ድለ

2022.08.03 Peregrinación europea juvenil 2022- Santiago de Compostela 2022.08.03 Peregrinación europea juvenil 2022- Santiago de Compostela 

ር.ሊ.ጳ ኣብ ሳንትያጎ ሃገረ እስፐይን ኣብ ንግደት ንዝርከቡ መንእሰያት ይባርኹ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 7 ነሐሰ 2022 ዓም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቶም ካብ መላእ ኤውሮጳ ነቲ ብፐግ22 ዝፍለጥ መንፈሳዊ ንግደት መካነ ንግደት ቅዱስ ያዕቆብ ዘኮፖእስተላ ኣብ ሳንትያጎ ሃገረ እስፐይን ንዘካይዱ መንእሰያት ‘እዚ ጒዕዞ እዚ ናብ እግዚአብሔርን ናብ ብጾትናን ገጽና እንገብሮ ጒዕዞ ኣገልግሎትን እዩ’ እንክብሉ ምስ ገልጹ ቡራኬኦም ልኢኾም። ከማኡ እውን ናብ መጀጎሪ መንፈሳዊ ንግደት ክገብሩ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ደቂ ፖላንድ ኣብ ክሮኣስያ ሓደጋ ዘጋጠማ ኣውቶቡስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ብፐግ22 ዝፍለጥ ንዓመታዊ ክብረ በዓልን መዛዘሚ ዓመት ኮምፖእስተላን ንምፍጻም ኣብቲ ህቡብ መካነ ንግደት ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ዘካምፖእስተላ ኣብ ሳንትያጎ ሃገር እስፐይን ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዓም ክግበር እኳ ተመዲቡ እንተነበረ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንሎም ዘመን ተሰጋጊሩ ንቅዱስነቶም ብዝወከሉ ካርዲናል ብጽቡቅ ከዝተፈጸመ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና እንከመልክት ቅዱስነቶም ከኣ ብወገኖም ሰላምታኦምን ቡራኬኦምን ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከምዚ ክብሉ ለኣኹ።

“ብምሉእ ታሕጓስ ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት ንዝሳተፉ ንነፍስወከፍ መንእሰን ብምሉእ ልበይ እባርኽ፣ ነቶም እዚ መንፈሳዊ ንግደት እዚ ክውን ንምዃን ዝሰርሑን ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ንዘሰንዩን እውን እባርኽ። ሕይወትኩም ወትሩ ጒዕዞ ይኹን፣ እዚ ጒዕዞ እዚ ምስ ኢየሱስ ኰይኑ ናብ እግዚአብሔር ናብ ኣሕዋትን ዝግበር ጒዕዞ ኰይኑ ብኣግልግሎትን ብታሕጓስን ዝግበር ጒዕዞ ይኹን ኢሎም።”

እቲ መንፈሳዊ ንግደት ዝሓለፈ ዕለት 3 ነሓሰ 2022 ዓም ዝተጀመረ ኰይኑ ብዓቢይ ድምቀት ዕለት 7 ነሐሰ 2022 ዓም ንግሆ ከምዝተፈጸም ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና የመልክት። ቀንዲ ተዋሳእቲ ሰበኻ ሳንትያጎ ዘኮምፖእስተላ እንክትከውን ምስ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ እስፐይን ምሉእ ምትሕብባርን ደገፍን ከምዝተገብረሉ እውን እንክምልከት ካብ መላእ ኤውሮጳ ብብዝሒ ካብ ሃገር እስፐይን ከማኡ እውን ካብ ሃገር ፖርቱጋልን ሃገረ ጣልያንን ኣብ ቅድሚ እቲ መቃብር ሓዋርያ ያዕቆብ ዝርከበሉ መካነ ንግደት ከባቢ 12 ሺሕ መንእሰያት ‘መንእሰይ ተለዓል ምስክር ከኣ ኩን! ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ይጽበየካ ኣሎ’ ዝብል መሪሕ ቃል ሒዞም ነበሩ።

ቅዱስነቶም ምስዚ ኣታሓሒዞም ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ሃገር ፖላንድ ነቂሎም ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ንግሥተ ሰላም መጀጎሪ መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝርከብዎም ኣውቶቡስ ብምግምጣላን 12 ሕይወቶም ዝሰኣኑሉን 18 ብኸቢድ ዝቈሰሉሉን ፍጻሜ ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ትማል ንግሆ ኣብ ክሮኣስያ ዘጋጠመ ሓደጋ ጒዕዞ ብዓቢ ሓዘን ሰሚዔ። ንመጀጎርየ ዝጐዓዙ ካብ ዝነበሩ መንፈሳውያን ነጋድያን ደቂ ፖላንድ ገሊኦም ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ገሊኦም ከኣ ከምዝቈሰሉ ሰሚዔ። እኖና ድንግል ማርያ ስለኹሎምን ስለስድራቤታቶምን ተማልድ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2022, 18:46