ድለ

2022.07.05 Card. Hummes Papa 2022.07.05 Card. Hummes Papa  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሞት ‘ክቡር ሓወይ’ ዝብልዎም ካርዲናል ሁመስ ዝተሰምዖም ሓዘን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሞት ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ፓውሎ ብራዚልን ሓላፊ ንካህናት ናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ዝነበሩን ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመስ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ‘ስለቲ ብሃብታት ወንጌል ዝተመርሐ ቅንኣትን ተወፋይነትን ዝመለለዪኡ ኣብ ሃገረ ብራዚልስ ይኹን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዘወፈኹምዎ ነዊሕ ኣገልግሎት ወትሩ እዝክረኩም’ እንክብሉ ተለግራም ጽሒፎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ሕውነትን ዕርክነትን ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመስ ጥርዙ ዝግለጸሉ ኣብ ዕለተ ሢመቶም ምዃኑ ንምግላጽ ‘ነተን ዶም ክላውድዮ (ኣባ ክላውድዮ ቢሎም እዮም ዝጽውዕዎም) ብዕለት 13 መጋቢት 2013 ድኻታት ከይርስዕ ሓደራ ዝበሉኒ ቃላት ወትሩ ኣብ ሕልናይ ወሪቀየን እጐዓዝ’ እንክብሉ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ፓውሎ ሃገረ ብራዚል ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሸረር ጽሒፎም።

ዜና ዕረፍቶም ዝሃቡ ናይ ሳኦ ፓውሎ ብራዚል ሜጥሮጶሊታዊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሸረር እንክኾኑ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ 87 ዓመት ዕድሚኦም ሓምለ ዕለት 4 2022 ዓም ከምዝዓረፉን ኩሎም ስለ ዕረፍቲ ነፍሰኄር ሁመስ ክጽልዩን ኣምላኽ ምስ ጻድቃኑ ኣብ ሕቊፉ ክቅበሎምን ዘለዓለማኢ ዕረፍቲ ይሃቦም ቢሎም፣ ሥርዓተ ቀብሮም ኣብ ካተድራል ሳን ፓውሎ ከምዝፍጸም እውን ሓቢሮም ነበሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ሓጺር መልእኽቲ ተለግራሞም ዝዘከረዎ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገሮም ሃገር ብራዚልን ኣብ መንበረ ጴጥሮስን ምናዳ ከኣ ምስ መበቆላውያን ሕዝቢ ኣማዞንያ ንዘበርከትዎ ‘ዉፍይን ቅንኣት ዝመልኦን ኣገልግሎት’ ክብሉ ብከምዚ ገለጽዎ።

እዚ ክቡር ሓወይ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክረክብ ጸሎተይ እዩ፣ ስለቲ ንሱ ንቅድስት ኣደና ቤተክርስትያን በቲ ዝተዋህቦ ንጒስነት ነፍሳት ዝምልከት ተልእኮ ኣብ ሃገሩ ብራዚልስ ይኹን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ዞባ ኣማዞን ኣብ ዘበርከቶ ተወፋይነትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ዝመልኦ ብሃብታት ወንጌል ዝተመርሐ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎት ንእግዚአብሔር አመስግን ኢሎም።

ቅዱስነቶም ትሽዓተ ዓመት ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ኣብታ ታሪኻዊት ዕለት ሲመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ምስዚ ሓወይ ዝብልዎ ናይ ልቢ ዓርኮም ዝነበሮም ጥቡቅ ርክብ ካብ ኣእምሮኦም ከምዘይፍለ ንሊቀ ጳጳሳት ሳን ፓውሎ ናይ ልቦም እንክገልጹ ከምዚ ቢሎም ጸሓፉ።

ነተን ዶም ክላውድዮ (ኣባ ክላውድዮ ቢሎም እዮም ዝጽውዕዎም) ብዕለት 13 መጋቢት 2013 ድኻታት ከይርስዕ ሓደራ ዝበሉኒ ቃላት ወትሩ ኣብ ሕልናይ ወሪቀየን እጐዓዝ ኢሎም።

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመስ ፍራንቸስካዊ ብምዃኖም ሊቀ ጳጳስ ምስ ተሾሙ ከም ኣርማ ‘ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም’ እትብል ብምውቃጥ ነታ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ‘ፍራተሊ ቱቲ’ ኩልና ኣሕዋት ወሲዶም፣ እዚኣ ሓረግ እዚኣ ንሶም ጥራይ ዘይኮነ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ‘ፍራተሊ ቱቲ’ እትብል ሓርዋያዊት መል እኽቲ ከምዝጸሓፉ ዝዝከር እዩ።

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ምስ ድኻትታ ብሕልፊ ከኣ ምስ መበቆላዊ ሕዝቢ ኣማዞን ዝነበሮም ፍሉይ እንኽኾን እዛ ር.ሊ.ጳ ኣብ ተለግራሞም ዝገለጽዋ ብ2013 ትኽ ትንፋስ ዓርኮም ሊቀ ጳጳስ ብወነስ ኣየርስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ኾርገ ማርዮ በርጎልዮ ር.ሊ.ጳ ክኾኑ ምስ ተመርጹ ኣብ ጥቃኦም ኰፍ ኢሎም ስለዝነርሩ ‘ዓርከኒ በጃኻ ንድኻታት ኣይትረስዕ’ ይብልዎም፣ እዛ ሕሹዂታ እዚኣ ፍራንቸስኮስ ዝብል ሽም ክመርጹ ከምዘብርሃትሎም ቅዱስነቶም ድሒሮም ብከመይ ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ር.ሊ.ጵጵስናኹም ክኸውን መሪጽኩም ምስ ተባህሉ ብዕለት 16 መጋቢት 2013 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ገሊጾም ነበሩ። 

ኣብቲ ብ2019 ዓም ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣማዞንያ ካብ ዘበርከትዎ ብባህሊ ምዕላስ ወይውን ኢንካልቹረሽን ዝብል መሪሕ ከማኡ እውን ንዋሕዲ ካህናት ንምትካእ ኣብ ኦኣለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፍሉይ ውህበታት ግደ ዲያቆናት ከማኡ እውን ናይታ ሓባራዊት ገዛና እንብላ ከባቢና ምናዳ ኸኣ ሳንቡእ ዓለም ዝበሃል ዞባ ኣማዞን ንምክንኻን ዝተወሃሃደ ኤኮሎጂ ዝብል ሓሳብ ዘቅረቡ ነበሩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
06 July 2022, 14:51