ልዑላን መሳፍንቲ ሞናኮ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እንክራኸቡ!
ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሎ ቅዱስነቶም ተመልኪቱ ከምዝነበረ ቅድሚ ቀትሪ ቅዱስነቶም ንልዑላን መሳፍንቲ ሞናኮ ልዑል ኣልበርት ካልኣይን በዓልቲ ቤቶም ልዕልቲ ሻርለንን ኣብ ሓዋርያዊ ኣድራሽ ተቀቢሎም ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ከምዘዘራረብዎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ሓዋርያዊ ኣድራሽ ዝርከብ ቤተመጻሕቲ ኣብ መንጎ ቅዱስነቶም ሰብሥልጣን መሳፍንቲ ሞናኮ ልዑል መስፍን ኣልበርት ካልኣይን ልዕልቲ ሻርለንን ትኻዪዱ። ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ምስ ተዛተዩ በብወገኖም ውህበታት ከምዝተዓዳደሉ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ቅዱስነቶም ዘወፍይዎ ውህበት ብኣስራዚ ዝተሰርሔ ሓደ ሕጻን ንካልእ ሕጻን ካብቲ ወዲቅሉ ዘሎ ከተንስእ ዝሕግዝ ምስሊ እንክኸውን ንክትሕግዝ ምፍቃ ዝብል ጽሑፍ ዝተወረቆ ምንባሩን ምሳኡ ከኣ ነዚ ዓመት እዚ ንዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ዝጸሓፍዎ መልእኽትን ሕውነት ዘመደ ኣዳም እትብል ሰነዶም ዝሓለፈ 27 ሚያዝያ 2020 ዝጸሓፍዎ እስታስዮ ኦርቢስ ዝብል መጻሓፎምን ከምዝለገሱሎም እንክምልከት፣ ልዑላን መሳፍንቲ ሞናኮ ከኣ ብወገኖም ናይ ሞናኮ ኣደራሾም ቤተመቅደስ ዘመልክት ማሕተም ከምዘቅረቡሎም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
21 Jul 2022, 11:52