ድለ

++ Papa: o siamo fratelli o crolla tutto ++ ++ Papa: o siamo fratelli o crolla tutto ++ 

ነታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ፡ እግዚኣብሔር ሎሚ ካብኣ እንታይ ከምዝደሊ እትመሚ ዘላ ቤተ ክርስትያን ኣመስግን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብፓን ኣፍሪካን ዝፍለጥ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕዳ እትራኸበሉ ሓዋርያዊ ስርዓተ መርበብ፡ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ክስነ እናጸለዩ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይሮቢ ንዝተጋብኡ፡ ምሁራት ትምህርተ መለኮትን፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን፡ ምእመናንን ኣቡናትን “ንመመያ ብሓባር ኮፍ ብምባል፡ እግዚኣብሔር ሎሚ ዝነግረና “ምልክት ተስፋ ኢዩ” ይብሉ።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና፡ ብሓባር ኮንካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካባና እንታይ ይደሊ ኢልካ መመያ ምግባር ናይ ኣፍሪቃዊት ቤተ ክርስትያን ባህርይ ኢዩ ይብሉ።

ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብቲ ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ ንፓን ኣፍሪካን ካቶሊካዊ ትምህርተ መለኮታውን  ሓዋርያውን መርበብ ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቲ እናመስገኑ፡ “እዚ ምልክት ተስፋ፡ ምሁራት ትምህርተ መለኮትን፡ ምእመናንን፡ ካህናት፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ኣቡናት ብሓደ ኮይኖም ክጉዓዞ ዝወሰድዎ ተበግሶ ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ 2ይ ፓን ኣፍሪካዊ ካቶሊካዊ ጉባኤ ኣብ ትምህርተ መለኮትን፡ ሕብረተሰብን ሓዋርያዊ ሕይወትን፡ ኣብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ካብ ዕለት 19 – 22 ሓምለ ምክያዱ ኣዝዩ ዘሔጉስ ኢዩ ኢሎም።

“ብሓደ ኮንካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዝሕብረና መንገድታት ምምማይ፡ ምስ ብድሆታት ጥራሕ ካብ ምግጫው ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሕልምታት ኣፍሪቃ ክውን ዝኾነሉ፡ ማሕበራውን፡ ባህላውን፡ ኣከባብያውን ናይ ቤተ ክርስትያን ሕልምታትን፡ እዚ ነቲ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ እትመሚ ኣፍሪቃት ቤተ ክርስትያን ኢዩ።”

በዚ ኣጋጣሚ ቅዱስ ኣቦና ንዝጀመርዎ ጻዕሪ ከዛይዱ ክቅጽሉ ኣተባብዕዎም።

ብኣፍሪቃዊ እምነትን ተጻዋርነትን ከምዝተመሰጡ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣፍሪቃ ንዝበጽሕዎ ግዜ እናዘከሩ፡ ብቀጻሊ ብኣፍሪቃዊ እምነትን ተጻውነትን ከምዝግረሙ ገለጹ።

ተውህቦ ጥበብ ኣፍሪቃዊ ኣበው፡ ቅዱስ ኣቦና “እዚ ዘዘክረና፡ እምባታት ኣይራከቡን ደቅ ሰብ ግን ይራኸቡ ንዝብል የዘኻኽረና።” ቅዱስ ኣቦና ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብሓባር ክቅጽሉ ይዕድሙ፡ ሕድሕድ ከሰናነዩ፡ ብሓደ ክዓብዩ፡ ንሕድሕድ ክተሓጋገዙ ይጽውዑ።

“ጥበብ ትምህርተ መለኮት፡ ከምቲ ንስኻትኩም እትእምምዎ፡ ኣብ ምሕንጽንታኦም ቅዱስ ኣቦና “ሰናይ ዜና ናይ ምሕረት ንድኻታት ኮይንኩም ንኣሕዛብ ማሕበረሰብን መግቡ፡ ኣብ ድኻሞምን ቃልሲ ሕይወትን፡ ሰላምን ተስፋን ደግፍዎም።” ይብሉ።

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ብቡራኬ ምዝዛሞም፡ መንፈስ ቅዱስ ከስተንፍሰሎም እሞ “እቲ ቤተ ክርስትያን እትደልዮ መንገድታት ካብ ውሽጢ እዚ ጉባኤ ክወጽእ፡ እዚ ከኣ መንገዲ ተልዕኮን፡ ከባብያዊ ለውጥን፡ ሰላምን፡ ዕርቅን፡ ለውጥን ናይ መላእ ዓለም ብመንፈስ ቅዱስ ክግለጽ ጸለዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
21 Jul 2022, 02:16