ር.ሊ.ጳ ኣብ ሳንትያጎ ሃገረ እስፐይን ኣብ ንግደት ንዝርከቡ መንእሰያት ይባርኹ!
ዜና ቫቲካን!
እዚ ብፐግ22 ዝፍለጥ ንዓመታዊ ክብረ በዓልን መዛዘሚ ዓመት ኮምፖእስተላን ንምፍጻም ኣብቲ ህቡብ መካነ ንግደት ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ዘካምፖእስተላ ኣብ ሳንትያጎ ሃገር እስፐይን ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዓም ክግበር እኳ ተመዲቡ እንተነበረ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንሎም ዘመን ተሰጋጊሩ ንቅዱስነቶም ብዝወከሉ ካርዲናል ብጽቡቅ ከዝተፈጸመ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና እንከመልክት ቅዱስነቶም ከኣ ብወገኖም ሰላምታኦምን ቡራኬኦምን ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከምዚ ክብሉ ለኣኹ።
እቲ መንፈሳዊ ንግደት ዝሓለፈ ዕለት 3 ነሓሰ 2022 ዓም ዝተጀመረ ኰይኑ ብዓቢይ ድምቀት ዕለት 7 ነሐሰ 2022 ዓም ንግሆ ከምዝተፈጸም ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና የመልክት። ቀንዲ ተዋሳእቲ ሰበኻ ሳንትያጎ ዘኮምፖእስተላ እንክትከውን ምስ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ እስፐይን ምሉእ ምትሕብባርን ደገፍን ከምዝተገብረሉ እውን እንክምልከት ካብ መላእ ኤውሮጳ ብብዝሒ ካብ ሃገር እስፐይን ከማኡ እውን ካብ ሃገር ፖርቱጋልን ሃገረ ጣልያንን ኣብ ቅድሚ እቲ መቃብር ሓዋርያ ያዕቆብ ዝርከበሉ መካነ ንግደት ከባቢ 12 ሺሕ መንእሰያት ‘መንእሰይ ተለዓል ምስክር ከኣ ኩን! ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ይጽበየካ ኣሎ’ ዝብል መሪሕ ቃል ሒዞም ነበሩ።
ቅዱስነቶም ምስዚ ኣታሓሒዞም ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ሃገር ፖላንድ ነቂሎም ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ንግሥተ ሰላም መጀጎሪ መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝርከብዎም ኣውቶቡስ ብምግምጣላን 12 ሕይወቶም ዝሰኣኑሉን 18 ብኸቢድ ዝቈሰሉሉን ፍጻሜ ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።