቶም ዕለት 27 ነሓሰ 2022 ዓም ነቲ ብኮንቺስተሮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ከካይዱን 20 ሓደስቲ ካርዲናል ክሾሙን ምዃኖም ምስ ተገልጸ ካብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካርዲናላትን ምብራቃውያን ፓትርያርክታትን ሓለፍቲ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስ መንበርን ኣብ ሮማ ተጋቢኦም እቲ ዕጹው ጉባኤ ምስ ተኻየደን ሲመት ሓደስቲ ካርዲናላት ምስ ተፈጸመን ኩሉ ኩሎም ንክልተ መዓልታት ዕጽው ጉባኤ ንምክያድ ኣብ ሓዲስ ኣደራሽ ሲኖዶስ ጳውሎስ 6ይ ተጋቢኦም ሎሚ ዕለት 30 ነሓሰ ኣማስያኡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 5.30 ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስነቶም ሰንበት ክገብርዎ ዝነበሮም ግን ብምኽንያት ሓውጾተ ኖልዎ ኣኲላ ዘየርከበሉ ምስ ሓደስቲ ካርዲናላት ናይ ምሥጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።
ነዚ ዕጽው ጉባኤ ካርዲካናላድ ዝመደቡ ሰብ መዚ ብእዋኑ ንኩሎም ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ መደብን መርሓ ግብሩን ክምልከትዎም ዘለዎም ቀንዲ ዛዕባታትን ዚሓዘ ጽሑፍ ተዘርጊሑ ነበረ።
መንፈስ ሕውነት ዚዓሰሎ ጉባኤ!
ኣብ ቀዳማይ ውዕሎ ናይ ዕለት 29 ነሐሰ ንዝነበረ ሃውሁ ብሓፈሻ ንክገልጹ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ዝተወከሶም ተሳታፊ እቲ ጉባኤ ቆሞስ ቅድስት ድንግል ማርያም መለኮታዊ ፍቅሪ ብፁዕ ካርዲናል ኤንሪኮ ፈሮቺ ‘ሕውነት ዚዓሰሎ ጉባኤ ኣካዪድና’ ድሕሪ ቢሎም ነቲ ውዕሎ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ምስ ከፈቱ ኣብዘን ክልተ መዓልታት ኣስተንትኖ ነፍስወከፍና ኣበርክቶና ክንህብ ዓዲሞም። ካርዲናላት ኣብ ዝተፈላለየ ጉጅለታት ተመቃቂሎም ድሕሪ ዘትዮምን ኣስተንቲኖምን እንደገና ዳግም ብሓባር ተራኺቦም። ዝተዛተዩሉ ነጥብታት ክልተ ነበረ። ብቀዳምነት ብዛዕባ ሓድነት ማለት ክርስትያን ክህብዎ ዘለዎ ሕድሕዳዊ ምስክረንት ፍቅሪ ከማኡ እውን ኣብ ዘመንና ዘሎ ቀንዲ ጸገም ስብከተ ወንጌልን ነዚ ጸገምዚ ንምብዳህ ዘድሊ መፍትሕን ኣብ ዝብል ተማ ኣስተንቲኖም ኢሎም።
ዓቢ ተሳትፎ ዝተራእየሉ ጉባኤ!
ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣብ ቅድስት መንበር ጒዳይ ቅዱሳን ናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ኮይኖም ውሃ ዘበለ ጉባኤ ብዙሓት ዝተሳተፈሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንዘተ ክፉትን ጽዑቅ ሓባራዊ ሥራህን ዝተራእየሉ ምናዳ ከኣ ነቲ ሓዲስ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ኣብ ግምት ብምእታው ኣድላይነት ስብከተ ወንጌልን ናይቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ጐይታ ማለት ግብረ ሠናይ ወይውን ናይ ፍቅሪ ሥራህ ንምፍጻምን ዝምልከት ነበረ ኢሎም።
ቃላት ር.ሊ.ጳ!
ከምዝዝከር ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዕለት 29 2022 ዓም ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ሓደስቲ ካርዲናላት ክሾሙ ምዃኖምን ንቅዱስ ኮለጅ ወይውን ጉባኤ ካርዲናላት ከኣ ንክልተ መዓልቲ ጉባኤ ብምጽዋዕ ንትሕዝቶ ሓዲስ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ክገልጹን ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።